|
||
|
|
||
|
ተስፋ ዝሰኵዕን ዘሐብንን ተበግሶታት
ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ 19.03.2007
ናይ ሎም ዘመን ወርሒ መጋቢት፡ ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮን መንእሰያትን ግዴኦም ንምጽዋት ወይ ሓላፍነቶም ንምስካም ተባዕ ስጕምቲ ዝወሰዱላ፡ ኣብ ኤርትራ ዲሞክራስን ምኽባር ሰብኣዊ መሰላትን ግዝኣተ-ሕግን ከስፍን ንዝቃለስ ኵሉ ፖለቲካዊ ሓይልታት ይኹኑ ውልቀ-ሰባት፡ ተስፋታቱ ዝዀልዐት ታሪኻዊት ወርሒ ኢያ ነይራ።
ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮን መንእሰያትን ማሕበራቶም መስሪቶም ንመሰላቶም ክቃለሱ ምብጋሶም፤ ነቲ እዞም ክፍልታት ሕብረተ-ሰብና እዚኣቶም ኣብ መዋእል ሓርነታዊ ተጋድሎና ዝኸፈልዎ መስዋእትን ዝተጻወትዎ ግደን ዳግም ንምርግጋጽ ተበጊሶም ምህላዎም’ዩ ዘመልክት። ብርግጽ ከኣ፡ ተወዲቦምን ተጠርኒፎምን እንተደኣ ተቓሊሶም፡ ነቲ ትማሊ ዘመዝገብዎ ዓወት ሎሚ ውን ክደግምዎ ምዃኖም ዘጠራጥር ኣይኰነን።
እዞም ክልቲኦም ክፍልታት ሕብረተ-ሰብና እዚኣቶም ናይ ለውጢ ሓይልታት ምዃኖም ታሪኽናን ታሪኽ ዓለምናን ዝምስክሮ ሓቂ ኢዩ። ደቂ ኣንስትዮ ነቲ ንዘመናት ኣብ ልዕሊአን ክፍጸም ዝጸንሐ ደርባውን ጾታውን ጭቆና ንምልጋስ ዝቃለሳ፡ ናይ ለውጢ ሓይሊ ክዀና እንከለዋ፤ መንእሰያት ድማ፡ ናይ ለውጢ ሞተርን፡ ናይ መጻኢ ተስፋን ተረከብቲ ሕድርን ዝዀኑ ኣገዳሲ ክፍሊ ናይ ሓደ ሕብረተ-ሰብ ምዃኖም ብሩህ ጕዳይ ኢዩ። ስለዝዀነ ድማ፡ ብዘይ ተሳትፎ ናይ ደቂ ኣንስትዮን መንእሰያትን ዝረጋገጽ ለውጢ ከምዘየለ፡ ኣሉ ዘይብሃለሉ ሓቂ ምዃኑ ርግጽ ኢዩ።
ኣብ ጀርመንን ሃገራት ስካንዲናቭያን ተበጊሱ ዘሎ ማሕበራት ናይ ደቂ ኣንስትዮን፤ ከምኡ ውን፡ ኣብ ጀርመንን ሱዳንን ኢትዮጵያን ኣብ ማሕበራት ክተኣኻኸብ ጀሚሩ ዘሎ ሓይሊ መንእሰይን ብቝልቲ ናይ ዝሰፍሐን ዝዓበየን ናይ ለውጢ ሓይሊ ምዃኖም ርዱእ ኢዩ። እዚ መታን ክኸውን ግን፡ እቶም ነዚ ተበግሶ’ዚ ወሲዶም ዘለዉ ኣብ ዝተፈላለየ ኵርንዓት ናይ ዓለም ዝርከቡ መንእሰያት ኰነ፥ ነዚ ተበግሶ’ዚ ወሲደን ዘለዋ ደቂ ኣንስትዮ፡ ምስ መሓዙቶም ዝዀና ማሕበራትን ኣብ ሕድሕዶምን ናይ ርክብ መስኖታት ክኸፍቱን፤ ነቲ ኣብ ውሽጥን ኣብ ግዳምን ዝርከብ ወገኖም ክውድቡን ከልዓዕሉን ሓላፍነቶም ምዃኑ ክዝንግዑ ኣይግባእን። ንዲክታቶርያዊ ስርዓት ኢሳያስ ዝጻረሩ ተቓወምቲ ውድባትን በርገሳዊ ማሕበራትን ዲሞክራስያውያን ውልቀሰባትን ሰብኣዊ ማሕበራትን ናይ ዜናን መርበብ ሓበሬታ ማዕከናትን ድማ፡ ንዋታውን ሞራላውን ደገፋት ከበርክቱሎምን፤ ናጻ ማሕበራቶም ኣብ ምምስራት ከተባብዕዎምን ትጽቢት ይግበረሎም ኢዩ።
