Nharnet Articles/Opinions

     

        

ናብ ፕረዚደንት ህግደፍን ጉጅልኡን ዘይኮነስ

ናብ ህዝቢ ኤርትራ ክልኣኽ ዝግብኦ ደብዳቤ

 

ኣብ ቀረባ ጊዜ ምስ ምኽባር መዓልቲ ናጽነት ፕረስ ተኣሳሲሩ ኢሳያስን ጉጅልኡን ሕግን ፍትሕን ረጊጾም መሰላት ጊሂሶም ኣብ ትሕቲ ባርባራዊ ቤት ማእሰርትታቶም ዳጉኖም ዘሳቕይዎም ዘለዉን ብሰንኪ እዚ ኣረሜናዊ ግብርን ኣተሓሕዛን በብሓደ ኣብ ውሽጢ ቤት ማእሰርቲ እንከለዉ ዝሞቱ ዘለዉ ዜጋታት ኤርትራ ብፍላይ ቶም ጋዜጠኛታት ንኽፍትሑ ወይ ናብ ሕጋዊ ቤት ፍርዲ ክቐርቡ እቶም ዝሞቱ ንቡር ናይ ቀብሪ ስነስርዓት ክግበረሎም ዓስከሬኖም ነናብ ስድራቤታቶም ክምለስ ዝብል ደብዳቤ ብማሕበር ተጣበቕቲ መሰል ጋዜጠኛታትን ተዛማዲ ናይ ሰብኣዊ መሰላት ተኸራኸርቲ ትካላትን ዝተጻሓፈ ደብዳቤ ናብ ፕረዚደንት ህግደፍ ኢሳያስ ኣፈወርቂን ብጉጅለ ዝመርሖ ዘሎ መንግስቱን ከም ዝተላኣኸ ብማዕከናት ዜናታት ተዘርጊሑ ሪእናን ሰሚዕናን።

 

 ምኽሪ ዘይሰምዕ ብስቅያት ህዝቡን ብዕንወት ሃገሩን ዘይጉሂ ብክብርን ሂወትን ህዝብን ብሉዓላውነት ሃገር ዝጣላዕ ጃንዳ ኢሳያስ ይትረፍዶ ኩነኔን ውግዘትን ፈውሲ ሞት ዝኾኖ ምኽሪ'ኳ ዘይሰምዕ ምስትውዓል ዝጎደሎ ልቦናኡ ብትምክሕቲ ዝተደፍነ፤ ኮነ ኢሉ ብፍላጥ ኣብ ውሽጢ ዕብዳን ዝሃልል ዘሎ መንግስቲ እዩ። መንግስቲ ጉጅለ ኢሳያስ ምኽሪ ዝሰምዕ ነይሩ እንተዝኸውን፡ ምስ መንግስትን ህዝቢ የመንን ብደሴታት ሓኒሽ ኣሳቢቡ ዝጻሕተሮ ናይ ኲናት ኣጀንዳ ብህዱእን ስልጡንን ምስትውዓል ዝተዓደለ ልቦና፣ መንግስትን ህዝብን የመን ብሕጋውን