|
||
|
|
||
|
جبهة الإنقاذ
الوطني الإرتري
Eritrean National Salvation Front ሰይጣንሲ ከምስል የምሰልስል!! ቀዳማይ ክፋል ኩሉ ግዜ መለለዪ’ቲ ኣዕናዊ ውሽጣዊ መርሆታትን ጉጉይ ወጻኢ ፖሊስታትን ጸረ-ሰላም ስርዓት ህግደፍ ጽልኢ፡ ቅርሕንቲ፡ ኲናት፡ ህውከትን ዕንወትን ምዃኑ ብግብሪ ዘመስከረን ኣብ ባይታ ዘሎ ጭቡጥ ክውንነትን’ዩ፡፡ ኢሳያስ ንመሪርን ነዊሕን ተጋድሎ ህዝብና ዘሚቱን ንሕድሪ ስውኣት ኤርትራ ጠሊሙን፡ ዘውዲ ፖሎቲካዊ ስልጣን ብዓመጽ ዝዓተረ ውልቀ መላኺ’ዩ፡፡ ንህዝቢ ኤርትራ ከኣ ንማእለያ ዘይብሉ ግፍዕታትን ጭቆናን ዝፈረደ፡ መርዛምን ቀታልን መንደላይ ተመን ምዃኑ ምንም ዘጠራጥር ነገር ክህሉ ኣይኽእልን’ዩ፡፡ ንኣህዛብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ድማ ንከቢድ ስግኣትን ዘይምርግጋእን ኣጥሒሉ ንህውከትን ዕንወትን ዝተሃንደደ ሲኦል ምዃኑ ዝተፈልጠ’ዩ፡፡ ኤርትራ ብድሕሪ ነጻነታ ጥራሕ ኣብዚ 16 ዓመታት’ዚ ብውጽኢት እቲ ኣዕናዊ ውሽጣዊ መርሆታትን ጉጉይ ወጻኢ ፖሊስታትን ስርዓት ህግደፍ ንከቢድ ዓዘቕቲ ክትወድቕ ዝተገደደት ሃገር’ያ፡፡ ህዝብና ድማ ንኣዝዩ ብርቱዕ ፖሎቲካውን ቁጠባውን ማሕበራውን ቅልውላው ከምዝተጋለጸ ምስክር ዘድልዮ ተርእዮ ኮይኑ ኣይፈልጥን’ዩ፡፡ ሃገርና ብሰንኪ’ቲ ጠገለ ዝሰኣነ ዕብዳንን ጽላለን መራሕታ ድማ ካብ ማሕበረ-ሰብ ዓለምን ጎረባብታ ሃገራትን ዝተነጸለት ደሴትን ገሃነብን ምዃና’ውን ብፍጹም ዘተሓታት ጉዳይ ኣይኮነን፡፡ ይኹን ደኣምበር ሰበ-ስልጣን ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ዘለዎም ክቱር ንዕቀት፡ ወትሩ ነቲ ልሉይን ኩለ-እንተናውን ጨካን ኣበራቶምን ግፍዕታቶምን ብምኽሓድ፡ ብዛዕባ ካልኦት ስርዓታትን መራሕትን ዝወራዘዩ ምዃኖም ዝተፈልጡ’ዮም፡፡ ካብ መንግስቲ ህግደፍ ዝኸፍአን ዝበስበሰን ስርዓታት ዘየሎ ክንሱ፡ መራሕቲ ኤርትራ ግን እቲ ኩሉ እከይን ጸረ ህዝብን ተግባራቶም ንጎኒ ገዲፎም ብዛዕባ ካልኦት ክወራዘዩ ፖሎቲካውን ሕልናውን ሞራላውን ብቕዓት የብሎምን፡፡ ኮይኑ ግና’ቲ ብዓቕሊ ጽበት ተወጢሩ ዘሎ እንባ-ገነናዊ ኤሳያስ፡ ሕፍር ከይበለ ብ10 ሰነ 2007 ንህልዊ ፖሎቲካዊ ኩነታት ጎረባብቲ ሃገራት ኣመልኪቱ ክልተ ሰዓትን ፈረቓን ዝወሰደ ፍሉይ ቃለ መሕትት ክገብር ተደሚጹ፡፡ ኣብዚ ቃለ-መሕትት’ዚ ከኣ ሓላዪን ደላይ ጽቡቕን ጎረባብቲ ኣህዛብ ክመስል ምፍታኑ ኣዝዩ ዘገርም ድራማዊ ተዋስኦ’ዩ፡፡ መስረታዊ ሕመረት ወጻኢ ፖሊስታት ስርዓት ህግደፍ ድማ፡ ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት ንምህናጽ ስትራተጂካዊ ሰላምን ራህዋን ዝዓለመ ምዃኑ ክገልጽ ፈቲኑ፡፡ እቲ ብዘይልዙብ ኣንደበቱን ግብረ-ሽበራዊ ተግባራቱን ስራሕ ኣልቦ ኮይኑ ተሪፉ ዘሎ ጨቋኒ ኤሳያስ ከኣ፡ ካብኡ ዘሊሉ’ውን ንነብሱ ካብ መራሕ ሃገር ለጠቕ ኣቢሉ፡ ዓቢ ኢትዮጵያዊ ካድር ብምዃን ክምድር ኣምሰዩ፡፡ ህዝቢ ኢትዮጵያ ከኣ ኣንጻር ስርዓቱ ክዕምጽ ከምዘለዎ ሓኒኑ ክሰብኽን ክጽውዕን ተሰምዑ፡፡ እዚ ውጹእ ሸፈጥን ሽሕጣንን እንተዘይኮይኑ፡ ሕመረት ጉጉይ ወጻኢ ፖሊስታት ስርዓት ህግደፍ ምስ ማሕበረ-ሰብ ዓለም ንምምስራት ሰናይ ዝምድናታት ዝሓቆፈ ትሕዝቶ ነይርዎ ኣይፈልጥን’ዩ፡፡ ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ድማ ኣብ ምክብባር ዝተመስረተ፡ ንምህናጽ ስትራተጂካዊ ሰላምን ራህዋን ዝዓለመ ዘይቅየር መርገጽ ኣይኮነን፡፡ ብኣንጻሩ ተገላባጥን መጨበጢ ዘይብሉን ምዃኑ ግን ብዙሓት ኣብነታት ከቐርብ ይከኣል’ዩ፡፡ እቲ ጉጉይ ወጻኢ ፖሊስታት ስርዓት ህግደፍ ካብቲ ኣዕናዊ ውሽጣዊ ፖሎቲካዊ መርሆታት ተነጺሉ ዘይርአ ኮይኑ፡ ነዚ ንምድህሳስ ድማ ብዙሕ ጻዕርታት ዝሓትት ጉዳይ ኣይኮነን፡፡ እዚ ከኣ ኣብ ፖሎቲካዊ ስልጣን ብዓመጽ ብድሕሪ ምውጣሕ፡ ብጨለ ዘረባታትን ዊንታዊ መደረታትን ዝግለጽ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ብግብራዊ ምንቅስቓስ መራሕቲ ህግደፍ ዝምዘን’ዩ፡፡ ህዝብና ከኣ ብውጽኢት እቲ ጉጉይን ኣዕናውን ወጻኢ ፖሊስታት ስርዓት ህግደፍ ክሳብ ክንደይ ንከቢድ ሰልሚ ተሸሚሙን ካብ ማሕበረ-ሰብ ዓለም ተነጺሉን ኣብ ጸባብ ደሴት ክነብር ተገዲዱ ምህላው ኣዓርዩ ስለ ዝፈልጥ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ንምትላሉ ዝግበር ፈተነ ከንቱ’ዩ፡፡ ብዝኾነ ግን ኣብዚ ዓሰርተ ሽዱሽተ ዓመታት’ዚ እቲ ጉጉይ ወጻኢ ፖሊስታት ስርዓት ህግደፍ፡ ንምምስራት ሰናይ ዝምድናታትን ንምንጋስ ስትራተጂካዊ ሰላምን ራህዋን ድዩ ዝእምት ወይስ ብኣንጻሩ ምድህሳሱ እቲ ዝቐለለ መንገዲ’ዩ፡፡ ወጻኢ ፖሊስታት ስርዓት ህግደፍ ብብዙሓት ዓበይቲ ረቋሒታት መስረታዊ ሕመረት ትሕዝቶኡ ኩሉ ግዜ ኲናትን ዕንወትን’ዩ፡፡ ካብቶም ብዙሓት ዓበይቲ ረቋሒታት ከኣ፡ ብውሕዱ ብቀዳምነት ካብ ዝስርዑን ቀንድን ኣርባዕተ ነጥብታት ከነቕርብ ብፍጹም ከቢድ ጉዳይ ኣይኮነን፡፡ ህግደፍ ንዕኡ ዘብቕዕ ፖሎቲካውን ቁጠባውን ዓቕሚ ኣለዎ’ዶ የብሉን