173 ሓደስቲ ስደተኛታት ኣብ ሸገራብ (ሱዳን) ኣትዮም

 

ቤት ጽሕፈት ዜና

ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን (ቀዳማይ ወገን)

22.03.2007

 

ኣብ ዝሓለፉ ሰሙን፡ 173 ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ መደበር ስደተኛታት ሸገራብ ከምዝኣተዉ ተፈሊጡ ኣሎ። ኮሚሽን ስደተኛታትት ሱዳን (Sudanese Comission of Reffugees) ከቕርበሎም ዝኽእል ትሕዝቶ ስለዘይነበሮ፡ ነቶም ኣብ’ቲ መደበር ዝቕመጡ ገዳይም ስደተኛታት ክተሓባበርዎም ሓተተ። ተቐማጦ መደበር ስደተኛታት ሸገራብ ንገዛእ ርእሶም ዓቕሚ ስለዘይብሎም ግን ክሕግዙ ኣይከኣሉን። ስለዝዀነ ድማ፡ እቶም ህጻናትን ኣደታትን ዝርከብዎም ሓደስቲ ስደተኛታት ንገለ መዓልታት ብዘይ መግብን መጽለልን ክጸንሑ ተገዲዶም።

 

ትማሊ ዕለት 21.03.2007 ግን ኣብ ሽወክ ዝመደበሩ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት፡ ተንዳታትን መግብን ሒዙ ከምዝመጸን፤ ኣብ መዓልቲ ክልተ ግዜ ጥራሕ ናይ ምብላዕ ዕድል ተረኺቡ ከምዘሎ፡ እሙናት ምንጪታትና ኣረጋጊዶም።

 

መብዛሕትኦም ካብ’ቶም ስደተኛታት፡ ካብ ባርካን ጋሽን ዝመጹ ኢዮም። ድሕሪ ቍሩብ መዓልታት ናብ መደበር ስደተኛታት ኪሎ ስታ ዎ ዕሽሪን ክሰጋገሩ ምዃኑ ተፈሊጡ ኣሎ።

 


Contact Us at:   webmaster@nharnet.com