ሰላማውን ኣገባብ ጥራይ ብቤት ፍርዲ ክውዳእ ብምግባር ክብሪ ህዝቦምን ሃገሮምን ሓልዮም ጉዳዮም ከምዝወዱኡዎን ነቲ ሸውሃት ኲናት ኢሳያስን መማኽርቱን ኩልፍ ዘበልዎን ካብኡ ትምህርቲ ወሲዱ መንገዱ መዐረየ ነይሩ'ምበር ካብ ዕብዳን ናብ ዝገደደ ዕብዳን እናነጠረ ባድመ ወሪዱ ምስ ኢትዮጵያ ኲናት ክኣጉድ ኣይምተረኽበን። ኢሳያስን ጉጅልኡን ምኽሪ ዝሰምዑ ነይሮም እንተዝኾኑ ነቲ ቅድሚ ሓንቲ ጥይት ምትኳስ ምስ ክብሪ ህዝብን ክብሪ ሉዓላውነት ሃገርን ናብቲ ዝነበርካዮ ተመሊስካካ ብሰላማውን ሕጋውን ኣገባብ ጉዳይካ ወድእ። ናተይ ትብሎ መሬት ብሕጋውን ሰላማውን መንገዲ ኣመስኪርካ ውሰድ። ዝብል ቅድም ብርዋንዳን ኣሜሪካን ድሒሩ ብኻልኦት ፈተውቲ ዝቐረበ ምኽሪ ነጺጎም ህዝቢ ናብ ኲናት ዳጒኖም ክሃልቕ ኣይምገበሩን። ኣፎም መሊኦም <19 ሽሕ እዮም መይቶምና> ኢሎም ኣይምመደሩን። ሉዓላዊነትና ኣድፊሮም ናጽነትና ኣራኺሶም መሬትና ጠንጢኖም ንባዕዲ ኣረኪቦም ክበቕዑ ተንበርኪኮም ተዋሪዶም ሕራይ ካብቲ ደው ዘበልኩምና ተወስ ኣይንብልን ኢሎም ክክትሙ ከለዉ ብዘይሕንከት ንስዑር መንፈሶም ከውሊ ሲኢኖምሉ። <ዝሓለፈ ንረስዓዮ> ኢሎም ንህልቀት መንእሰያትና ብሽካዕልሉሉ ኣይምተሰምዐን ሕጂ ድማ ኣብዚ ቀረባ <ጸገምና ናይ ዶብ ኣይኮነን ንሱ ትርጉም የብሉን> ክብሉ ኣብ ማዕከናት ሚዲያታት ዓለም ቃለ መሕትት መልሲ ክህቡ ኣይምተሰምዑን። ከመይሲ ንትርጉም ዘይብሉ ጉዳይ ኣሽሓት ዜጋታት ክሃልቁ ዝገብር፣ ዘሰንክል ክስደዱ ምኽንያት ዝኸውን መንግስቲ ዝዛረብ ኣፍ እምበር ዝሰምዕ እዝንስ ከቶ ዘይብሉ ምዃኑ ዘረጋግጽ ሓቂ ብምዃኑ።

