|
||
|
|
||
|
ዝገርም’ዩ ወሪዱና ዘሎ
አየ መንግስትነት አየ ምምሕዳር ባዕሉ ዝተመርጸ ብዘይ ምውድዳር ሰራዊት ዝቕልብ ብምኹዳር መንእሰያት አብ በረኻ ምሕዳር ባራት ምሕዳሩ ከምዘይብዓል ሓዳር ህዝቢ ተሸጊሩ ረኺቡ ዳር
ዓገብ ከይብል እታ እሰሪቤት አላ ካብአ እንተሓሊፍካ ትስዕብ ቅንጸላ አንታ እዛ ሃገር እንታይ ጸሊኡላ ዝሓለፈ ግፍዒ ዘይአኽላ ብመግዛእቲ ቱርኪ ብዙሕ ተበዲላ ብመግዛእቲ ግብጺ ብዙሕ ተበዲላ ብመግዛእቲ ጥልያን ብዙሕ ተበዲላ ብመግዛእቲ እንግሊዝ ብዙሕ ተበዲላ ብግዝአት ሃይለስላሴ እውን ተበዲላ ብግዝአት መንግስቱ ተቐቲላ ካብኡ ንኽትድሕን መስዋእቲ ከፊላ እዚ ኩሉ አሕሊፋ ሎሚ ከይሓልፈላ አብ ውሽጣንዶ ረኺባ ጉሒላ ሂወት ዝተኸፍላ ሃገር ሰሪቑላ ተአኪብና ንግበረላ ዋዕላ ብስሙር ሓይሊ ካብኡ ንመንጥላ ፈጺማ ብኹላ ከይጠፍኤት እንከላ
ህዝብና እኮ ፍጹም ገሪሙዎ አብ ሕድሕዱ ሰላም ሓሪሙዎ እዚ ሰብአይ መስሃየድ አለዎ እንዳታስረ ኩሉ ፍሪሑዎ እንዳተቐትለ ኩሉ ፈሪሑዎ ዓዶም ዘይነግሩ ሓለውቲ አለውዎ ከም መድሕኖም ጌሮም ዝሓስብዎ
ካብ ኤርትራውያን ዝፈርሑ ከም ሓዊ ሰላም ዘይህቦም አሎ ደም ዘእዊ ክቕላዕ’ውን እቲ ኩሉ ሓሳዊ
ሽግር’ውን አለዎም ከይምለሱ ዓዶም አንጻር አሕዋቶም ሓዊ አጓጒዶም ይጽረጉ ድአ አርሒቖም መገዶም
ክብርን ዝኽርን ንስውአትና ዓወት ክአ ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝብና በላይ መስፍን ጅረመን
|
||
|
DISCLAIMER: The author/s contributed for this article/opinion and is/are solely responsible for its contents
Contact Us at: webmaster@nharnet.com |
||
|
|