|
ዑደት ብጻይ መንግስተኣብ ኣስመሮም ኣብ ሽወደን
ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን
ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ
08.06.2007
ብጻይ መንግስተኣብ ኣስመሮም፡ ኣቦ
መንበር ግዝያዊ መሪሕነት ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ቀዳማይ ወገንን፤ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን ተሓኤ
ሰውራዊ ባይቶን፡ ካብ 16 ግንቦት ክሳብ 6 ሰነ 2007 ኣብ ሽወደን ከካይዶ ዝጸንሐ ዑደት ዛዚሙ ብ7 ሰነ 2007
ናብ ጀርመን ተመሊሱ። ብጻይ መንግስተኣብ ኣብ ሽወደን ኣብ ዝጸንሓሉ ግዜ፡ ኣብ’ቲ ብጨናፍር ተሓኤ ኣብ ስካንዲናቭያ
ዝተዳለወ ሰሚናር ተሳቲፉ። ከምኡ ውን፡ ምስ ቲቪ ኣዳልን ቲቪ ዘተን ንኣርባዕተ ሰዓታት ዝወሰደ ቃለ-መሓትት
ኣካይዱ። ብተወሳኺ፡ ኣብ ፓልቶክ ነዊሕ ሰዓታት ዝወሰደ መግለጺ ሂቡን ካብ ተሳተፍቲ ንዝቐረበሉ ሕቶታት መሊሱን።
ብጻይ መንግስተኣብ ኣስመሮም ኣብ’ዚ
ርክባት’ዚ ንህልዊ ኵነታት ሃገርናን ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳንን ኵነታት ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶን ኣመልኪቱ ዝርዝር
መግለጺ ኣቕሪቡን ንዝቐረብሉ ዝተፈላለዩ ሕቶታት መብርሂ ሂቡን። ከምኡ ውን፡ ኣንጻር ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን
ቀዳማይ ወገንን ኣንጻር ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶን ብገለገለ ናይ ጸለመ ወፋራታት ዘህጥሮም ኰይኑ ዝስምዖም ጕጅለታት
ክዋፈር ዝጸንሐ ናይ ጠቐነታት መሰረት ዘይብሉ ምዃኑ ብኣብነታት እተሰነየ መረዳእታ ኣቕሪቡ።
ብጻይ መንግስተኣብ፡ ኣብ’ቲ ብኤርትራዊ
ዲሞክራስያዊ ማሕበር ኣብ ኣመሪካ ከተማ ቺካጎ ካብ ዕለት 23-24 ሰነ 2007 ዝሰላሰል ፈስቲቫል ንምስታፍን፤ ኣብ
ዝተፈላለዩ ኣውራጃታት ኣመሪካ ኣኼባታት ንምክያድን ብ12 ሰነ 2007 ናብ ኣመሪካ ክጓዓዝ ምዃኑ ተፈሊጡ ኣሎ። |