 

ስለዚ ንፕረዚደንት ህግደፍ ኢሳያስ ኣፈወርቅን ሂደት መማኽርቲ ጉጅሉኡን ፍትሒ ከንግሱ ደብዳቤ ምጽሓፍ ካብ ውሽጢ እታ ሓዊ ትተፍእ ጽሓይ ካባዕላ ካብ ከርሳ በርድን ማይን ክተዝንብ ከም ምምህላል ዚዓይነቱ ከቶ ዘይፍጽም ሕልሚ እዩ።

 

የግዳስ ኣብ ክንዲ ንሒዶት ናይ ጥፍኣት ጉጅላውያን ምሕረት ክገብሩ ካብ ምሕታት እቲ ብደቓይቕ ከም ማዕበል ዓብለቅለቅ ኢሉ ኣብ ውሽጢ ዕማኾ ኣእዳዉ ከእትዎም ንዝኽእል ሓያል ህዝቢ፡ በቃ ይኣክል ትዕግስቲ። ድሕሪ ደቕኻ ድሕሪ ሂወትካ እንታይ ትጽበ፤ መናእሰያትካ ኣቤት ማእሰርቲ እናሞቱ ንቡር ሲኢኖም ከም ከልቢ ኣብ ፎቖዶ እናተደርበዩ ንስኻ ወላዲ፣ንስኻ ሓው፣ንስኺ ሓፍቲ፣ንስኻ ኣኮ፣ ንስኻ ኤርትራዊ ዜጋ ደቂስካ ትሓድር? ኣብ ጓይላ ህግደፍ ትስዕስዕ? ኣይፋሉን ተወጣውጥ ዘላ ደመኛ ሴፍ ህግደፍ ነዊሓ ቀሪባ ናባኻውን ከተቕንዕ ምዃና ኣይትዘንግዕ። ተንስእ፣ተልዓል፣ ጀጋኑ ኣሕዋትካ ኣፍታሓዮም። ሓያል ንስኻ ኢኻ ህዝቢ። ህዝቢ ተለዓል። ቁጡዓኻ ኣስምዕ፣ቅልጽምካ ኣርእዮም ፍትሒ ኣንግስ ኣብ ኣፍ ሞት ዝርከቡ ደቅኻ ካብ እስሪ ኣልቅቆም። ብግፍዒ ንዝተቐትሉ ደቕካ ብኽብሪ ቅበሮም።ከምንቡር ኢልቅስሎም ከከም ሃይማኖትካን እምነትካን ንቡር ሕግን ስርዓትን ሃቦም። እዚዩ ናይ ወላዲ ግደ እምበር ወዱ እናተቐትለ ዘስቀጥ ወላዲ፣ ምስቀተልቲ ደቁ ዝድብል ዝጉይል ዝለሄ ወላዲ፣ ትስዕስዕ ዕልልታኣ ተስምዕ ወላዲት፣ ተኹድድ ሓፍቲ፣ ከበሮ ዝሃርም ሓው የለን። ነውሪ…. ነውሪ፥ ሃየ ተለዓል ኤርትራዊ ጅግንነትካ ኣበይ ኣሎ? ንያትካ ኣበይ ዓሪቡ? ኣንታ ጅግና ህዝቢ ተለዓል ይኣክል ትዕግስቲ ይኣክል ሱቕታ። ድሕሪ ሞት ደቕካ፣ ድሕሪ ሞት ሃገርካ፣ እንታዩ ትርጉሙ ሂወት ንዓኻ? እሞ ምስ ብዝሕኻ፣ ምስ ሓይልኻ፣ ምስ ጅግንነትካ፣ ብሒዶት ውልቀሰባት ኣጉዶኻ ጥራያ ትትረፍ? ዘዝወለድካዮም እናተኮልፉ ክትቐብር ዳስ ሓዘን ተኺልካ ትነብር? ኣይፋሉን ተንስእ ድኣ ቀይሮ ዚ ዘመን ቀይሮ ዚሓዘን ሓፋሽ ዋና ናጽነትካ ዋና ሃገርካ ኩን። ደቅኻ ብናጽነት ኣብ ርስቲ እንደቡኦም ከምድላዮም ክድብሉ ከም ዓለሞም ከመስቱኦም ብዛዕባ ፍቕሪ ብዛዕባ ሓጎስ ብዛዕባ ጥበብ ብዛዕባ ምዕባለ ብዛዕባ ትምህርቲ……ከዕልሉ ተለዓል ህዝቢ ኣፍ ኲናት ዕጾ፡ መዓጾ ሰላም ክፈት። ቤት ማእሰርቲ ናቤት ትምህርቲ ቀይሮ፤ መዓስከራት ናብ ሆስፒታላት ቀይሮ መኻዚኖ ጠያይቲ ቀፎታት እኽሊ ምልኣዮ። ተለዓል ህዝቢ ዋና ናጽነትካ ዋና ሃገርካ ዋና ስልጣንካ ኩን። ዝመረጽካዮ መዘዝ ዘይደለኻዮ እለይ። ዋና ስልጣን ንስኻ ዋሕስ ሰላም ንስኻ። ተለዓል ህዝቢ ኤርትራ ተባሂሉ ናብ ህዝቢ ኤርትራዩ ደብዳቤ ክጻሓፍ ዘለዎ። ከይወዓለ ከይሓደረ ኣብ ውሽጢ ሰዓታት ፍትሒ ዘንግስ ትንሳኤ ኤርትራ ንዘግሃድ ነቲ ሓያልን ዋንን ህዝቢ ኤርትራ ኣጆኻ ተልዓል ዓለም ሞሳኻያ እንተተባሂሉ ጥራይ እዩ ኤርትራን ዞባናን ሰላም ዝረክብ።

 

ኣዶናይ ደሊና

17/5/2007


DISCLAIMER:  The author/s  contributed  for this article/opinion and is/are solely responsible for its contents


 

Contact Us at:   webmaster@nharnet.com