ዕለት 06 ሚያዝያ 2007.

 

ጸብጻብ ኣኼባ ህዝቢ ኣብ ሚኖሶታ:

 

ብኤርትራዊ ፎረም ኣብ ሚኒሶታ ዝተዳለወ ኣኼባ ህዝቢ፡ ብዕለት 5 ሚያዝያ 2007 ተኻይዱ፡፡ እዚ ኣኼባ እዚ ብደረጃ መራሕቲ ተቓውሞ ውድባት፡ ንፈለማ ጊዜ ዝተሰላሰለ ኮይኑ፡ ዉዑይ ተሳትፎ ህዝቢ ዝነበሮ ኣኼባ እዩ፡፡ ኣብዚ ኣኼባ እዚ ተረኺቡ ብዛዕባ ህልው ሃገራዊ ኩነታት፡ ስምረታዊ ጉዕዞ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራን፡ ህልው ኩነታት ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳንን ሰፊሕ መብርሂ ዝሃበ፡ ተጋዳላይ ብርሃነ የማነ ምክትል ኣቦ-መንበርን ሓላፊ ህዝባዊ ውደባ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራን እዩ ዝነበረ፡፡ ኣብዚ ኣኼባዚ ኣቶ መስፍን ጸሃየ ኣባል ሰልፊ ዲሞክራሲ፡ ኣቦ-መንበር  ሰሜን አሜሪካ፡ ተረኺቡ ነይሩ፡፡

 

ተጋዳላይ ብርሃነ የማነ፡ ኣብ መብርሂኡ፡ እቲ ን30 ዓመታት ምእንቲ ምርግጋጽ ሃገራዊ ነጻነት፡ ብውድባት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራን ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራን ዝተኻየደ ተጋድሎን ዝተኸፈለ ከቢድ መስዋእትን፡ ንኹላትና ኤርትራውያን ዘኹርዐናን እንሕበነሉን ታሪኽናን ምበር፡ ብሰንኪ እዚ ድሕሪ ነጻነት ኣብ ልዕሊ ህዝብናን ሃገርናን ዝወርድ ዘሎ በደልን ግፍዕን ዝፋኾስ ኣይኮነን ክብል ገሊጹ፡፡  ብፍላይ ከኣ ካብ ሰማንያታት ክሳብ ምርግጋጽ ሃገራዊ ነጻነት ብውድብ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ዝተኻየደ ዘይሕለል ተጋድሎ ዘኹርዐናን እንሕበነሉን ክቡር ናይ ሓባር ወርቃዊ ታሪኽና ምዃኑ ከስምረሉ እደሊ ኢሉ፡፡ ሎሚ ዘዛርበና ዘሎ፡ እቲ ኩሉ ከቢድ መስዋእቲ ዝኸፈልናሉ ሃገራዊ ነጻነት ውጽኢቱ እዚ እንርእዮ ዘለና ብምኳኑ እዩ ኢሉ፡፡ ስለዚ ከኣ ነዚ ኣብ ሃገርና ኣንጸላልዩ ዘሎ ሓደጋ ብርሰትን ምብትታንን ንምዕጻፍ ኩላትና ኤርትራውያን ዓቕምና ኣወሃድና ከንቃለስ ይግባእ ኢሉ፡፡  ድሕሪዚ ካብ ተሳተፍቲ ኣኼባ ኣገደስትን እዋናውን ሕቶታት ቀሪቦም፡፡ ብተጋዳላይ ብርሃነ የማነን ኣቶ መስፍን ጸሃየን ሰፊሕ መብርሂታት ተዋሂቡዎም፡፡ እቲ ካብ ሰዓት 5 ክሳብ 7፡30 ዝቐጸለ ኣኼባ ኣዝዩ ዕዉትን ኣብ ተሳተፍቲ ሕጉስ መንፈስ ዝፈጠረ እዩ ነይሩ፡፡ ኣብ መደምደምታ፡ መዳለውቲ ኣኼባ ኣባላት ኤርትራዊ ፎረም ኣብ ሚኒሶታ፡ ንመጻኢ ውን ኣብ ሞንጎ ተቓወምትን ህዝብን ተመሳሳሊ ናይ ዘተ መድረኻት ኽኸፍቱተ ምዃኖም ቃል ብምእታው ኣኼባ ተዛዚሙ፡፡

 

ቅድሚዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቐሰ ዕለት፡ ተጋዳላይ ብርሃነ የማነ ምክትል ኣቦ--መንበርን ሓላፊ ህዝባዊ ውደባ ቤት ጽሕፈት ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ፡ ምስቲ ብኤርትራዊ ፎረም ኣብ ሚኒሶታ፡ ኣብ ፍሉያት ኣጋጣሚታት  እናተዳለወ ዝፍኖ መደብ ተሌቪዥን፡ ኣብ ኩነታት ሃገርና፡ ከባቢና፡ ህልው ኩነታት ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳንን ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራን ኣመልኪቱ ቃለ-ምልልስ ኣካይዱ፡፡ ኣብቲ ቃለ-ምልልስ ዕላማ ወፍሪ ላዕለዋይ ልኡኽ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ናብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ፡ ብደገፍን ምትሕብባርን ጋንታ ኣሜሪካ ንሓርነት ኤርትራ፡ ኣብ ዲፕሎማስያዊ መዳያት ዝተኻየዱ ርክባትን፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ስቴታት ዝተኻየዱ ህዝባዊ ኣኼባታት ዕዉታት ምንባሮም ሓቢሩ፡፡ እዚ ኣብ መደብ ቴሌቭዥን ዝተኻየደ ቃለ-መጠይቕ ብዕለት 4 ግንቦት 2007 ዝተኻየደ ኮይኑ ሓደ ሰዓት ዝወሰደ እዩ ነይሩ፡፡

 

                                            

 

   


Contact Us at:   webmaster@nharnet.com