|
ግፋታት ስርዓት ኢሳያስ ይቕጽል ኣሎ
ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን
ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ
18.06.2007
ስርዓት ኢሳያስ ብ28 ግንቦት 2007 ኣብ ልዕሊ’ቲ ንግደት ማርያም ድዓሪት ንምኽባር፡ ካብ ዝተፈላለየ ኵርንዓት
ሃገርና ናብ ከረን ዝመጸ ህዝብና፡ ሰፊሕ ናይ ግፋ ወፈራ ከምዘካየደ ካብ’ቲ ከባብ’ቲ ሃዲሞም ዝመጹ ምንጪታት
ይሕብሩ። እቲ ግፋ፡ ብኣዝዩ ኣረሜናዊ ዝዀነ ናይ ማህረምትን ምፍርራሕን ኣገባብ ከምዝተፈጸመ እቶም ምንጪታት
የረጋግጹ። ነዚ ዘይሰብኣዊ ተግባራት ብምቅዋም፡ ስለምንታይ ኣብ ንግደት ከምዚ ዝኣመሰለ ግፋን ማህረምትን ይፍጸም
ዝብል ድምጺ ዘስምዑ ዜጋታት ድማ፡ ንስኻትኩም ውን ክትእሰሩ ኢኹም ዝብል ምፍርራሓት ከምዝተገብረሎም ተፈሊጡ ኣሎ።
እቶም እተገፉ ዜጋታ ናብ’ቲ ብክብ ዝበለ ናይ ኣየር ሙቐቱ ዝፍለጥ ዊዓ እተባህለ ቦታ ተወሲዶም ይሳቐዩ ምህላዎም
ምንጭታትና ይገልጹ።
ከምኡ ውን፡ ናይ’ቲ ስርዓት ናይ ጸጥታ ትካላት ብ4 ሚያዝያ 2007 ንዶክተር ዓብደላ ጅምዕ፡ ሓሰን ያሲን፡ ዑመር
ኣቡበከር፡ ኣቡበከር ዓሊ ኑርን ተኪኤ ኣብርሃን ዝተባህሉ ዜጋታት ካብ ከረን ጨውዩ ከምዝወሰዶምን፤ ብዛዕባ ሃለዋቶም
ድማ ዝዀነ ይኹን ዝፍለጥ ነገር ከምዘየለን ምንጪታትና ይሕብሩ።
ካብ 14 ሰነ 2007 ጀሚሩ ድማ፡ ወተሃደራት ስርዓት ኢሳያስ ኣብ ኣስመራ፡ ንልዕሊ 12,000 ዝዀኑ ዜጋታት ካብ
መንበሪ ኣባይትን ኣብያተ-ስርሓትን ገፊፎም ኣብ ቤት ትምህርቲ ልዑል መኰንን ኣብ ዓዲ ኣበይቶን እምባደርሆን ካልእ
ቦታታትን ዳጕኖሞም ከምዘለዉ ምጭንታት ኣረጋጊጾም።
ብኻልእ ሸነኽ ከኣ፡ ስርዓት ኢሳያስ፡ ነቲ ኣብ ገጠር ዝነብር ህዝብና፡ ኣብ እተወሰኑ ዓድታት ከስፍሮም መደብ
ኣውጺኡ ክሰርሕ ጀሚሩ ከምዘሎ ተፈሊጡ ኣሎ። በዚ መደብ’ዚ መሰረት፡ ፋንኮ፡ ኣላቡን ኣዲባራን ኣብ ከባቢአን ናይ
ዝርከባ ቍሸታት መጠርነፊ ማእከል ክዀና ተመሪጸን ኣለዋ።
ፓትርያርክ ኦርቶዶክስ ብጹእ ዎ ቅዱስ ኣቡነ ኣንጦንዮስ ብ29 ግንቦት 2007 ብጸጥታዊ ትካላት ተጨውዮም ሃለዋቶም
ኣብ ዘይፍለጠሉ ቦታ ከምዝተወስዱ ዝዝከር ኢዩ። ገለ ካብ’ቲ ናይ መእሰሪኦም ምኽንያታት ድማ፡ ሃገራዊ ኣገልግሎት
ውሱን ግዜ ይሃልዎ፤ ናይ ክህነት ትምህርቲ ዝወስዱ መንእሰያት ናብ ኣገልግሎት ከይውሰዱ፡ ናይ ፖለቲካን ናይ ሕልናን
እሱራት ይፈትሑ ዝብል ተቓውሞታት ይገብሩ ምንባሮም ምንጪታትና ይሕብሩ።
|