Nharnet Articles/Opinions

     

 

ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ

 

جبهة الإنقاذ الوطني الإرتري

 

Eritrean National Salvation Front

 

መግለጺ ብኣጋጣሚ ጽንብል 16 ዓመት ነጻነት ኤርትራ

24 ግንቦት 2007 ንመበል 16 ዓመት ጽንብል በዓል ነጻነት ኤርትራ፡ ንምኽባር እንዝክራ ዘለና ታሪኻዊት ዕለት’ያ። ነዛ ክብርቲ ዕለት’ዚኣ ከነብዕል ከለና ድማ፡ ማዕረ-ማዕሪኡ ህዝብና ኣብዞም ዝሓለፉ ናይ ነጻነት ዓመታት፡ ብክንዲ እቲ ዘካየዶ ሰፍ ዘይብል መሪር ፖሎቲካውን ብረታውን ተጋድሎ ይኹን ዝኸፈሎ ከቢድ መስዋእትነት፡ ኩሉ ፍረ ጻምኡ ረኺቡ’ዶ? ኩሎም ባህግታቱን ዕላማታቱን ሽቶኦም ሃሪሞም ሰላም፡ ደሞክራሲ፡ ፍትሒ፡ ማዕርነትን ቁጠባዊ ግስጋሰን ክጓናጸፍ ብቒዑ’ዶ? ምስ ጎረባብቱን ማሕበረ ሰብ ዓለምን ሰናይ ዝምድናታት መስሪቱ፡ ተኸባቢሩን ተሓጋጊዙን ክነብር ክኢሉ’ዶ?------ወዘተ ዝብሉ ሕቶታት ምልዓሎም ዘይተርፍ’ዩ፡፡ መራሕቲ ህግደፍ ንህልዊ ምስሊ ኤርትራን ህዝባን ሽሕ ግዜ ብጻልጣ ሓሶትን ብዘይጭበጥ መደረታትን ወሪቖም ከቕርብዎ’ኳ እንተፈተኑ፡ ነቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ግሁድ ሓቂ ግን ክሽፍንዎስ ኣይከኣሉን፡፡ እቲ ኣዚዩ ዘሕዝን ፖሎቲካዊ ኩነታት ኤርትራን ህዝብና ዘሕልፎ ዘሎ መሪር ሕሰምን ንምንባቡ ብዙሕ ጻዕሪ ዝሓትት ጉዳይ ኣይኮነን፡፡

ብርግጽ ከኣ ህዝብና ሳላ’ቲ ዘይሕለል ጅግንነታዊ መኸተኡን ስሙር ቃልስታቱን፡ ንባዕዳዊ መግዛእቲ ኢትዮጵያ ስዒሩ፡ ልዕላውነት ኤርትራ ከረጋግጽ ክኢሉ’ዩ፡፡ ኮይኑ ግና ነጻነት ኤርትራ፡ ስማዊ ባንዴራ ካብ ምንብልብል ሓሊፉ፡ ህዝብና ካብኡ ንላዕሊ ዝዘለለ ዓወታትን ሙሉእ ሓርነትን ክጭብጥ ኣይኸኣለን፡፡ ማዕረ’ቲ ዘይነጽፍ ዛራ ትጽቢታቱ መሰረታዊ ዕላማታቱ ሽቶኦም ሃሪሞም፡ ሕብረ ሰልፋዊ ደሞክራስያዊ ስርዓት ክሃንጽ ኣይበቕዐን፡፡ ብድሕሪ ነጻነት ብሰንኪ’ቶም ፍጹም ሕድሩ ጠሊሞም፡ ኣምሳያ ባዕዳዊ ገዛኢ ፋሽስታዊ ስርዓት ደርጊ፡ ፖሎቲካዊ ስልጣን ዝጨበጡ ውሑዳት ጨቆንቲ ደቂ-ሃገር፡ ንዳግማይ ሕሱም መግዛእቲ ተቖሪኑ፡ ቅሳነትን ራህዋን ዝዓሰላ ኤርትራ ክምስርት ኣይከኣለን። ከምኡ’ውን ኩሎም ዜጋታታ ምዩቕ ዘይብሉላ ብቅዋም ትመሓደር፡ ብግዝኣተ-ሕግን መሰላት ነጻ ፕሬስን ትቕየድ፡ ፍትሒ ዝነገሳ ብልጽግቲ ኤርትራ ኣይሃነጸን፡፡ ብኣህጉራዊ ቻርተራትን ውዕላትን ትምእዘዝ፡ ኩሉ ሰብኣውን ደሞክራስያውን መሰላት ዜጋታታ ዝተኸበረላ፡ እቶም ኣብ ምርግጋጽ ነጻነት ኤርትራ እጃሞም ዝተጻወቱ፡ ብሄራታን ሃይማኖታታን ማዕርነቶም ተረጋጊጹ፡ ዝሕበኑላን ዝኾርዑላን ምዕርግቲ ሃገር ክሃንጽ ኣይተዓደለን፡፡

