|
||
|
|
||
|
መልእኽቲ ናብ ስዉኣት ሰላም በጃ ሃገር ዝሓለፍኩም ሰማዕእታትና ከምይ ትኾኑ ኣለኹም ኣብ ዘለኹሞ ምድርገነት፣ ኣብቲ ጸልማት ዘይብሉ ብርሃን፣ እሞ ብርሃን ብብርሃኑ ግርማ ሞጎስ ዘለዎ ብርሃን፣ አብቲ ጸበባን ዓጸባን ዘይርከቦ ራህዋ፣ ኣብቲ ዋሓይዝን ኣፍላጛትን ብዘይ ምቑራጽ ቡሕቡሕ ዝብልሉ ቦታ፣ ኣብቲ እሾኽ ዘይብሎም ኣግራብን ኣእዋምን፣ ሁዱእ ንፋስ ነፊሱ የማነ ጸጋም ከብሎም ከሎ፣ እሞ ንሶም እዉን ብፍስሃ ሰላም ዘዉለብልብሉ ቦታ፣ አብቲ ዕንባባታት ሓደ ድሕሪ ሓደ ብቐጻሊ እናዓንበቡ ምዑዝ ሽታኦም ዝህብሉ ቦታ፣ አብቲ ኣእዋምን ኣእካልን ከምቲ ኣብ ኤርትራ ህዝብኹም ዝጽበዮ ኣብ እዋን ጽድያ ጥራሕ ዘይኮነ ብቐጻሊ ፍረኦም ዝህብሉ ቦታ፣ ብሓጺሩ ኣብቲ ጀራዲን ናይ ኤደን ከምይ ኮን ትህልዉ?
ብዝኾነ ኾይኑ ከምቲ ዝሓለፈ ዓመት፣ ንዓመታ ጸጽብቑ ከዘንትወልኩም እየ ብማለት ተፋኒየኩም ዝነበርኩ ዋላ እዃ ብዙሕ ብኣወንታ ዝግለጽ እንተዘይሃለወ፣ ህልዉ ኩነታት ህዝብኹምን ሃገርኩምን፣ ህልዉ ኩነታት ናይዛ ሓያሎ ኤርትራዉያን ንነብረላ ዘሎና ናይ ስደት ዓድና ሃገር ጀርመንን ክዕልለኩም፣ ጀርመን ኩነታት ኣየሩ ካብ 15- 30 ሰልስዩስ ክኸዉን ከሎ፣ ዝናብ እዉን ብቐጻሊ ይሃርም፣ ኣብ ገለ ገለ ቦታታት ካኣ ክብድ ዝበለ ሳዕበን የዉርድ ኣሎ፣
ዝሓለፈ ናይ መጀመርያ ሰሙን ናይ ወርሒ ሰነ ናይተን ሾሞንተ ዓርመሽሻዉያን ወይ (G8) ዝባሃላ እንተ ብጉሁድ እንተ ብስዉር ዓለም ዘማሓድራ ዘለዋ መራሕቲ ሃገራት ኣብ ሃይሊገን- ዳም ዝባሃል ምብራቓዊ ቦታ ናይ ጀርመን ተጛቢኦም ብዛዕባ ዓለምለኻዉነት(Globalization) ብፍላይ’ዉን ብዛዕባ ኣፍሪቓ እታ ብሕማምን ጥመትን ዉግእን እትፍለጥ ኣፍሪቓ ተዛትዮምስ ዉጺኢት ናይ ዘተኦም ኣብ ኣፍሪቃ ዘሎ ሕማመ ጥምየት ንመካላኸሊ ወይ መፈወሲ ተባሂሉ ሱሳ ቢልዮን ዶላር ተሰሊዑ ዝብል ሰሚዕናን ኣንቢብናን፣ ብነገር ገዲፍካ ብጛል ነገር ኮይኑ፣ ሓፈሻዊ ሽግር ኣፍሪቃ ካብ ሃገርና ኤርትራ ጀሚርካ መራሕታ ክንሶም ብዛዕቦኦምን ብዛዕባ ዘካይድዎ ዘለዉ ዉግእን ግብረሽበራን መቅዘፍትን ዝበልዎ ኣይሰማዕናን ክብሉ እዉን ኣይደልዩን፣ ምኽንያቱ ኣብ ኣፍሪቓ ዘሎ ሽግር እና ተባህለ፣ ኣህዛብ ኣፍሪቓ ርእሰ ተአማንት ኣጥፊኡ ተመጽዋቲ ኮይኑ ክነብር እዮም ዝደልዩ እንበር ሃገራት ኣፍሪቓ ብብሊዮናት ዶላራት ዕዳ ተላዕጢጠን ከለዋስ፣ ዕዳኤን ሚሒሮም ርእሰን ክኽእላ እንተዝገድፍወን ምሓሸ ዝብል ኣራኣእያ ዘለዎም’ዉን ኣለዉ፣
ብመንጽር ናይዞም ዝተጋብኡ መራሕቲ ኻአ ብዓሰርተታት ኣሸሓት ዝቑጸሩ፣ ናይ ዓለም ሰናይ ዝደልዩን ዝምነዩን ማሕበራትን ዉልቀሰባትን ዘካየድዎን ዝተሳተፍዉን፣ ዓለም ካብ ዉግእን ወረ ዉግእን ብሰላም ክትነብር ከም ትኽእል ዝብል ጭርሖታት ኣምሪሖም ብሰላማዊ ሰልፊ ኣሰኒዮሞ ቐኒዮም፣
