|
ብጻይ መንግስተኣብ ኣስመሮም፡ ምስ ኣባላት ኤዲኪ-1ን
ምስ ማሕበር ትንሳኤ መንእሰያትን ኣብ ዋሺንግተን ዲሲ ተራኺቡ
ጋንታ ንሓርነት
18.06.2007
ብጻይ መንግስተኣብ ኣስመሮም፡ ምስ
ኣባላት ቀዳማይ ወገን ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ኣብ ዋሺንግተን ዲሲ ተራኺቡ፡ ብዛዕባ ካልኣይ ጕባኤ ኤርትራዊ
ዲሞክራስያዊ ኪዳንን፤ ኣብ ቀዳማይ ኣኼባ ማእከላይ መሪሕነት ዘጋጠመ ናይ ኣቦ መንበር ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ምምራጽ
ቅልውላዋትን ኣመልኪቱ ሰፊሕ መግለጺ ሂቡ። ከምኡ ውን፡ ቀዳማይ ወገን ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ኣብ ኢትዮጵያን
ሱዳንን ኣመሪካን ዘካየዶም ንጥፈታት ብዝርዝር ሓቢሩ። ብድሕር’ዚ፡ ካብ ኣኼበኛታት ንዝቐረበሉ ሕቶታት መብርሂታት
ሂቡ።
ብኻልእ ሸነኽ ድማ፡ ብጻይ መንግስተኣብ
ኣስመሮም ዝመርሖ፡ ብጻይ ኣለም የውሃንስ፡ ኣባላ ሰውራዊ ባይቶ፡ ብጻይ ተድሮስ ብርሃነ፡ ሓላፊ ጋንታ ንሓርነት
ዝርከብዎ ልኡኽ፡ ምስ’ቲ ኣብ’ዚ ቀረባ እዋን ኣብ ኣመሪካ እተመስረተ፡ ማሕበር ትንሳኤ መንእሰያት ተራኺቡ። ኣብ’ዚ
ርክብ’ዚ ልኡኽ ውድብና፡ ነቲ በቶም መንእሰያት ዝተወስደ ናይ ናጻ ማሕበር ምምስራት ተበግሶ ምሉእ ብምሉእ
ከምዝድግፎ ኣረጋጊጹሎም።
ኣብ ርእሲ’ዚ፡ ልኡኽና ተሓኤ ሰውራዊ
ባይቶ፡ ንምምስራት ሰፊሕ መሰረት ዘለዎ ባይታ ኣመልኪቱ፡ ኵሎም ተመሳሳሊ መደብ ዕዮታት ዘለዎም ውድባትን፡ ኣብ
ዕላማታት ናይ ዲሞክራስን ምኽባር ሰብኣዊ መሰላትን ፍትሕን ማዕርነትን እምነት ዘለዎም ውልቀ ዜጋታትን ማሕበራትን
ሓቢሮም ኵሎም ዝሰማምዕሉ ሰልፊ ንኽምስርቱ ዝብል ኣብ 6ይ ጕባኤኡ ዘጽደቖ ውሳኔን፤ ከምኡ ብጕዳይ ናይ
መንእሰያትን ደቂ ኣንስትዮን ዝግደስ ፍሉይ ቤት ጽሕፈት ንምቛም ዝተደልየሉ ምኽንያትን ሰፊሕ መግለጽን መብርሂን
ኣቕሪቡ።
እቲ ኣብ መንጐ ልኡኽ ውድብናን ወከልቲ
ማሕበር መንእሰይ ትንሳኤን እተኻየደ ምይይጥ ግሉጽን ልዙብን ዓሚቝን ነይሩ። ክልቲኡ ሸነኽ ድማ፡ በቲ ዝተገብረ ናይ
ሓሳብ ምልውዋጥ ዕጉብን ሕጉስን ምዃኑ ኣረጋጊጹ።
|