|
||
|
|
||
|
ተዘኩሮታተይ ምስ ውሩይ ስነጥበባዊ ዩንስ ኢብራሂም: ብመሓመድ ብርሃን ብላታ: ኣብ ሃገርና ኤርትራ ካብ ኣርባዓታት ጀሚሩ ፓሎቲካዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ቁኑዕ ሃገራዊ መልክዑ እንዳሓዘ ኣብዝኸደሉ ዝነበረ እዋን ህዝቢ ኤርትራ ናብቲ ቀንዲ ዕልምኡ ንምብጻሕ ብከዕውቱዎ ዝኽእሉ ዝተፋላለዩ ናይ ቃልሲ ኣገባባት እንዳተኸተለ ሓርነታዊ ቃልሱ ኣብ ዝጀመረሉ ግዜ ኣካል ናይዚ ቃልሲ’ዚ ኮይኖም ዓቢ ሃገራዊ ግደ ዘበርከቱ ኤርትራዊያን ስነጥበባዊያን ከም ዝነበሩ ኩሉ ዝሕበነሉን ዝኾርዓሉን ሓቂ ኡዩ።
መብዝሕተኦም ኣብ ዝተፋላለያ ሙዚቃዊ ባንድታት ዝነበሩ ስነጥበባዊያን እቲ ዘመሓላልፉዎ ዝነበሩ ሃገራዊ ፓሎቲካዊ ተልእኾኦም ካብ ናይ ወገናውን ዓልየታውን ሃይማኖታውን ስምዒታት ነጻ ኮይኑ ንሓቀኛ ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ዝዕድምን ዘረጋግጽን ክኸውን ከሎ ብኡኣቢሎም ህላውነት መግዝእታዊ ስርዓት ኣሕጺርካ ናብ ፍጹም ዓወት ከብጽሑ ዝኽእሉ ሃገር ዝጠልቦም መትኒ ሂወት ሰውራ እዮም ነይሮም።
መብዝሕተኦም ስነጥበባዊያን ኣብ ዓሚቕ ሃገራዊ ንቕሓት ዝቶሞርኮሰ ብዝውንኑዎ ባህላውን ልምዳውን ክእለቶም ንረብሓ ሓፋሽ ህዝቢ ኤርትራ ዘገልግል ስለ ዝነበረ እቲ ዝቐርብ ዝነበረ ደርፍታት ተቐባልንርቱ ክብዝበለ ኮይኑ ህዝባዊ ናህሪ ንደገፍ ስውራ ኣዝዩ ስለ ዝዓበየ ንጸላኢ ኣርዒዱ ማኣዝኑ ከም ዝስሕት ገይሩዎ እዩ።
እቶም ህቡባት ስነ ጥበባዊያን ንሃገራዊ ፖሎቲካዊ ተልእኾኦም ናብ ህዝቢ ከማሓላልፉ ከሎው ብኣሽሙር ብፍቕሪ ከምልበወልድ ዛንታ ኣምሲሎም ዝደርፉዎ ዝነበሩ ህዝቢ ንክርደኦ ጸገም ስለዘይነበሮ ውጽኢት ኣበርኩቶኦም ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ካብ ክልቲኡ ጾታ ሃገራዊ ጉቦኦም ንምብርካት ናብ ሰውራ ክስለፉ ከሎው እዚ ምውሓዝ መንእሰያት ንህላውነት ጸላኢ ኣስጋእን ሓደገኛን ስለዝነበረ መግዛእታዊ ስርዓት ህዝቢ ደገፉ ኣነጺሩ ናብ ሰውርኡ ከይጽንበር ምእንቲ ተባሂሉ ንዘውጸኦ ተንኮለኛ ስትራትጅኡ ፋሕ ክብሎ ስለ ዝጀመረ ናይ መኣዝኑ ምስሓት ምልክት ኣብ ልዕሊ ስላማዊ ህዝቢ ምፍርራህን ማእሰርትን ብመቕተልትን ውን ከይተረፈ ወላ እንተፈተነ ነቲ ደገፍን ናይ መንእሰያት ምውሕዝን ክዓግቶ ኣይከኣለን።