ብዘየገድስ፡ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብርቱዕ ተሰማዕነት ዘለዎን ጎብለልን ክኸውን ብዘይጭበጥ ሕልምታት ዝተሃንጸ ስርዓት ምዃኑ ዝተፈልጠ’ዩ፡፡ ብካልእ ወገን ድማ ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ዝምስረት ዝምድናታት ህግደፍ፡ ምንጪ ቁጠባዊ ሃብቶም ንምምዝማዝ ዝዓለመ ምዃኑ ዝዝንጋዕ ኣይኮነን፡፡ ኣብ ልዕሊ’ዚ ከኣ እቲ መን ከማና ዝብል ትምክሕታዊ ኣተሓሳስባ ኣብ ቦትኡ ኮይኑ፡ ልዝቡን ተዓጻጻፍን ዲፕሎማስያዊ መርገጻትን ኣንደበትን ዘይምህላው ካብቶም ቀንዲ ልሉያት ጸገማት ስርዓት ህግደፍ’ዮም፡፡ ስለዚ ወጻኢ ፖሊስታት ስርዓት ህግደፍ በዚ ኣተሓሳስባ’ዚ እናተጸልወ ክሳብ ዝሃለወ፡ ኣብ ትሕቲ ዝኾነ ይኹን ኩነት ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ጥዑይ ዝምድናታት መስሪቱ፡ ስትራተጂካዊ ሰላምን ራህዋን ክሃንጽ ኢልካ ካብ ምጽባይ ማይ ምዕማኽ ይቐልል፡፡ እቲ ድሕሪ ክንደይ ጎንጽታትን ምርጻምን 90 ዲግሪ ተገላቢጡ ናብ ስላማዊ ዲፕሎማስያዊ ዝምድናታት ክምለስ ዝህቕን ተለዋዋጢ መርገጻት ህግደፍ ድማ፡ ትኽስ ድሙስ መዘንግዕ ኣንጭዋ ምዃኑ ብብዙሓት ጭብጥታት ዝተረጋገጸ’ዩ፡፡ ስለዝኾነ ከኣ ህግደፍ ኣብ ኤርትራ ልዕላውነት ህዝቢ ኤርትራ ብዓመጽ መንዚዑ፡ ፖሎቲካዊ ስልጣን ካብ ዝጨበጥሉ ዕለት ኣትሒዙ፡ ምስ ብዙሓት ሃገራት ኣብ ጽልእን ፕሮፖጋንዳዊ ኲናትን ዝኣተወ ስርዓት ምዃኑ ጸሓይ ዝወቕዖ ሓቂ’ዩ፡፡ ምስ ኩሎም ጎረባብቲ ሃገራት ድማ በብእብረ ትርጉም ዘይብሉ ኣስካሕካሒ ውግኣት ከም ዝገጠመን ሂወት ኣሽሓት መንእሰያት ኤርትራ ከም ዝቐጠፈን ካብ ማንም ዝተሰወረ ተርእዮስ ኣይኮነን፡፡ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ መጀመርያ እዋን ነጻነት ምስ ስዑድያ፡ ግብጺ፡ ሶርያን ሊግ ዓረብን ከቢድ ጽልኢ መስሪቱ ከምዝነበረን ኣንጻሮም ከኣ ሓያል ፖሎቲካውን ፕሮፖጋንዳውን ዘመተ ከምዘካየደን ዝዝንጋዕ ኣይኮነን፡፡ ቀጺሉ’ውን ኣንጻር ኤውሮጳዊ መንግስታት፡ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ኢጋድ፡ ዶብ ኣልቦ ማሕበር ጋዜጣኛታት፡ ኣህጉራዊ ዓቃቢ ሰላምን ግብረ-ሰናይ ማሕበራትን ዝተፈላለዩ ዘለፋታትን ስጉምትታትን ከም ዝወሰደ ዘይሰሓት’ዩ፡፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ከኣ ኣንጻር ሕቡራት ሃገራት፡ መንግስቲ ኣሜሪካን እንግሊዝን ዝግበር ዘሎ ዘመተታት ከኣ፡ ካብ ኣእዛን ህዝብና ብፍጹም ዝተኸወለ ክኸውን