|
ላዕለዋይ
በዓል ስልጣን ሕቡራት ሃገራት ካብ ኤርትራ ተባሪሩ
ቤት ጽሕፈት
ዜና
ኤርትራዊ
ዲሞክራስያዊ ኪዳን (ቀዳማይ ወገን)
22.03.2007
ደቪድ
ባክስ፡ ኣባል ልኡኽ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን (UNMEE): ሓላፊ ስርሒት ምምካን ነተጕቲ፥ ኣብ
ዝሓለፈ ዓርቢ ብስርዓት ኢሳያስ ካብ ኤርትራ ክወጽእ ተወሲኑሉ። ልኡኽ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን፡
በቲ ውሳኔ ዕጉብ’ኳ እንተዘይኰነ፡ ነቲ ውሳኔ ኣብ ግብሪ ካብ ምውዓል ሓሊፍ ካልእ ምርጫ ከምዘይብሉ ኣፍሊጡ ኣሎ።
ጠንቂ ምብራር ናይ’ቲ በዓል ስልጣን ግን፡ ኣይተገልጸን።
|