እምበኣር ካብዚ ታሪኻዊ ሓቕታት’ዚ ብምብጋስ ታርኽ ሂወት ውሩይ ድምጻዊ ዩኑስ ኢብራሂም ካበይ ተበገሰ መሰረቱኸ ከመይ ነበረ ንዝብሉ ሕቶታት-- ተባዕ ሓርበኛ ዩንስ ኢብራሂም ካብ ዕሸል ዕድሜኡ ከሎ ኣትሒዙ ናይ ደርፊ ወኒ ሓዲርዎ ምስ ናይ ቀረባ ኣዕሩኽቱን መታዓብይቱን ኣብ ሙዚቃዊ መሳርያ ከይበጽሐ ክደርፈሎምን ከዘናገዖምን ክጅምር ከሎ እቲ ኣዝዩ መሳጢ ሕልሚ ዝጥዕም ድምጹን ዝገብሮ ዝነበረ ምስኡ ዘሳኒ ናይ ሰውነት ምንቅስቓስን ዓቢ ተቐባልነት ረኺቡ ብጨብጨባ ዝተሰነየ ደገፍ ስለ ዝረኸበ ካብቲ ግዜ’ቲ እዩ ነብሰምትእምማን ኣሕዲሩ ንምስጢር ወኑ ኣብ ሓቀኛ ባህላውን ልምዳውን ህዝቢ ዝተሞርኮሰ ክባላሓተሉን ከማዕብሎን ዝጀመረ።
እምበኣር እዚ መሰረት ኮይኑ ኣብ ከባቢ ሸዊት ዕድሜኡ ምስበጽሐ ኣብታ ብናይ ፖሊስ ሙዚቃዊ ባንድ ትፍለጥ ዝነበረት: ዩንስ ኢብራሂም ንጡፍ ኣባላ ኮይኑ ተቐባልነት ረኺቡ ጥራሕ ዘይኮነስ ሓደ ካብቶም ህቡባት ከዋኽብታ ኮይኑ ብደርፍታቱን ዜማታቱን ኣገባብ ኣቀራርብኡን ኣዝዩ ዝተፋልጠ። ኣብቲ እዋን’ቲ እዩ ኣብ ኤርትራ ሃገርና እቲ ሃገራዊ ፖሎቲካዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ናብ ዝማዕበለ መድረኻቱ በጺሑ እቲ ህዝባዊ ቃልሲ ብዝተፋላለየ መልክዓት ኣንፈቱ ኣነጺሩ ብምንባሩ ዩንስ ኢብራሂም ምስ ቡዙሓት ዓበይቲ ስነጥበባዊያን ኣብ ውድብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ተሰሪዑ ብመሰረት ፖሎትካዊ መደብ ዕዮ ተ, ሓ, ኤ: ኩሉ ደርፍታቱ ንህዝቢ ዘላዕልን ናህሪደገፉ ዘዕብን ስለዝነበረ ሞይኡ ዓቢ ኮይኑ ኣብ መዛግብቲ ታእሪኽ ሰውራ ሰፊሩ ንዘልዓልም ክዝከር ክነብር እዩ።
ዩኑስ ኢብራሂም ንፖሊስ ባንድ ገዲፉ ናብታ ብቨኑስ ባንድ ትፍለጥ ዝነበረት ብዙሓት ህቡባት ድምጻዊያን ትውንን ጉጅለ ዕንባባ ሃገር ክጽምበር ከሎ ምስኡ ዘሳንዩ ዓበይቲ ደረፍቲ ስለ ዝረኽበ ኣዝዩ ክምዕብል ሓጊዙዎ እዩ።
