|
||
|
|
||
|
ወርግ እንታዩ ክኸውን ኣማሲኡ በበይንኻ ቃልሲ ከብድ’ዩ ዋጉኡ
መልእኽቲ ንኽልቲኡ ን’ኤርትራዊ ሃገራዊ ዲሞክራሲየዊ ኪዳን ብፍልይ ቁንጭል ንመራሕቲ ክልቲኡ ወገን ኣብ 2ይ ጉባኤ ኪዳን ትጽቢት ህዝብኹም ዝነበረ ብሓባር ስምምዕ ወጺኣኹም ሃገራዊ ቻርተርኩም ኣማዓራሪኹም ቅርጺ ቤት ጽሕፈታት ናይ መራሕቲ ዲባርትመንትታት ብቕዕ ዜጋ ናብ ብቁዕ ዲባርትመንቲ ሰዃዂዕኩም መሳጋገሪ መተካእታ ዲክታይተራዊ ስርዓት ኴንኩም መንግስትኹም ኣውጁኩም፤ንህዝቢ ራኢ ኾይኑ ኣብ ጎኑኹም ክስለፍ’ዩ ዝብል ትጽቢት’ዩ ነይሩ። እዚ ዘይ መኾኒኡ ምኽንያት ናይ ቦታ መሪሕነት መን ይኹን ኣብ ዝብል ዘይ ሓላፍነት ሉሙስ ሓሳብ ብሕታዊ ጠቅሚ ልዕሊ ስቓይ ህዝብን ልዕሊ ሓደጋ ሃገርን ሰሪዕኩም ስጋብ ናብ ምግምማዕ ዘብጽሕ ንዲክታይትር ውውልቀ መላኺ ሽርዓት ኤርትራ ትንፋስ ሰዂዕኩም ካዕበት ከም ዘተንፍስ ከም ዝገበርክሞ ክርዳኣኩም ኣለዎ።
ሕጂኸ ይተካእ ይለቀብ ዳግማይ ጣዕሳ ዘይብሉ ሓላፍነት ዝግደሎ ድኹም ክትቕጹሉ ነውሪ፥ዒብ፥ሸም’ኤን’ዩ የሕዋት የኽፍ’ኣልኩም ኣሎ የሕዋት ምናልባት ድፍረት ኮይኑ ክስማዓኩም ይኽእል፥እቲ ሓቂ ግን እዚ’ዩ። ናይ ዝሓለፈስ ሓለፈ ኣይ’ትድገመኒ ብዝተረፈ ብዝሓለፈ ጌጋኻትኩም ከይ ተጣዓስኩም ተጋማሚዕኩም ክሳብ ሕጂ ምቕጻልኩም 1ይ ወገን 2ይ ወገን እና ተባሃሃልኩም ክሳብ ሞዓስ ፈውሲ ፍልልይ ተባሂሉ ክልቲኡ ወገን ዝፈረመሉ ቻርተር እንከሎ ብቻርትር ኪዳን ዘይ ምቅያድኩም ኣሕዝኒዩ።
ዝሓለፈ ነይ ምለስ ጓህሪ ነይ ክለስ ዝሓለፈ ጌጋ ንታሪኽ ገዲፍና ሕጂ እንታይ ንግበር ዝብል ሕቶ እዋናውን መድረኻውን እንታዩ?