ኣብዚ እዋን’ዚ ኤርትራ፡ ብውጽኢት እቲ ብሓትን ኣዕናውን ፖሊስታት ስርዓት ህግደፍ፡ ንከቢድ ፖሎቲካውን ቁጠባውን ማሕበራውን ቅልውላው ተቓሊዓ ምህላዋ፡ ካብ ማንም ዝተሰወረ ክውንነት ኣይኮነን፡፡ ብዙሓት ካብ ዜጋታታና በቲ ዘይርጉእ ፖሎቲካዊ ኩነታት ሃገርና፡ ኣብ ትሕቲ ብርቱዕ ሰንሰለታዊ ቀይዲ ህግደፍ ተቐይዶም ይርኸቡ፡፡ ላዕለዎትን ማእከሎትን ሰበ-ስልጣን ህግደፍ፡ ኣባላት ውድባት፡ ዓበይቲ ዓድታት፡ መራሕቲ ሃይማኖታት፡ ነጻን መንግስታዊ ጋዜጠኛታትን ዝተፈላለዩ ኣካላት ሕብረተ-ሰብናን፡ ሃላዋቶም ናብ ዘይፍለጠሉ ኣብያተ-ማእሰርቲ ንዓመታት ተሸሪቦም፡ ብዘይፍርዲ ንንሕስያ ዘይብሉ ስቓይን መከራን ተዳሪጎም ኣለው፡፡ ቁጽሮም ዘይነዓቕ መንእሰያት ኤርትራ ድማ፡ ንወፍሪ ዕንወትን ባርነትን ህግደፍ ብምቅዋም ንስደት እናወሓዙ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ምድረ-በዳታትን ባሕርታትን ይቕዘፉ ምህላዎም ምስጢር ኣይኮነን፡፡ ህዝብና ኣብ ታሪኹ ተራእዩ ዘይፈልጥ መነባብሮኡ ናብ ዝኸፍኤ ደረጃ ወዲቑ፡ ፍቆዶ ፎርኖታት ባኒ ብመስርዕ ተሰሊፉ ክሓድር ተገዲዱ ኣሎ፡፡ ካብ ኩሎም ጎረባብቱን ማሕበረ ሰብ ዓለምን፡ ሰናይ ሕውነታዊ ዝምድናታት ተሓሪሙን ተነጺሉን ይነብር ምህላው፡ ፈጺሙ ክከሓድ ዝከኣል ክስተት ኣይኮነን፡፡