እንባኣረይ ኣብቲ ሓፈሻዊ ኩነት ህዝቡኹም ክምለስ፣ ዝሓለፈ 20 ሰነ ህዝቡኹም ህዝቢ ኤርትራ ዕለተ መስዋእትኹም ብዓቢ ዓጀባ ኣብ ቤተክርስትያናትን መሳጊድን ከይዱ፣ ኣንቱም ምእንታና ዝተበጀኹም ካብዚ ናይ ደልሃመትን ናይ ባርነትን ዘበን ክንወጽእ ናብ ኣምላኽ ኣማልዱልና፣ ጠልኹምን በረኸትኩምን ስደዱልና እናበለ ጸለቱ ክዕርግን ኣዉያቱ ክነግርን ከም ዝወዓለ በጺሕኩም ይኸዉን፣ እንተ ኤርትራ ሃገርኩምን ካአ ምኣስር-ሞት ከቢብዋ፣ ጸበባ- ሲኦል ሒዛዋ፣ ንሽግር ራህዋ፣ ንጸልማት ብርሃን፣ ንሞት ሒወት ወዘተ….ቢሉ ዝምድር ብሓንጎሉ ዝሓመመ ሰብ እትዉነን ኮይና፣ ንሱ ዝመርሖም እናተጣማመቱ ዝኸዱ ኣዛብእ’ዉን ዝተፈላለዩ ባዕዳዉያን ናይ ግዝኣት ማዕበላት ዘይፈጸምዎ ግፍዕን ጭካኔን ዝፈጸሙን ዝፍጽሙን ዘለዉን፣ ንህዝብኹም መትንታቱ በቲኾም ደሙ መጺዮም ስጋኡን ዓጽሙን ዝኸናትፉ ዘለዉ ጃንዳኡን ጃንዳ ህግደፍ፣ ንኤርትራን ህዝባን ከም ሓደ ዝተቐብረ ነታጙ፣ ምዓልቱ ተጸብዩ ዝትኮስ፣ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን መድረኽ ሕልና ሰብን ዘእዊ በደል ዝፍጽሙ ዘለዉ እዮም፣ ስለ ዝኾነ ድማ ህዝብኹም ካብ መድራዊ ፍታሕ ተስፋ ስለ ዝቖረጸ ብኣማልድነት ናታትኩም ሰማያዊ ፍታሕ ይጽበ ስለ ዘሎ ኣብ ዕለተ መስዋእትኹም ንሰማየ ሰማያት ዝዓረገ መሪር ጾሎተ ልመናን ኣዉያትን ሪኢኹሞ ኣለኹም፣
እቶም ብኣኹም ዝሽቑጡ ስዉኣት እናበሉ ንስልጣኖምን ንዉልቓዊ ረብሐኦም ዝጻደፉን መብዛሕትኦም መራሕቲ ተቓወምቲ ዉድባት’ዉን ኣብ ዝሓለፈ ሕዳር ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተጋቢኦም ሓያሎ ምዓልታት ዝወሰደ ዘተ ድሕሪ ምክያድ፣ ንህዝብኹም ቢልኩም ዝተበጀኹምሉ ስልጣን ህዝቢ፣ ኢሳያስ መንዚዑ ንህዝብኹም ኣብ ጻዕርሞት ኣእትይዎ ከሎ፣ እዚኣቶም እዉን ካብቲ ንሱ ዝገብሮ ዘሎ ብዘይፍለ መንገዲ ስልጣን ህዝቢ ነንዉልቖም ስለ ዝደለይዎ ከምቲ ብሂወትኩም ከለኹም’ዉን ትሪእይዎ ዝነበርኩም እቲ ልሙድ ንህዝቢ ኤርትራ ዓሰርተ ምዕራፍ ንድሕሪት መሊሱ ዘጸልመተ ናይ ፋሕፋሕ ታሪኾም፣ ሕጂ’ዉን ህዝቢ ኤርትራ ብዓቢ ሃረርታን ተስፋን ናታቶም ምስማር ከምእንኮን መተካእታ ዘይብሉ ፍታሕን እናተጸበየ ኸሎ ብናይ ስልጣን ህርፋን ሕልናኦም ስለ ዝጋሀመ ብዘይ ሓደ ፍረ ፋሕፋሕ ቢሎም ተፋላልዮም፣ ይኹን እንበር ኤርትራን ታሪኻን ዝሓለፈ ዝተሓላለኸ ናይ ጸልማት ምዕራፍ ብረታዊ ተጛድሎን፣ ድሕሪ ሓራ ኤርትራ ዝሰዓበ ናይ ባርነት ዘበንን፣ መን ብሰንክመን ከም ጻሓይ ቀትሪ በሪሁ ስለ ዘሎስ ዳሓን ኣይትሰከፉ፣ ኮይኑ ገበርቲ እከይ ንኽስዕሩ ወይ ክዕወቱ፣ እቶም ገበርቲ ጽቡቅ ወይ ገበርቲ ሰናይ፣ ምስ ዘይ ሰርሑ ጥራይ እዩ፣ ስለ ዝኾነ ድማ ንድልየትን ንረብሓ ህዝቢ ኤርትራን ዝቃለሱ ስለ ዘለዉስ ዓወት ህዝብኹም ናይ ግድን ኮይኑ ትቖስንሉ እዋን ነዊሕ ኣይኮነን፣
ንዘላኣለም ክትዝከሩ ኢኹም ህዝብኹም እዉን ክዕወት እዩ ሃለሚካኤል ድራር /ጀርመን
|
||
|
DISCLAIMER: The author/s contributed for this article/opinion and is/are solely responsible for its contents
Contact Us at: webmaster@nharnet.com |
||
|
|