|
ንንቓባዊ
ስርሓት ዝኸውን ፖለቲካዊ ትምህርቲ ተጀሚሩ
ቤት
ጽሕፈት ዜናን ባህልን
ተሓኤ
ሰውራዊ ባይቶ
15.06.2007
ብጻይ
መሓመድ ኣደም ኣርትዓ፡ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት መንእሰያትን ደቂ ኣንስትዮን ኣብ’ቲ ብዕለት 13.06.2007 ኣብ
ካርቱም ንመንእሰያት ፖለቲካውን ንቓባውን ትምህርቲ (ኮርስ) ንምሃብ ዝተኻየደ መኽፈቲ ኣኼባ፡ መዐቀኒ ናይ ሓደ
ህያው ዝዀነ ሕብረተ-ሰብ፡ ኣብ መንእሰያት ዘለዎ ተገዳስነት ምዃኑ ድሕሪ ምግላጽ፥ ኤርትራዊ መንእሰይ ድማ፡ ኣገዳሲ
ክፋል ናይ ህዝቢ ኤርትራ ኢዩ ኢሉ። እንተዀነ ግን፡ እቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ዲክታቶርያዊ ስርዓት፡ ድሕሪ ናጽነት
ኤርትራ ንመንእሰያትና ኣብ’ቲ ዝዀነ ይኹን ሕጋዊ ምኽንያት ዘይብሉ ኣስገዳድ ሃገራዊ ኣገልግሎት ንብዙሓት ዓመታት
ብምጽማድ፡ ህዝብና ብሓፈሻ መንእሰያት ድማ ብፍላይ ኣብ ንኣካል ዘድክምን ንኣእምሮ ዘላሹን ኣዝዩ ጽንኩርን
ዝተሓላለኸን ኵነታት መነባብሮ ከምዝወድቑን ካብ መሰረታዊ ናጽነታት ከምዝሕረሙን ኢዩ ገይርዎም ኢሉ። ከም ውጽኢቱ
ድማ፡ ማእለያ ዘይብሎም መንእሰያት ንስደት ክውሕዙን፤ ኣብ ሃገርና ናይ ፍልጠት ባዶነትን ናይ ሞራል ውድቀትን
ክነግስን፤ ድሑር ሕብረተ-ሰብኣዊ ሕማማት ክስዕርርን፤ መሰል መንእሰያት ክግሃስን ተራእዩ ኢሉ።
ንሕና
ከም ኣባላት ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ መጠን፡ እዚ ኣሰቃቒ ዝዀነ ኵነታት’ዚ፡ ንነፍስወከፍና ናይ መንእሰያትና ድሌታት
ከነማልእን፤ መንእሰያትና ኣብ ኵሉ መዳያት ናይ ህይወት ተመልሚሎም ንመጻኢ ብቑዓት ዜጋታት ኰይኖም ተመልሚሎም
ክዓብዩን ናይ ምግባር ሓላፍነት ክንስከም ከምዘሎና ብምርዳእ፡ ብዕቱብነት ክንሓስብን ክንሰርሕን ከምዘሎና ኢና
ንግንዘብ ኢሉ።
ካብ’ዚ
ዕግበት’ዚ ብምብጋስ፡ ውድብና፡ ባህላውን ሕብረተሰብኣውን ንቕሓት መንእሰያትና ክብ ንምባል፡ ናይ ፖለቲካውን
ንቓባውን መደብ ትምህርቲ ኣዳልዩ ኣሎ። ዕላማ ናይ’ዚ ኮርስ’ዚ፡ መንእሰያት ንነፍሶም ፈሊጦም ዓቕምታት ንኣገልግሎት
ህዝቦም ከውሕዝዎ ንምኽኣሎምን፤ ናይ መሃዝነትን ተበግሶ ምውሳድን ብቕዓቶም ክብ ንምባልን ኢዩ።
ስልጠናን
ምልመላን ንመንእሰያት ብክለሳ-ሓሳባውን ሞያውን ፍልጠትን ክእለትን ምምዕባልን፡ ኣብ መስርሕ ዲሞክራስያዊ ለውጥን
ልምዓትን ሕብረተ-ሰብኣዊ ህንጸትን ብንጥፈት ግዲኦም ክጻወቱ ዘኽእሎምን መሰረታዊ ረቛሒታት ምዃኖም ዝስሓት
ኣይኰነን።
ኣብ’ቲ
ናይ መኽፈቲ ኣኼባ፡ ብጻይ ግርማይ ክፍለ፡ ሓላፊ ስርርዓዊ ጕዳያት ኣብ ሱዳን፤ ሃነጸ ካሕሳይ፡ ኣቦ መንበር ዞባ
ካርቱም ተሳቲፎም ነይሮም። ኣብ’ቲ ኣብ መኽፈቲ ኣኼባ ዘስምዕዎ ቃል ድማ፡ እቶም መንእሰያት ነዚ ዕድል’ዚ ምርካቦም
ናይ ዮሃና መልእኽቲ ድሕሪ ምምሕልላፍ፡ ነቲ ረኺቦሞ ዘለዉ ዕድል ብዕቱብ ኣገባብ ክጥቀምሉ ጸዊዖም።
እቲ
ትምህርቲ ብዕለት 16.06.2007 ብስሩዕ ኣገባብ ክጅመር ምዃኑ ተፈሊጡ ኣሎ።
|