ፈስቲቫል ኤሪትራዊ ዲሞክራሲያዊ ማሕበር

ኣብ ከተማ ቺካጎ, ሰነ 23, 2007

ብዓቢ ድምቀት ክውዕል ምሽብሻብ ተጀሚሩ  

 

እቲ ብሓልዮት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ሰውራዊ ባይቶ (ተ.ሓ.ኤ. ሰ.ባ.) ዝቖመ ኤርትራዊ ዲሞክራያዊ ማሕበር (Eritrean Democratic Association) ናይ ዘይመኽሰባውን ዘይብሕታውን ትካል ሎሚውን ከም ቀደሙ ንሰነ 23 ኣብ ከተማ ቺካጎ ንራብዓይ ዓመቱ ፈስቲቫል ጽንብል ከካይድ ምዃኑ ኣብ ናይ ብዙሓን መራኸቢታት ከቃልሖ ጀሚሩ ኣሎ።

      ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ማሕበር ኣብ 2003 ዝተመስረተ ኮይኑ ነዚ ዝስዕብ ቅዱስ ዕላማታት ንምርግጋጽ ከይሰልከየ ዝቃለስ ትካል ኢዩ።

      = ንመባእታዊ መሰላት ህዝቢ ኤርትራ ንክኽበር ምጽዓት

      = ኣብ ኤርትራ ኩለንተንዊ ዓይነት ግህሰታት ክውገድ ምጽዓት

      = ኣብ ስደት ንዝርከቡ ኤርትራውያን ሽግራቶም ዝቃለለሉ ዕድላት ንምኽሳት ምጽዕር

ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ማሕበር ካብ ፈደራላውን ቦታውን ናይ ቀረጽ ምኽፋል ነጻነቱ ዘረጋገጸ ማሕበር ኮይኑ  ኣብ ውሽጢ ኣመሪካን ኣብ ዓለምን ንጥፈታት ከካይድ ሕጋዊ ተፈላጥነቱ ዘረጋገጸ ሕበረተሰብኣዊ ኣገልግሎቱ ንህዝቢ ከበርክት ይርከብ። ድሮውን ኣብ ሸውዓተ ስተይትስ ሕጋውያን ጨንፈራት ኣቚሙ  ነዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ቅዱስ ዕላማታት ከሳላስል ይርከብ።

 ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ማሕበር ካብ ዝምስረት ጀሚሩ ኣብ ከተማ ስያትል (ዋሽንግቶን) ንሰለስተ ዓመታት ኣከታቲሉ ፈስቲቫላት ኣካይዱ። ኣብዚ ፈሲቫላትዚ ንኣባላቱን ኣብቲ ከባቢ ዝነብር ኤርትራዊ ሕብረተሰብን ከምኡውን ፈተውትን ኣመሪካውያንን ዝሳተፍዎ ናይ ትምህርቲ ሲንፖዚዩም ኮይኑ ንኤርትራዊ ባህሊ ምስ ነኣሽቱ ወሎዶን ካልእ ሕብረተሰብን ንምልላይን፡ ንቋንቋታት ኤርትራን ዝተፋላልዩ ባህልታታን ብመልክዕ ምርኢት (Exhibition) ቀሪቡ ንታሪኽናን ባህልናን መግለጺ ይህብ። ኣብዚ ፈስቲቫላትዚ ናይ ትምህርቲ ሲንፖዚዩም ዝቐርብ ካብ ብዙሓት ምሁራትን ፈላጣትን፡ ካብ ወከልቲ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል፡ ኮንግረስ መን፡ ናይ ሰብኣዊ መሰላት ተጣበቕቲ ማሕበራት፡ ከም ኡውን ካብ ወከልቲ ናይ ተቓውሞ ውድባት መደረ ይቐርብን ምስዚ ተሰንዩ ድማ ናይ ክትዕ መድረኽ ተኸፊቱ ሓሳብ ንሓሳብ ዝለዋውጥሉ መድረኽዩ።

      

  ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ማሕበር ካብ ዝምስረት ጀሚሩ ብዘይካዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሱ ተወሳኺ ንጥፈታት ዘካይዶም ኣለዉ። ንሳቶም ከኣ፡

1)     ኣብ ምርግጋጽ ሃገርዊ ነጻነት ኣካሎም ዝሰንከሉ ዉጉኣት ሓርነት ኣብ መደበር ከሰላ ዝርከቡ ይናቢ ብዝተኻእለ መጠን መሰረትዊ ቀረብን ሕክምናዊ ኣገልግሎትን የቕርብ።

2)      ነቲ ኣብ ወዲ ሸሪፈይ (ከሰላ) ዝርከብ ናይ መንአያት ኤርትራውያን ስደተኛታት ቤት ትምህርቲ ክሳብ ሻሙናይ ክፍሊ ዝበጽሕ ቤት ትምህርቲ ምጣነ ሃብታውን ነገራውን  ሓገዛት የወፊ።

3)      ነቶም ካብ ነዊሕ ዓመታት ጀሚሮም ክሳብ ሎሚ ኣብ ሃገርና ሓርነትን ዲሞክራስን ክሳብ ዝረጋገጽ ዝቃልሱ ዘልዉ ተጋደልቲ  ንስድራቤቶም ንምርዳእ ናይ ማዕዶ ወላዲ  (ስፖንሰር)  ብምድላይ ጸገማቶም ዝቃለለሉ መንገዲ ጸዓታት የካይድ

4)      ኣብ ከተማ ካርቱም  መደበር መንእሰያት ብምኽፋት ኤርትራውያን መንእሰያት ዝእከብሉን ብሓባር ዝመያየጥሉን ናይ ኢንተርነትን ፋክሳትን መሳለጥያታት ዝረኽቡሉን  ንመዓልታዊ ሽግራቶም ብሓባር ፍታሕ ዘናድልዩሉን መደበር ከፊቱ ሽግራት መንእሰያት የቃልል።

 

ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ማሕበር ነዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቒሱ ግዙፍን ተግባራዊ ነገራትን ከመይ ገሩ የማልእ? ገንዘባዊ  ትሕዝቱኡ ካበይ ይምንጭው ዝብል ሕቶታት ክለዓል ናይ ግድን ይኸውን። መልሱ ከኣ ቀሊል ኢዩ። እቲ ማሕበር ካብ ኣባላቱ ዝውፈን ካብ ግብረሰናያት ማሕበራትን ዝልገሰሉን ኢዩ ነዚ ቅዱስ ዕላማታት ብዓቕሙ ከሰላስል ዝፍትን። በዚ ኣጋጣሚ ንኩሎም ግዱሳት ኤርትራውያን ምስዚ ማሕበር ተጸንቢሮም ሓገዝ ንዘድልዮም ኣካላት ህዝብና ንክሕግዙ መጸዋዕታኡ ብትሕትና የቕርብ።

ኣብ መደምደምታ ፈስቲቫል ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ማሕበር ኣብ ቺካጎ  ንዕለት ሰነ 23 ብዓቢ ድምቀት ክውዕል ኣባልቱን ፈተውቱን ተዳልዮም ስለዘልዉ ኩሉ ኤርትራዊ ኣብዚ ፈስቲቫልዚ ንክሳተፍ ብኽብሪ ንዕድም።

 

ኣሰናዳዊት ፈስቲቫል

 ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ማሕበር

 


Contact Us at:   webmaster@nharnet.com