ኣይኽእልን’ዩ፡፡ እዚ ከኣ ብወዝቢ ካብ ሰማይ ዝወርድ ዘሎ ናጤባ ዘይኮነስ፡ ውጽኢት’ቲ ጉጉይን ኣዕናውን ወጻኢ ፖሊስታት ስርዓት ህግደፍን ዘይልዙብ ኣንደበት መራሕቲ ኤርትራን ዝፈጠሮ ቅልውላው ምዃኑ ዘካትዕ ኣይኮነን፡፡ መራሕቲ ህግደፍ ኣብዚ 16 ዓመት’ዚ ጸቢብ ጉጅላዊ ረብሓታቶም ንምርዋይ ጥራይ ክብሉ፡ ካብ ድሌትን ትጽቢትን ህዝብና ወጻኢ ምስ ሱዳን፡ የመን፡ ጅቡቲ፡ ኢትዮጵያ፡ ኣዝዩ ኣስካሕካሒ ውግኣት ከምዝገጠሙን ማእለያ ዘይብሉ ሃገራዊ ሃብቲ ከምዘብረሱን ዘይከሓድ’ዩ፡፡ ከምኡ’ውን ንሓደ ፖሎቲካዊ ሓይሊ እናደገፉ ኣንጻር እቲ ካልእ ደው ብምባል፡ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ዲሞክራስያዊት ኮንጎን ሶማልን ግሉጽ ኢድ-ኣእታውነት ከምዝገበሩ ዝሰሓት ኣይኮነን፡፡ ካብኡ ዘሊሎም’ውን ክሳብ ሰብ ሞያ ታንከኛታትን ወተሃደራቶምን ብምልኣኽ፡ ኣካልን ኣምሳልን ናይቲ ስግረ-ዶብ ኩናት ከምዝነበሩ ብሃሳሰ ለባም ዝርከብ ምስጢር’ዩ፡፡ እቲ ምስ ኩሎም ጎረባብቲ ሃገራት ዝተካየደ ውግኣት ዝኾነ ይኹን ጉልባብ ይወሃቦ ብዘየገድስ ከምቅቡል እንተደኣ ወሲድና፡ ነቲ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ኮንጎን ሶማልን ዝተገብረ ኢድ-ኣእታውነት መራሕቲ ህግደፍ ዝህብዎ ምስምሳት እንታይ’ኮን ይኸውን? እዚ’ኸ ቅንዕና ወጻኢ ፖሊስታት ስርዓት ህግደፍ ኣነጺሩ፡ ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት ንምህናጽ ስትራተጂካዊ ሰላምን ራህዋን ዘረጋግጽ ድዩ? ንዝብል ንጹር ፖሎቲካዊ ሀሁ ይመስለና፡፡ ስለዚ መራሕቲ ህግደፍ ፍርቂ ጎኖም ጥዑይ እቲ ፍርቂ ጎኖም ከኣ፡ ብሕማም ዓሶ ዝተበከሉ ፍጡራት ክኾኑ ኣይኽእሉን’ዮም፡፡ ፍርቂ ኣእምሮኦም ሃዋርያት ሰላም እቲ ፍርቂ ኣእምሮኦም ድማ መልኣከ ኲናት ኣይኮኑን፡፡ እንታይ ደኣ መራሕቲ ህግደፍ ፍጥር ካብ ዝብሉ ሕመረት ሕላገቶምን እቲ ብግብሪ ዝጭበጥ ተግባራቶምን ጽልኢ፡ ቅርሕንቲ፡ ኲናትን ዕንወትን ጥራይ’ዩ፡፡ ናይቲ ኩሉ ምስ ኤርትራ ዝተገብረ ኲናትን ጠንቂ ናይ ዘይምርግጋእ ቀርኒ ኣፍሪቃን ተሓተቲ ምዃኖም ዘጠራጥር የብሉን፡፡ ናይቲ ብኩሉ ሸነኻት ዝጠፍኤ ሂወትን ሃገራዊ ሃብትን ተሓተቲ ከኣ ንሳቶም ጥራይን ጥራይን’ዮም፡፡
ይቕጽል |
||
|
DISCLAIMER: The author/s contributed for this article/opinion and is/are solely responsible for its contents
Contact Us at: webmaster@nharnet.com |
||
|
|