Nharnet Articles/Opinions

     

        

    ናይ መትከል ብጻየይ ወዲ ሓርነት ሃይሉ

    ኣቦ ጽንዓት ሂወት ሰራዊት ሓርነት ተርባዒ ብቃሉ፡

ኣንጊህካ ተለልዮም ንኩሎም ናይ ፖሊቲካ ተዃሉ  

ዘይትዳናገር ንምኽሽሖም ንናይ ስልጣን ጎሓሉ

    ብመትከላዊ ሰነድ ኣግሪዕካዮም ንኹሎም ዝሃለሉ

ብጭብጢ ሰነድ ንህግደፋውያን ኣቢካዮም እወ ኣሉ።

 

እንታይ ድኣ ተሃዊኽካ ጌና ከይመሃርካዮም ኩሉ

ህግዲፍ ዘደነጋሮ ህዝብና ዋላ መንእሰይና ብዕሸሉ

መትከላዊ ሓቅነት ተ.ሓ.ኤ.- ሰ.ባ. ኣሎ ብጥቅላሉ

ስኒትን ሓርነትን ከልብሶዩ ብዲሞክራስያዊ ሓይሉ

በል ብጻይ ተፋኖ ብሰማያዊት ዕላማኻ ኣውሊዕ ኣኽሊሉ።

 

      ኣንታ ኣያ ጽንዓት ብጻይ ሃይሉ ክብረኣብ

      ብመትከል ዝመጸካ ብርትዒ ተሕልፎ ብጸባብ

      ብርጡብ ፖሊትካዊ ትንታኔ ሰነዳት ብምርባብ

      ውሕውሕ ኣቢልካዮም ናይ ህግዲፍ ኣኽላብ።

 

ሃይሉ ኢሂ ድኣ ሃንደብት መሊቅኳና ብሸበሸብ

መዓልቲ ጉባኤ ቆጺርካና ከተቅርብ ጸብጻብ                        

ዉፍይ ውጺኢት ሓርበኛ ቃልስኻ ክንቅበል ሕሳብ

ከነብርየካ ተራና ክንፍትን ሰነዳካ ብምርካብ

ንዓኻ ኣመስጊና ክንቅጽሎ ሓደራኻ ንምዕንባብ።

 

      ብጻይ ሃይሉ የእቲኻለይ ናይ ፖሊቲካ ቁሪ

      ኣንታ ኣቦ መትከል ንጠላም ንቄናን ዘይመሓሪ፡

      ኣንታ ኣንበሳ ደንከል ዱመራ ጢዖ ክሳብ ቡሪ

      ኣንታ ወዲ ዓሰብ መሓዛ የማነ ህጣራ ረፋይነሪ

      ኣርኪብካዮም እምበእር ሎምስ ኣነ ጀሚረ ክኹሪ

      ሲኢነ መሓዙተይ ናይ ንእስነት መቀረት ሂወት ቦኽሪ

      ተሃዊኽካ ከይትርእያ ሂወት ህግዲፍ ዝሓጸረላ ዕምሪ

      በል ብሰላም ዕረፍ ሃይሉ ርኸብ ነባሪ ክብሪ

      ንመትከላዊ ዕላማኻ ክንቅጽሎ ተቀቢልና ሕድሪ።

       

ብጻይካ ጸሃየ ቀለታ 12-06-2007 ሽወደን

 

 

 

 


DISCLAIMER:  The author/s  contributed  for this article/opinion and is/are solely responsible for its contents


 

Contact Us at:   webmaster@nharnet.com