መራሕቲ ኤርትራ ንውልቃዊ ዝናታቶም ክብሉ፡ ብወርቃዊ ዕድል ህዝብናን ጸጋታት ሃገርናን ብዙሕ ቁማር ተጻዊቶምን ጌና ይጻወቱን ኣለው፡፡ ኤርትራ ብስንኪ እቲ ምስ ኩሎም ጎረባብታ ዘካየደቶ ትርጉም ዘይብሉ ኣዕናውን ኣስካሕካሕን ውግኣት፡ ሂወት ብዙሓት ዜጋታታ ክትስእንን ንከቢድ ቁጠባዊ ቅልውላው ክትጋለጽን ተገዲዳ’ያ፡፡ ሕጂ’ውን እንተኾነ መራሕቲ ህግደፍ፡ ካብቲ ዝሓለፈ ኣዕናዊ ተግባራቶም ከይተማህሩን በቲ ዝፈሰሰ ደም ከይረወዩን፡ ከም ኣመሎም ብዋጋ ህዝብታት ኤርትራን ሶማልን ክጣልዑ ተራእዮም፡፡ ኤርትራውያን ዜጋታት ፍጹም ናብ ዘይምልከቶም ስግረ-ዶብ ኲናት ሶማል ክሳተፉ ብምግባር፡ ደሞም ክፈስስን ኣዕጽምቶም ክኽስከስን ጌይሮም እዮም፡፡ ንክብሪ ሃገርናን ልዕላውነት ህዝብናን ሓሲቦም ዘይፍልጡ ክንሶም፡ ሓለይቲ ልዕላውነት ህዝቢ ሶማል ተመሲሎም ክራኣዩ ዘይገበርዎ ከንቱ ጻዕርታት’ውን የልቦን፡፡ በዚ ከኣ ሃገርና ኤርትራ ካብቲ ኣትያቶ ዘላ ዘሕዝን ከቢድ ሓደጋ ብርሰትን ዕንወትን፡ ብተወሳኺ ካብ ማሕበረ ሰብ ዓለም ክትንጸልን ናብ መስርዕ ግብረ-ሽበራ ክትስራዕን፡ ኣብቂዖማ ምህላዎም ዘጠራጥር የብሉን፡፡

መራሕቲ ኤርትራ ዘይሕለል መኸተ ህዝብና ንምድኻምን ኣድህብኡ ኣንጻር እቲ ጨቋኒ ስርዓት ህግደፍ ከይቀንዕን፡ ነቶም ዕሱባት መሓውራት ስለያን ብግዝያዊ ረብሓታቶም ዝተታለሉ ደረፍትን፡ ዘጥፍእዎ ትሕዝቶ ገንዘብ መወዳእታ የብሉን፡፡ ካብኡ ሓሊፉ’ውን ንልምዓትን ህንጸትን ክውዕል ዝግብኦ ሃብቲ ሃገር፡ ሰላም ቀርኒ ኣፍሪቃ ንምዝራግን ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት ሕንፍሽፍሽ ንምፍጣርን፡ የውዕልዎ ምህላዎም ርእሰ ግሉጽ ሓቂ’ዩ፡፡ ህዝብና ብሕሱም ድኽነትን ከርፋሕ መነባብሮን እናተገርፈ ከሎ ከኣ፡ ክሳብ’ውን ምስ ጸረ ነጻነት ኤርትራ ዝኾኑ ፖሎቲካዊ ሓይልታት ኢትዮጵያ እናተመሓዘዉ፡ ማእለያ ዘይብሉ ዶላራት የፍስሱ ምህላዎም ንጹር’ዩ፡፡ ካብ ጉዳይ ህዝብናን ስትራተጂካዊ ልምዓቱን ንላዕሊ ከኣ፡ ብዝተፈላለየ ቋንቋታት ጎረባብቲ ሃገራት ዝፍኖ መደባት ፈነወ ብምስኣል፡ ብመራኸቢ ብዙሓን መርዛም ዘርኣዊ ጽልእታት ይነዝሑን ኲናት ይጽሕትሩን ምህላዎም፡ ካብ ማንም ዝተኸወለ ተርእዮ ኣይኮነን፡፡

