|
ኣሃዱታት
ሰራዊት ሓርነት ኣብ ድሮ ዝኽሪ ተጐሩባ መጽሔታት ዘርጊሖም
ቤት ጽሕፈት
ዜናን ባህልን
ተሓኤ ሰውራዊ
ባይቶ
21.03.2007
ካብ
ዕለት 2-8 መጋቢት 2007 ኣብ ዘሎ መዓልታት ኣሃዱታት ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ ኣብ ከባቢ እንዳገርጊስ ሰሊዀን
ብምእታው፡ ብሓልዮት ክፍሊ ዜና ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ ዝሕተም መጽሔት ዲሞክራስያዊት ኤርትራን፤ ከምኡ ውን፡ ብቤት
ጽሕፈት ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ዝሕትም መጽሔት ዲሞክራስያዊ ኪዳንን ዘርጊሐንን፤ ንህዝቢ ኣንጻር ዲክታቶርያዊ
ስርዓት ህግዲፍ ክለዓል ጐስጕሰን ብሰላም ናብ ቦታአን ተመሊሰን።
ብዕለት
15.03.2007 ከኣ፡ መደበር ሰራዊት ሓርነት፡ ስውእ ጀውሃር ሓሰን፡ ንመበል 43 ዓመት ዝኽሪ ተጐሩባ ብክብ
ዝበለ ድምቀት ኣኽቢሩ ውዒሉ። ብጾት ያሲን ሁመድን ዓሊ ዓምርን ድማ፡ ብዛዕባ ኵናት ተጐሩባን ትርጕሙን፥ ከምኡ
ውን፡ ብዛዕባ ታሪኽ ሰውራ ኤርትራ ሰፊሕ መግለጺ ኣቕሪቦም።
ብተመሳሳሊ ዕላማ፡ መደበር ስውእ ሰለሙን ተወልደ፡ ብዕለት 16.03.2007፡ ኤርትራውያን ስደተኛታትን
ኢትዮጵያውያን ተቐማጦን ናይ’ቲ ከባብን ዝተሳተፍሉ ድሙቕ ዝኽሪ መዓልቲ ሰራዊት ሓርነት (ተጐሩባ) ኣኽቢሩ ውዒሉ።
ተጋዳላይ
ዑመር ዋልታ፡ ብምኽንያት ዝኽሪ ኵናት ተጐሩባ ንተሳተፍቲ ኣዝዩ ዝመሰጠ ቃል ኣስሚዑ። ከምኡ ውን፡ ንስምዒታት
ዘልዓዕሉ ግጥምታት ብዝተፈላለዩ ኣባላት ሰራዊት ሓርነት ተነቢቦም። ኣብ መደምደምታ ድማ፡ ክፍሊ ባህልን ሙዚቃን
ሰራዊት ሓርነት፡ ነቲ በዓል ዘዳለወቶ ባህላውን ሰውራውን መዛሙርን ደርፍታትን ኣቢላ ንመንፈስ ናይ ተሳተፍቲ ዘርወየ
መደባት ኣቕሪባ። |