ንጉሰ ነገስት ሃይለስላሴ ፈጺሙ ተደምሲሱ ብደርጊ ተተኪኡ እቲ ፖሎቲካዊ ኩነታት ኣብ ሓድሽ መድረኽ ኣትዩ ህዝቢ ኤርትራ ሃገራዊ ቃልሱ ኣብ ዘሕነነሉ ግዜ ኣብ ዝተፋላለያ ሙዚቃዊ ባንድታት ዝርከቡ ዝነበሩ ብዙሓት ህቡባት ስነጥበባዊያን ብዘበርኩትዎ ዝነበሩ ዕውት ሃገራዊ ቃልሲ ወላ’ካ ብደርጊ ዝፍለጥ ሓድሽ ስርዓ መግዛእቲ እትዮጵያ ክዓግቶ እንተፈተነ ስለዘይተዓወተሉ ናብ ማእሰርትን መቕተልትን ስጉምታት ክወስድን ምስ ጀመረ ብመሰረት ናይ ከተማ ስሩዓትና ዘቕረቡዎ ጸብጻብ ንሂውቶም ኣስጋኢ ኮይኑ ስለ ዝተረኽበ ንመምርሒ ውድብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ምርኩስ ብምግባር ሰሉስ መዓልቲ ዕለት 28-12-1974 ኩሎም ግጅለ ባህሊ ቨኑስ ብሓባር ናብ ሜዳ ከምዝወጹ ተገይሩ ካብቶም ዝተቐበልኩዎም ብምንባረይ ካብ ተዘኩሮታተይ ኣይክወለንን እቶም ሽዑኡ ዝወጹ ጉጅለ ባህሊ ( ቨኑስ ) ኣስማቶም ዝዝክሮም-- 1 - ድምጻዊ ዩኑስ ኢብራሂም 2 - ድምጻዊ ዑስማን ዓብደረሒም 3 - ድምጻዊ ሑሴን መሓመድ ዓሊ 4 - ድምጻዊ ሱልጣን ያሲን 5 - ድምጻዊ ተኽለንኪኤል ገብሩ 6 - ድምጻዊ ዓበ ዓብደላ ክኾኑ ከሎዉ
ምስቶም ኣብ ዝተፋላለያ ሙዚቃዊ ጉጅለ ባህልታት ዝነበሩ ኣብ ታርኽ ሰውራ ኤርትራ ንህዝቢ ዘኹርዕን ዘሕብንን ዓቢ ግደ ዘበርከቱ ብዙሓት ወናማት ስነጥበባዊህያን በብግዜኡ ናብ ሜዳ ዝተሰለፉ ውሓዳት ኣይነበሩን። ኣብሜዳ ምስኣቶዉ ብቐጥታ ፖሎቲካዊ ትምህርትን ወተሃደራዊ ታዕሊምን ምስ ወሰዱ ኣካል ናይ ሰራዊት ሓርነት ኤርትራ ኮይኖም ኣብ ውሽጢ ህዝብን ሰራዊትን ብዝውንኑዎ ሙዚቃዊ ሃብታም ተሞኩሮኦም ምርኩስ ብምግባር ዓቢ ግደ ኣበርኩቶም እዮም። እምበኣር ነዚ ሕጽር ዝበለ ተዘኩሮታተይ ምርኩስ ብምግባር ዘይተሓስበ ኣብ ግምትና ውን ዘይጸንሐ ሃንደበታዊ ሞት ህቡብ ድምጻዊ ዩኑስ ኢብራሂም ምስ ሰማዕኩ ነቲቃንዲ ዓርኩን መተዓብይቱን ዝነበረ ውሩይ ስነጥበባዊ ዕስማን ዓብዱረሒም ንዝተሰማዓኒ ዓሚቕ ሓዘነይ ክገልጽ ንዑስማን ዓብደረሒም ከምዚ’ለ ተወከስኩዎ: ብሃንደበታዊ ሞት ዩኑስ ኢብራሂም እንታይ ተሰሚዑካ ብኽመይከ ትገልጾ ዝብል ሕውነታዊ ሕቶይ ምስኣቕረብኩሉ ንሓዘኑን ምስ ዩኑስ ኤብራሂም ዝነበሮ ናይ ቀረባ ናይ ቃሲ ምትእስሳር እንዳዘከረ ንዕኡ እተንጸባርቕ ዘዳለዋ ምቕልልቲ ግጥሙ እስኪ ህቡብ ስነጥበባዊ ዕስማን ዓብዱረሒም እንታይ ይብል ብሓባር ንካታተል:-
