|
ብተጋድሎ
ሓርነት ኤርትራ ሰውራዊ ባይቶን ሰልፊ ደሞክራሲ ኤርትራን
ዝተወደበ፡ ህዝብና ዝወርዶ ዘሎ ኣደራዕን ጭኮናን፡
ንምግልጋሉ ክውሰድ ዘለዎ መንገድታት ቃልስን ዝዝቲ ናይ
ምምኽኻር ኣኼባ ሎሚ 24 ሰነ ኣብ ለንደን፡ ዓዲ
እንግሊዝ፡ ተኻይዱ።
ኣብ’ቲ ኣኼባ ኣቦ ወንበር
ፈጻሚ ሽማግለ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ሰውራዊ ባይቶ ኣቶ
ውልደየሱስ ዓማር ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብ ለንደን ኣብ
ከምዚ ዝኣመሰለ ህዝባዊ ኣኼባ ክዛረብ ዕድል ዝረኸበ
ፈለማዩ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ “ ኣብ’ዚ ጥርንፍ ዝበለ ቦታ
ዘሎ ናይ ኤርትራውያን ክኢላዊ ዓቕምን ብቕዓትን ዓቢ እዩ፡
ብዝግባእ እንተደኣ ተወዲቡን ንመንእሰያት ጸልዩን ኣገዳሲ
ናይ ለውጢ ባይታ ክኸውን ከምዝኽእል ኣየጠራጥርን” ኢሉ።
ቀጺሉ፡ ኣቶ ወልደየሱስ፡
ኣብ መንጎ ክውንነት ኩነታት ኤርትራን ብኤሪ-ቲቪ ዝዝርጋሕ
ፕሮፖጋንዳ ስርዓት ህግደፍን ዘሎ ጋግ ብናይ ውድብ ሕቡራት
ሃገራት ስታትስቲካዊ ሓበሬታ ኣሰንዩ ኣብሪሁ።

ንሱ ኣብ መግለጺኡ “ ዋላ
‘ኳ ናይ ዓለማዊ ፕሮግራም መግቢ ቅጥዒ ኣብ ሓደ ሃገር
10 ሚእታዊት ህዝቢ ብሕማም ዓጸቦ እንተተጠቒዑ “ናይ
ህጹጽ ኩነታት ኣዋጅ” ክእወጅ ከምዘለዎ ዝሕብር እንተኾነ፡
መንግስቲ ኤርትራ ግን 20 ሚእታዊት ህዝብና ብዓጸቦ
ተጠቒዑ ክንሱ ኣጽቂጡ “ጽቡቕ ኣለና” ጥራይ ይብል ከምዘሎ
ኣገንዚቡ።
ንኩነታት ዴሞክራስያዊ ኪዳን
ብዝምልከት፡ እቲ ቀንዲ ሕጽረት፡ ኣባል ውድባት ኣብ
ሕድሕድ ምጽውዋር ዘይምህላወን፡ ከምኡ’ውን ኣብ ሕሉፍ
ጉዳያት ናይ ምድሃብ ባህሊ ዝውቱር ካብ ምዃኑን ዝምንጨወ
ከምዝኾነ ጠቒሱ።
ኣብ’ቲ ብኣቦ ወንበርነት
ወኪል ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ስወራዊ ባይቶ ኣብ ለንደን
ኣቶ ጎይትኦም መብራህቱ ዝተኣልየ ህዝባዊ
ኣኼባ፡ ኣባላት መሪሕነት ሰልፊ ደሞክራሲ ኤርትራ ኣቶ
ቴድሮስ ፍስሃየን ኣቶ መሓመድ ብርሃን ዓብደልቃድርን፡
ከምኡ 'ውን ሓላፊ ውደባዊ ጉዳያትን ኣባል
ፈጻሚ ሽማግለን ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ሰውራዊ ባይቶ ኣቶ
ኣሰፋው በርሀ፡ በብተራ ኣብ መስርሕ ደሞክራስዋዊ ለውጢ
ብዛዕባ ዘጋጥሙ ዘለዉ ዕንቅፋታትን ክስገሩሉ ዝኽእሉ
መንገድታትን ናይ ውድባቶም መርገጺታትን ስጉምታትን ብሓጺሩ
ኣብሪሆም።
ኣብ
መድረኽ ሕቶን ርኢቶን፡ ኣብ’ቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተኻየደ
ጉባኤ ንኪዳን ዘፈለለየ ምኽንያታት እንታይ ምንባሩ፡ ኪዳን
ብኸመይ ክጽገን ከምዝኽእልን ሕቶታት ቀሪቡ። እቲ ደላዪ
ለውጢ ክንሱ፡ ኣብ ልዕሊ ተቓወምቲ ውድባት ብዘለዎ
ዘይምትእምማን ተሳታፍነቱ ኣዛሕቲሉ ዘሎ ህዝቢ ተበራቢሩ
ተሳታፍነቱ ኣብ’ቲ መስርሕ ከዕዝዝ መታን ተቓወምቲ
ሓይልታት ንድሌቱን ስክፍታታቱን ብጭቡጥ ክግንዘቡዎን
ብግብሪ ክሰርሑሉን ከምዝግባእ ‘ውን ተሳተፍቲ
መተሓሳሰቢታት ኣቕሪቦም።
እቶም
ወከልቲ ተቓወምቲ ውድባት ብወገኖም፡ ህዝቢ፡ እቲ ቃልሲ
ናይ ሓባር ምዃኑ ተገንዚቡ “ብማዕዶ ተቓወምቲ ደኺሞም
ጥራይ ኣብ ክንዲ ምባል” ክተሓባበሮምን ከተባብዖምን
ከምዘለዎ ኣዘካኺሮም።
ኣብ’ቲ ኣኼባ፡ ኣባላት
ተቓወምቲ ውድባት፡ ምሁራትን መንእሰያትን ዝርከቡዎም ልዕሊ
150 ግዱሳት ተሳተፍቲ ተረኺቦም ነይሮም። እቲ ህዝባዊ
ኣኼባ ብጽቡቕ ናይ ምርድዳእ ሃዋህው ተዛዚሙ።
|