|
||
|
|
||
|
ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን - 1 ቤት ጽሕፈት ዜና 20 ጉንበት 2007
ቤት ጽሕፈት ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን ቀዳማይ ወገን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብ20 ጉንበት 2007 ብምኽንያት መበል 16 ዓመት መዓልቲ ነጻነት ኤርትራ ሰፊሕ ኣኼባ ኣካይዱ። ኣብ'ዚ ልዕሊ ሚእትን ሓምሳን ኣባላት ውድባት ኪዳን ቀዳማይ ወገንን መጸዋዕታ ዝተገረሎም ግዱሳት ኤርትራውያን ምስ ቤተሰቦምን ዝተሳተፍሉ ሰፊሕ በዓል ብብጻይ ደበሳይ በየነ ግዚያዊ ወኪል ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ሰውራዊ ባይቶ ናይ እንኳዕ ደሓን መጻእኩም መኽፈቲ ቃል ቀሪቡ።
ድሕ’ዚ፡ ነዚ በዓል ዝምልከት ቃል ብብጻይ ዓብደላ ማሕሙድ ወኪል ኪዳን ኣብ ኢትዮጵያ ብቛንቋ ትግርኛ ቀሪቡ። ካብዚ ቀጺሉ ንመንፈስ እዚ ኣገዳሲ መዓልቲ ዝምልከት ጽሑፍ ብብጻይ ዑስማን ዑመር ሹም ሓላፊ ህዝባዊ ጉዳያት ግንባር ሓገራዊ ድሕነት ኤርትራ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብዓረብ ቀሪቡ። ብጻይ ዓብደላ ማሕሙድ ኣብዚ ዘቕረቦ ሰፊሕ ቃል፡ ነጻነት ኤርትራ ንምርግጋጽ ኤርትራውያን ዝኸፈልዎ መስዋእትነት ዘርዚሩ። ብዛዕባቲ ድሕሪ ነጻነት ኣብ ኤርትራ ብሰንኪ ስርዓት ህግዲፍ ዝወርድ ዘሎ ወጽዓን በደልን እውን ሰፊሕ መብርሂ ሂቡ። ብጻይ ዓብደላ ኣተሓሒዙ ህዝቢ ኤርትራ ካብዚ ዝወርዶ ዘሎ መከራ ክናገፍ እቲ መፍትሒ ኣብ ኢዱ ምዃኑን ነዚ ንምግሃድ ኣብዚ ታሪኻዊ መዓልቲ ነጻነት ንቃልሲ ክብገስ ከም ዝግበኦን ጸዊዑ። ኣብ መወዳእታ ድማ ኤርትራውያን ብዛዕባ’ቲ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ኣብ ኪዳን ዝተፈጥረ ምግምማዕ ብስምዒት ዘይኮነስ ብንቕሓትን ትዕግስትን ንነገራት ክመዝኑ ከም ዝገበኦም ብጻይ ዓብደላ ዘርዚሩ።
ድሕሪ እዚ መድረኽ ንግጥምታት ምስተዋህበ ዝተፈላለዩ ንታሪኻዊነት መዓልቲ ነጻነት ዝምልከቱን ንጅግንነት ኤርትራውያን ኣብ ምርግጋጽ ነጻነት ዘመጉሱ ከምኡ'ውን ንመጻኢ ቃልሲ ዝጽውዑ፡ ግጥምታት ብትግርኛን ብዓረብን ቀሪቦም። ኣብ መወዳእታ ድማ ተሳተፍቲ በዓል ብዛዕባዚ ኣጋጠሚ ዘለዎም ስምዒታትን ተዘክሮታትን ዝገልጽሉ መድረኽ ተኸፊቱ ስምዒታቶም ኣንጸባሪቖም። እቶም ወሃብቲ ርኢቶ በቲ ሓደ ወገን ኤርትራውያን ጀጋኑ ነጻነት ኤርትራ ንምርግጋጽ ብዘርኣይዎ ጅግንነት ከም ዝሕበኑ ገሊጾም፡ በቲ ካልእ ወገን ድማ ህዝቢ ኤርትራ ብፍረ ቃልሱ ተጠቃሚ ዘይምዃኑ ከም ዝሓዝንኑን ነዚ ንምቕያር ክቃለሱ ድሉዋት ምዃኖም ኣረጋጊጾም። |
||
|
DISCLAIMER: The author/s contributed for this article/opinion and is/are solely responsible for its contents
Contact Us at: webmaster@nharnet.com |
||
|
|