ሃልሃልታ ሽግ ብርሃን ካብቶም ከዋኽብቲ ቅርሲ’ዩ መሰረት ናይ ባህሊ ሓወልቲ ካብ ገረብ ስነጥበብ ጨንፈር ድምጻውያን ንጉስ ዓውደትያትር ሊቀ መዘምራን:
ውደቦይ ኢብራሂም ዩኑስ ሓበን ህዝቡ ተቓሊሱ ዘቃለሰ ዘበርከተ ህያቡ ምስ ፖሊስ ኦርኮስትራ ባህላውያን ብጾቱ ዘይርሳዕ ዝና ሞያ ናይ ክእለቱ ጸኒዑ ዘተባበዐ ብትሕዝቶ መልእኽቱ:
ኣብ ዝተፋላለየ መድረኻት ዓው’ሉ ጨዲሩ ብኣገባብ ሕጊ ሙዚቃ ተሰንዩ ኣቀናቢሩ በቲ ሕልሚ ዝጥዕም ዜማ ደሃይ ቃንኡ ንሃገራዊ ወኒ ኣባራቢሩ እዩ ኣተንሲኡ:
ንመልክዕ ከተማና ብደረጃ ምዕባሌ ንወጽዓ ጉዳይ ሃገር ብኣሽሙር እንዳምሰለ ገሊጹዎ ንፍቕሪ ንማሕበረሰብ ጸገማት ምስቶም ከዋኽብቲ መርሓባ ምስ ቨኑስ ኣባላት:
ተሰሊፉ ውን ንሜዳ ግብኡ ከማልእ ብሰውራዊ ተወፋይነት ተልእኽኡ ከረድእ ንጥንታዊት ኣዶሊስ ታረኽ ከዛኻኽር እምባገደም ኢሉ ደሩፉ ናይ ያታና ምስክር ገድልና ደልዲሉ ክንግስግስ ብስምረት ቃልስና ክቕጽል ናይ ዓወትና ውሕስነት
ግንከ ንሱ ከም ዝበሎ ብደርፊ ክንዛዝሞ ንዓሻ ንለባም’ያ በሊዓ እትቑርጥሞ እንታይ’ሞ እንታይ’ሞ ምስዛ ዓለም ዚኣሞ እንታይ’ሞ እንታይ’ሞ ምስዛ ዓለም ዚኣሞ እነሆ ተፈልዩና መርድእ ኮይኑና’ሎ ዩኑስ ተፈልዩና ሓዘን ኮይኑና’ሎ:
ብወገነይ ከልቅሰሉ ንብጻየይ ብዓል ሞያ ኣብ መድረኽ ዓውድና ጥበበኛ ገባር ቅያ በዓል መትከል ዕላማ ዘይሕለል ሓርበኛ ባና ባህልን ልምድን ንዘለዓልም ጅግና:
ነፍስሄር ሰማእታት ብኣካል እንተረሓቐ ታሪኹ’ሎ ዝዝንቶ ዘይሃስስ ዝደመቐ እምበኣር ከመስግን ንጎይታ ረበልዓለሚን ንገነተሰማይ ይበሎ ኣብ ሰፊሕ ዳሩ ይቀበሎ ኣሜን:
ኣብ ግዝኣተ ሕግን ፍትሕን ዝቶመርኮሰት ህዝቢ ዝውንና ሓዳሽ ምዕብልቲ ኤርትራ ኣብ ምህናጽ ከይተሓለልና ክንቃለስ ኢና ክንዕወት ኢና ዑስማን ዓብዱረሒም
|
||
|
DISCLAIMER: The author/s contributed for this article/opinion and is/are solely responsible for its contents
Contact Us at: webmaster@nharnet.com |
||
|
|