ብኻልእ ሸነኽ፡ ክልተ ኤርትራውያን መንእሰያት ደቂ ኣንስትዮ፡ ወይዘሪት ዑቝባ ተኽለን ወይዘሪት ሶፍያ ወልደሱስ ዓማርን፡ ማሕበር ስዊስ-ኤርትራ ዝብል ንስደተኛታት ተመሃሮ ቤት ትምህርቲ ወድሸሪፈይ ደገፋት ክኣኻኽባን ከበርክታን ድሕሪ ምጽናሕ፤ ምስ ካልኦት ለገስቲ ኣብ ከሰላ በጺሐን፡ ንኵነታት ኣሕዋተን ስደተኛታት ብቐረባ ክፈልጣን ክድግፋን ምምጽአን፡ ኣብ ልዕሊአንን ኣብ ልዕሊ ካልኦት መሳቱአን ዝዀኑን ዝዀናን መንእሰያትን ተነቢሩ ዘሎ ሓላፍነት ብግቡእ ከምዝተገንዘባ’ዩ ዘመልክት። ክንደይ ዓበይቲ ኢና፡ ናይ ፖለቲካ ሊቃውንቲ ኢና፡ ብህዝብና ንግደስ ኢና ዝብሉ ኤርትራውያን ዘይተበገስሉ ዕማም፡ እዘን መንእሰያት እዚኣተን ከም ውራየን ወሲደን፡ ንጽጉማት ስደተኛታት ኣሕዋተን ክድግፋን ኵነታቶም ብዓይነን ክርእያን ካብ ስዊዘርላንድ ናብ ከሰላ ምምጽአንን፤ ከምኡ ውን፡ ፍስሃጽየን ናይርን ሓያት ኢብራሂም ገደምን ዝርከብዎ ልኡኽ ናይ ማሕበር ልዝብን ማሕበር ሓሪራን ዝተባህላ ክልተ ትካላት፡ ኣብ ምብራቕ ሱዳን ኣብ መደበራት ስደተኛታት ሸገራብን ኪሎ ስታ ዎ ዕሽሪንን ወድሸሪፈይን ንምብጻሕ ተበጊሶም ኣለዉ። ዕላማ ናይ’ቲ ብጽሖት ንኵነታት ናይ ስደተኛታት ምጽናዕን ዘድልዮም ሓገዛት ንምትእኽኻብ ምጽዓርን ምዃኑ፡ ማእከል ኤርትራዊ ማዕከን ዜና ሓቢሩ። እዚ ኵሉ ተደማሚሩ፡ ኣለዋና እባ’የን ኣለዉና እባ’ዮም ኣይተረሳዕናን እባ ኢና ዘብል ተስፋ ኣብ ስደተኛታት ህጻናትን ወለድን ዝሰዅዐ ዘዅርዕን ዘሐብንን ስነ-ምግባር ኢዩ። እዚኦም ውን፡ ገለ ካብ’ቶም ወርሒ መጋቢት ዘበርከተቶም ዓበይቲ ህያባት ኢዮም።
ደጊም ናይ ለውጢ ሓይልታት ነንሕድሕዶም ክጫነውን፡ ሓቢሮም ነቲ ኣብ ክንዲ ሰላም ውግእ፤ ኣብ ክንዲ ፍልጠት ድንቍርና፡ ኣብ ክንዲ ናጽነት ማእሰርትን ባርነትን፤ ኣብ ክንዲ ናብ ሃገር ምምላስ ስደት፤ ኣብ ክንዲ ሰብኣዊ ክብረት ውርደት፤ ኣብ ክንዲ ዲሞክራሲ ምልኪ፤ ኣብ ክንዲ ብልጽግና ጥሜት ዘውረሰና ግናይ ስርዓት ንምቕያር ጸዓታቶም ከኻዕብቱ ዝጥለብሉ መድረኽ በጺሕና ምህላውና ጋህዲ እናዀነ ይመጽእ ኣሎ። ስለዝዀነ ድማ፡ እቲ ኣብ ቅድሚ ነፍስወከፍ ኤርትራዊ ዘሎ ምርጫ፡ ወይ ኣብ ጐድኒ ናይ ለውጢ ሓይልታት ደው ብምባል፡ ንህዝብን ሃገርን ምድሓን’ዩ፤ ወይ ድማ ኣብ ጐድኒ ጨቆንትን መለኽትን ደው ብምባል፡ ናይ ውድቀትን ሕፍረትን መዓልቲ ምጽባይ ኢዩ። ሳልሳይ ኣጓጕል ምርጫ ግን የለን። |
||
|
DISCLAIMER: The author/s contributed for this article/opinion and is/are solely responsible for its contents
Contact Us at: webmaster@nharnet.com |
||
|
|