|
||
|
|
||
|
ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ ምስ ሰልፊ እስላማዊ ባይቶ ኤርትራ ካዕባዊ ዝርርብ ኣካይዱ
ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ 29.03.2007
ኣባላት መሪሕነት ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶን ሰልፊ እስላማዊ ባይቶ ኤርትራን፡ ንዝምድና ክልቲኡ ውድባትን ህልዊ ምዕባለታትን ኣመልኪቶም፡ ብ28 መጋቢት 2007፡ ኣብ’ቲ ኣብ ካርቱም ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ ዝርርብ ኣካይዶም።
ነዚ ርክብ ንምክያድ ተበግሶ ዝወሰደ ሰልፊ እስላማዊ ባይቶ ኤርትራ፡ ብሸኽ ሓሰን ሳልማን፡ ኣቦ መንበር ናይ’ዚ ኣብ ቀረባ እዋን እተመስረተ ሰልፊ ዝምራሕ ልኡኽ ኰይ`ኑ፡ ተጋ/ኣደም ኢማንን ተጋ/ስራጅ ሱሌማንን እተባህሉ ኣባላት መሪሕነት ዘጠቓለለ ነበረ። ብወገን ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ ድማ፡ ብጻይ ወልደሱስ ዓማር፡ ኣቦ መንበር ፈጻሚ ሽማግለ፤ ተስፋይ ወልደሚካኤል (ደጊጋ)፡ ምኽትል ኣቦ መንበር፤ ብጻይ ጅምዕ ኣሕመድ፡ ሓላፎ ቤት ጽሕፈት ሕብረተሰብኣዊ ጕዳያት ነበሩ።
ክልቲኦም ሸነኻት፡ ንኤርትራን ህዝባን ዘገድሱ ሓደስቲ ምዕባለታት ኣልዒሎም ተመያይጦምን፤ ኣብ መንጐ’ቶም ንዲሞክራስን ለውጥን ዝቃለሱ ሓይልታት ቀጻሊ ልዝባት ምክያድ ኣድላዪነቱ ዕዙዝ ምዃኑ ኣረጋጊጾምን። ክልቲኦም ሸነኻት፡ ነቲ ኣብ’ዚ ተሃዋሲ መድረኽ ናይ ለውጢ’ዚ፡ ኣብ ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ዘጋጠመ ምፍንጫል ከም ከምዘሕዝኖም ገሊጾም።
ሰልፊ እስላማዊ ባይቶ ኤርትራ፡ እቲ ንነዊሕ እዋን እተሰርሓሉ፡ ብሓባራዊ ስምምዕ ወይ ድማ ጥቓ ሓባራዊ ስምምዕ ብዝዀነ ኣገባብ ውሳኔታት ናይ ምሕላፍ ሕግን ልምድን ክጠሓስ ኣይነበሮን ካብ ዝብል እምነት ተበጊሱ፡ ነዚ ኣብ ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ዘጋጠመ ምፍንጫል ምኽኑይ ኣይኰነን ዝብል መርገጽ’ዩ ዘለዎ። ሸኽ ሓሰን ሳልማን፡ ኣብ ተሓኤ እምነት ከምዘለዎን፤ “ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ፡ ኵሉ ግዜ፡ ብስም ኻልኦት ኣሓት ውድባት ዝዛረብን ዝሕለቕን ውድብ’ዩ” ክብል ገሊጽዎ። ከምኡ ውን፡ ነቲ 7 ዓመታት ዝዕድሚኡ ምሕዝነት ኣጋጢሙ ዘሎ ምፍንጫል ዝፍውስ ገለ ስልቲ ክርከብ ከምዝኽእል ዘለዎ ተስፋን እምነትን ገሊጹ።
ሸኽ ሓሰን ሳልማን፡ ኣብ’ቲ ብ23 መጋቢት 2007 እተኻየደ ጕባኤ ሰልፊ እስላማዊ ባይቶ ኤርትራ’ዩ ኣቦ መንበር ኰይኑ ተመሪጹ። ጕባኤ ሰልፊ እስላማዊ ባይቶ ኤርትራ፡ ሸሪዓ ኣብ’ዚ መድረኽ’ዚ ኣድላዪነት ከምዘይብሉ ብምእማን፡ ካብ ቅዋማቱ ኣልጊስዎ ኣሎ።
ልኡኽ ሰልፊ እስላማዊ ባይቶ ኤርትራ፡ ዝተዋሃሃደ ናይ ተቓወምቲ ውድባት ቃልሲ ንምርግጋጽ ዝዓለመ፡ ተመሳሳሊ ርኽክባት ምስ ካልኦት ውድባት ከካይድ መደብ ከምዘለዎ ተፈሊጡ ኣሎ።
ሸኽ ሓሰን ሳልማን፡ ክሳዕ’ቲ ቅድሚ ዓመት ኣቢሉ ኣብ’ቲ ውድብ ዘጋጠመ ምፍንጫል፡ ምኽትል ኣቦ መንበር ናይ’ቲ ብኣቡ ስሄል ዝምራሕ እስላምዊ ናይ ምእራም ምንቅስቓስ (ሓረካት ኣል እስላሕ ኣልእስላሚ ኣልኤርትሪ) ምንባሩ ዝዝከር ኢዩ። |
||
|
DISCLAIMER: The author/s contributed for this article/opinion and is/are solely responsible for its contents
Contact Us at: webmaster@nharnet.com |
||
|
|