Nharnet Articles/Opinions

     

ደምዳሚ መግለጺ

ርኽክብ መሪሕነታት ሰለስተ ውድባት ኤደኪ ቀዳማይ ወገን

ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ፡ ተ.ሓ.ኤ. ሰውራዊ ባይቶ፡ ሰልፊ ደሞክራሲ ኤርትራን

 

መሪሕነታት ሰለስተ ውድባት ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራን፡ ተ.ሓ.ኤ. ሰውራዊ ባይቶን፡ ሰልፊ ደሞክራሲ ኤርትራን፡ ካብ ሓሙሽተ ክፍለ-ዓለማት ዝርከቡ ዓሰርተ ሃገራት መጺኦም፡ ኣብ ሃገር ጀርመን ዳምባኽ ዝተባህለ ቁሸት፡ ካብ 8 ክሳብ 10 ግንቦት 2007 ብምርኻብ፡ ብዛዕባ መሰረታዊ ጉዳያት ሃገርን መጻኢ ዕድል ህዝቢ ኤርትራን፡ ከምኡ’ውን ተራ ተቓውሞን፡ ብዕቱብነትን ብጽሞናን ዘትዮም፡፡ ናይ መጻኢ መደረኽ ምዕባሌ ዝምድናኦምን ኣገባብ ኣሰራርሓኦምን እውን ተሊሞም።

 

ርኽክብ መራሕቲ ሰለስተ ውድባት፡ ነቲ ህዝብና ኣብ ትሕቲ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ዘሕልፎ ዘሎ ኣሰቃቒ ኩነታት ኣልዒሉ፡ ስርዓት ህግደፍ ንመንእሰያት ኣብ ወተሃደራዊ መደበራትን ግንባራት ውግእን ስለ ዝሓየሮም፡ ሃገራዊ ማእቶት ባይታ ዘቢጡ፡ ምንቁልቋል መንባብሮ ብዘስካሕክሕ ኣገባብ ተጋሂዱ፡ ከም ውጽኢቱ ድማ፡ ሃገርና ኣብ ሰፍ ዘይብል ንዋታውን ጉልበታውን ክሳራታት ተነቚታ ምህላዋ ተመልኪቱ። እዚ ከኣ፡ ደምበ ተቓውሞ ኤርትራ፡ ካብ ዝዀነ ይኹን ግዜ ንላዕሊ፡ ህዝቢ ኣብ ዙርያኡ ንኽዓስል፡ ተሪር ሓድነቱ ንኽረጋገጽ፡ ኵሉ ዓቕምታቱ ከም ዝውሕዝ ንምግባር፡ ዝያዳ ሓላፍነት ክስከም ይጥለብ።

 

ኣኼባ መሪሕነታት ሰለስተ ውድባት፡ መንእሰያት ካብ ደረት ዘይብሉ ኣስገዳድ ወተሃደራዊ ኣገልግሎትን፡ ወፍሪ ባርነታዊ ማእቶታዊ መደባትን፡ ምህናጽ ኣባይቲ ወተሃደራዊ መራሕትን ንምምላጥ፡ ንሓደጋታት ምድረበዳታት ሊብያን፡ ማዕበላት ማእከላይ ባሕርን ተሳጢሖም ምህላዎም ብኣንክሮ ድሕሪ ምምልካት፡ ብዕቱብነት ክግጠም ዘለዎ ተርእዮ ምዃኑ ኣስሚሩሉ።

 

ድሕሪ ዓሚቝን ጠቓምን ክትዓት፡  ኣብ ዲፕሎማስያውን ዜናውን መዳያት ሓባራዊ ንጥፈታት ሰለስቲኡ ውድባት ክብ ክብልን፡ ምስ መሰል ወዲ ሰብ ዝግደሳ ሰብኣውያንን በርገሳውያንን ማሕበራትን ዝምድናታቱ ክድልድልን፡ ንናይ ደምበ ተቓውሞ ዓቕምታት ብምጥርናፍ፡ ህዝቢ ኣብ ዙርያኡ ከም ዝዓስል ብምግባር፡ ኣብ ኵሉ ኵርንዓት ዓለም ኣንጻር ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኣብ ዝካየድ መኸተ ንምጽማዱ፡ እተዓጻጸፈ ንጥፈታት ንምክያድ ዘኽእል ሓባራዊ መደብ ዕዮ ኣኼባ ሓንጺጹ።

 

ኣኼባ፡ ኣብ ስደት ንዝርከቡ ኤርትራውያን ኣንጻር ምልካዊ ስርዓት ደው ብምባል፡ ንውድቀት ናይቲ ንህዝብና ዓፊኑ ሒዝዎ ዘሎ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ከቀላጥፉ ምእንቲ፡ ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ መሳርሒ ናይ’ቲ ስርዓት ካብ ምዃን ተገላጊሎም፡ ኣብ ጐድኒ ህዝቢ ኤርትራ ደው ክብሉ የማሕጸን። ከምኡ’ውን፡ ጐረባብቲ ሃገራት፡ ንደምበ ተቓውሞ ዘበርክትዎ ደገፋት ከዛይዱ ይጽውዕ። ምኽንያቱ ከኣ፡ ኣብ ዞናና ርግኣት ንምስፋንን፡ ናይ ልምዓት መደባት ንምንጥጣፍን፡ ንስርዓት ኢሳያስ ምልጋስ፡ ኣገዳሲ ረቛሒ ስለ ዝዀነ ኢዩ።

 

እቲ ድሕሪ ካልኣይ ጕባኤ ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ዝተጋህደ ምግምማዕ፡ ንደምበ ተቓውሞን፡ መላእ ህዝብናን፡ ፈተውቲ ሃገራትን ከቢድ ስንባደ ዘሕደረ  ተረኽቦ ነይሩ እዩ። ሰለስቲኦም ውድባት ድማ፡ ነዚ ምግምማዕ’ዚ ንኸይርከብ ኵሉ ዝከኣሎም ሕድገታት ገበሩ። እንተዀነ ግን፡ በቲ ካልኣይ ወገን ተቐባልነት ኣይረኸበን።

 

ኣኼባ፡ ዓቕምታት ህዝብና ምጥርናፍን፡ ኣብ ምውዳቕ ዲክታቶርያዊ ስርዓት  ምጽማዱን ዘለዎ ኣገዳስነት ብምግንዛብ፡ እቲ ኣብ ክልተ ሸነኽ ተገሚዑ ዘሎ ኪዳን፡ ኣብ ትሕቲ ሓደ ጽላል ኮይኑ ክሰርሓሉ ዝኽእል ኣገባብ ንምንዳይ፡ ንግዝያዊ መሪሕነት ቀዳማይ ወገን ኤ.ደ.ኪ. ኵሉ ዝከኣሎ ጻዕርታት ከካይድ ሓላፍነት ኣሰኪምዎ።

  

ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ንስዉኣትና!

 

ሰልፊ ደሞክራሲ ኤርትራ

ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ

ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ - ሰውራዊ ባይቶ

 

10 ግንቦት 2007

    


DISCLAIMER:  The author/s  contributed  for this article/opinion and is/are solely responsible for its contents


 

Contact Us at:   webmaster@nharnet.com