ሀ. ቆራጽነት ብጌጋኻ ከይ ሓፈርካ ይቕሬታ ኢልካ ኪዳን ናብ ንብሩ ምምላስ ዳግማይ ርክብ ጊርካ ብመሰረት ቻርተር ዘፍቅዶ ንድምጺ ዲሞክራሲ ምምእዛዝ። ለ. እቶም ወከልቲ ኪዳን ድሕሪቲ ዓወት 2ይ ጉባኤ ኪዳን ንመሪሕነት ነብሶም ክሰርዑ ተመዘዙ ወከልቲ ከምቲ ዝገማምዕዎ ተመሊሶም ርክቦም ኣኻዕቢቶም ንኺዳን ናብ ኑቡር በቱኡ ክመልስዎ ብሓላፍነ ይሕተቱ። ሓ. ተወከልቲ ኪዳን ብሓዲሽ መንፈስ ነብሶም ካብ ኩሉ ጠቕማዊ ዝምባሌ ናጻ ኾይኖም ዝንባሊኦም ሓኺኮም ብመሰረት ናይ ሓባር ስምምዕ ዘጽደቕዎ ቻርተሮም ተቐይዶም ብድምጺ ዲሞግራሲ ኣጋባብ መሪሕነቶም መሪጾም 1ይ 2ይ ዝብል ሽም ሰሪዞም ኪዳን ሓደ ኪም ዝኾነ ብሃዋጅ ንህዝብኹም ክት’ሕቡሩን ከት’በስሩን ትሕተቱ። መ. ብመሰረት እዚ ኣብ ሀን ለን ሓን ዘሎ ድሕሪ ምርግጋጹ ኪዳን ኣብ ሙሉእ ዓለም ወከልቱ ከም እምባሲ ስርርዑ ኣቚሙ መተካእታ ውልቀ መላኺ ዲክታይተር ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ስጋብ ናብ ህዝቢ ስልጣን ዘማሓላልፍ መሳጋገሪ መንግስቲ ኤርትራ ተባሂሉ ናብ ሙልእ ዓለም ክእውጅ ኪዳን እዚ ሓላፍነት እዚ ንኽትግብር ክሰርሕ ኣለዎ።
ዝኸበርኩም ኩቡራት ተቓለስቲ ናይ ኩለን ውድባት መሰረታት
ንሓና ረብሓና ቃልስና ኢድ ን’ኢድ ተታሓሒዝና ንህዝብን ንሃገርን ምድሓን ድኣ’ምበር መቋራቖሲ ናይ ስልጣን መሪሕነታት ከም ዘይ ኮና ተረዲእና ነንመሪሕነትና ተመሊስኩም ተራዳዱ ክንብል ክንበቅዕ ኣሎና ሎሚ ክነታት ህዝብን ሃገርን ካባይ ንላዕሊ ፈሊጥኩም ትቃለስዎ ስለ ዘለኩም ብጉድይ ህዝብን ብጉዳይ ሃገርን ከይተዛረብኩ ብግዳይና ክዛረብ ስለ ዝመረጽኩ እየ፤ቃልስና ንስርዓዮ ቀዳምነት ክሕዝ ዘለዎ ኣጋባብ ኣቃላልሳና ምስራዕዩ፤ ብድሕሪዚ ናብቲ 2ይ ተጻኢ ጸላኢ ህዝብና ዝኾነ ውልቀ መላኺ ዲክታይትተር ሓቢርና እንጸምደሉ ቅዲ እስትራተጂ ኣውጺኣና ሓንሳእ ንሓዋሩ ካብ ስልጣኑ ንምብርቋስ ዘዔውተና ሓድነት ጥራሕ እዩ። ስቕ ኢልና ኣይ’ንትዓዘብ ኣጋባብ ኣቃላልሳ ቲፎዞ ክዕሶ ኣይኮነን ንድሕነት ህዝብን ሃገርን ንቃለስ ስለ ዘለና ቲፎዞ መራሕቲ ከይ’ኮና እቲ ካባና ክጥለብ ዘበለ ሕቶን ሪኢቶን ለቦዋን ብሃናጺ ኣጋባብ ከብ ምልጋስ ኣይንቅጠብ
ገና ትጽቢትና ኣይ ንጸንቅቅ ድክታይተር ምእንቲ ክለቅቅ ዓወት ንፍትሓዊ ተቓውሞና ክብርን ዝኽርን ንስውኣትና ብ ገብሪሂይወት (ኣቡዓሸራ) |
||
|
DISCLAIMER: The author/s contributed for this article/opinion and is/are solely responsible for its contents
Contact Us at: webmaster@nharnet.com |
||
|
|