እንበኣርከስ ህዝብና በቲ ሓደ ወገን ነዛ ታሪኻዊት ዕለት’ዚኣ ብክብሪ ክዝኽራ ከሎ፡ በቲ ካልእ ወገን ድማ፡ እንቢ ንጨቆንትን ጸረ ህዝቢ ገዛእቲ ደቂ-ሃገርን ክብሎም እዋኑ ሕጂ’ዩ፡፡ ነቶም ንጩራ ደሞክራስያዊ ለውጥታትን ግስጋሰን ኤርትራ ዓጊቶም፡ ማዕረ’ቲ ፋሽስታዊ ስርዓት ደርጊ ኣብ ፖሎቲካዊ ስልጣን ክጸንሑ ሓደ ዓመት ዝተረፎም መራሕቲ ህግደፍ፡ ካብ ሕጂ ንደሓር ይኣክል ክብሎም ይግባእ፡፡ ኲናት፡ ሞት፡ ዕንወት፡ ስደት፡ ድኽነትን ኢድ ኣእታውነትን ይኣክል ክብሎም ይህልዎ፡፡ እወ !! እወ ንሰላም፡ ደሞክራሲ፡ ፍትሒ፡ ማዕርነት፡ ግስጋሰን ሰናይ ጉርብትናን ጥራሕ ክብሎም ይግባእ፡፡ ህዝብና ሙሉእ ሓርነቱ ዝጓናጸፍን ሕብረ ሰልፋዊ ደሞክራስያዊ ስርዓት ዝሃንጽን ድማ፡ ኣብ ልዕሊ መቃብር እቲ ጨቋኒ ስርዓት ህግደፍ ደኣንበር፡ ኣብ ህላዌኡ ብግብሪ ዝረጋገጽ ኣይኮነን፡፡ ስለዚ ህዝብና ነቲ ታሪኻዊ ጅግንነቱን ዘይሕለል ቅያታቱን ዳግማይ ቅልጽሙ ኣስሚሩ፡ ንቃልሲ ክልዓል ኣለዎ፡፡

ተቓወምቲ ውድባት ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ሓድነቶም ኣጠናኪሮም፡ ንድሕነት ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ብትጉህ ሕልና ክዓዩ ይግባእ፡፡ ንፍልልያቶም ካልኣዊ ቦታ ብምትሓዝ፡ ብልዝብ ክፈትሕዎን ብቀንዱ ድማ ኣብቲ ቀዳማይ ጸላኢ ከተኩሩን ይህልዎም፡፡ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ድሕሪ ዕውት ጉባኤ ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን፡ ህዝብና ዘይተጸበዮ በቲ ኣብ መረጻ መሪሕነት ዘጋጠመ ፍልልይ ዝተሰመዖ መሪር ጓሂ ይገልጽ፡፡ ውድብና ከምዚ ዝኣመሰለ ኣሉታዊ ምዕባሌ ከየጋጥም ቅድሚ ጉባኤ፡ ኣብ መስርሕ ጉባኤን ብድሕሪኡን ኩሉ’ቲ ዝከኣሎ ጻዕርታትን ሕድገታትን ኣካይዱ’ዩ፡፡ ቅድሚ እቲ ጉባኤ፡ ንጉባኤ ጥጡሕ ባይታ ንምፍጣርን ኤዲኪ ሓድነቱ ዓቒቡ ክውጽእን ኣውንታዊ ተበግሶ ብምውሳድ፡ ምስ መብዛሕቶም ውድባት ክልተኣዊ ልዝብን ዘተን ኣሰላሲሉ’ዩ። ኣብ ጉባኤ ኢዲኪ’ውን ንውክልና መሪሕነቱ ኣመልኪቱ ኣብ ዝተላዕለ ርሱን ክትዓት፡ ጭቡጥ ሕድገታት ጌይሩ’ዩ። ኣብ መረጻ መሪሕነት ድማ፡ ኣካል ናይቶም መፍትሒ ሓሳባት ዘቕረቡ ውድባት ኮይኑ ቀጸለ፡፡ ኮይኑ ግና ኩሉ እቲ ዕቱብ ጻዕርታቱን ባህግታቱን ኣይሰመረን፡፡ ብዝኾነ ሕጂ’ውን ወትሩ ፍልልያት ብልዝብ ክፍትሑ ካብ ዘለዎ ጽኑዕ መትከላዊ እምነት ተበጊሱ፡ ምስ ውድባት ንክልተኣዊ ልዝብን ዘተን ድልው ምህላው በዚ ታሪኻዊ ኣጋጣሚ’ዚ የረጋግጽ፡፡

ፈጻሚ ኣካል ግሃድኤ

24 ግንቦት 2007

 


DISCLAIMER:  The author/s  contributed  for this article/opinion and is/are solely responsible for its contents


 

Contact Us at:   webmaster@nharnet.com