|

ግንባር
ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ
Eritrean National Salvation Front
ካብቲ
ጭርናዕ ኤሰያስ ገና ዘይቀበጽኩም ዘበት ቅበጹ !!
ብ24
ግንቦት 2007 ኤርትራ ንመበል 16 ዓመት ጽንብል በዓል ነጻነታ ኣኽቢራ ውዒላ፡፡ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ዝተፈላለየ
ኩርናዓት ዓለምን ዝርከብ ህዝብና ድማ፡ ንትርጉም እቲ ከቢድ ዋጋ ዝሓተተና ነጻነትን መንነት ጨቋኒ ስርዓት ህግደፍን
ፈላልዩ ስለ ዝርኢ፡ ነዛ ታሪኻዊት ዕለት’ዚኣ ብሓደ ትርግታ ልብን መንፈስን ብዓቢ ክብርን ድምቀትን ከብዕላ ግድን
ነበረ፡፡ ኣብዛ ክብርቲ ዕለት’ዚኣ ንባህሪ’ቲ ብዱዕን ትምክሕተኛን ኤሰያስ ብኣግኡ ኣዓሪና ዘለለና ዜጋታት፡ ካብቲ
ጸረ-ህዝቢ ስርዓቱ ሓድሽ ተርእዮን ተኣምርን ክፍጠር ኣይተጸበናን፡፡ ብርግጽ’ውን ፖሎቲካዊ የዋህነት ወይ ከኣ ነብሰ
ምትላል እንተዘይኮይኑ፡ ክንዲ ፍረ ኣድሪ ትኣክል ሓድሽ ነገር ክንጽበ ኣይንኽእልን ኢና፡፡ ይኹን ደኣንበር ካብቲ
ብሓትን ኣዕናዊ ኤሰያስን ግብረ ሽበራዊ ስርዓቱን ገና ፍጹም ዘይቀበጹ፡ ብምኽንያት ታሪኻዊ ጽንብል ነጻነት ኤርትራ
ናብ ልቡ ክምለስ ብዙሕ ዝተጸበዩን ዘንበሃቑን ምህላዎም ዘይተርፍ’ዩ፡፡
ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኤሰያስ ነቲ ተዓይኑ ዘሎ ምስሊ ሃገርና ብዘይጭበጥ ሕልምታት ንምኽዋልን፡ ንህዝብና ድማ ከምቲ
ልሙድ ንምድንጋርን፡ ዘይገብሮ ከንቱ ጻዕርታት የልቦን፡፡ ንምድላው 16 ዓመት በዓል ነጻነት ኤርትራ ፍሉይ ጠመተ
ዝገበረሉ ጉዳይ ምዃኑ ካብ ዓይኒ ኩላትና ዝተሰወረ ኣይኮነን፡፡ ጨቋኒ ስርዓት ህግደፍ ነቲ ህዝባዊ ተቐባልነቱ
ጸንቂቑ፡ ቀይቀይ ዝብል ዘሎ ፖለቲካዊ ስልጣኑ ካብ ጻዕረ ሞት ንምድሓን ብዙሕ ፋሕተርተር ካብ ምባል ኣይዓረፈን፡፡
ጸረ ህዝቢ መንነቱ ኣብ ትሕቲ ዘብለጭልጩ ሃገራዊ ጭርሖታትን በዓል ነጻነትን ንምሕባእ ድማ፡ ነዚ በዓል’ዚ
ዝተሰለዓሉ ባጀት ምስቲ ንህዝብና ኣውዲቑ ዝሓስዮ ዘሎ ድኽነትን ሓሳረ-መከራን ብፍጹም ዝመጣጠን ኣይኮነን፡፡ ይኹን
ደኣንበር ኣብዚ እዋን’ዚ ህዝብና ኣብ ብረታዊ ተጋድሎ ብዝነበረ ዓወታትን ዘይጭበጥ ህግደፋዊ ጭርሖታትን ክታለል
ኢልካ ምሕሳብ ፖሎቲካዊ ዕሽነት ጥራሕ’ዩ፡፡
ህዝብና ንስርዓት ህግደፍ በቲ ኣብ ብረታዊ ተጋድሎ ዝነበረ ኣወንታዊ ሃገራዊ ተርኡን ሓርበኛዊ ቅያታቱን ጥራይ
ክመዝኖን ክንእዶን ክነብር ምሕላም፡ ከንቱ ሕልሚ ምዃኑ ካብ ዕለት ናብ ዕለት ብግብሪ እናተረጋገጸ ዝመጸ
ጉዳይ’ዩ፡፡ ምኽንያቱ ከኣ ብድሕሪ ነጻነት ኸ? ዝብል መሰረታዊ ሕቶ ከልዕል ንቡርን ባህርያዊ መሰሉን ስለ ዝኾነ፡፡
ብርግጽ ስርዓት ህግደፍ ፖሎቲካዊ ስልጣን ምስ ጨበጠ፡ ነቲ ቅድሚ ነጻነት ዝነበረ ልሉይ ሃገራዊ ተርኡ ብግቡእ
ዓቂቡ፡ ብቅዋምን ግዝኣተ ሕግን እትመሓደር ሃገር ክምስርት በቒዑ’ዶ? ሰላም፡ ደሞክራሲ፡ ፍትሒ፡ ማዕርነት፡ ቁጠባዊ
ግስጋሰን ሰናይ ሕውነታዊ ጉርብትናን ከስፍን ክኢሉ’ዶ? ዝብሉ ሕቶታት ንህዝብና ናይ ሞትን ሕየትን ጉዳይ ምዃኖም
ምንም ዘጠራጥር ነገር የብሉን፡፡ ኮይኑ ግና ህግደፍ ነዞም ኩሎም መሰረታዊ ጠለባት ጎስዩ፡ ብህዝብን ሃገርን ኤርትራ
ቁማር ዝተጻወተን ጌና ዝጻወት ዘሎን ስርዓት ምዃኑ ካብ ማንም ዝተሰወረ ኣይኮነን፡፡
እንበኣርከስ መራሕቲ ህግደፍ ኣብዛ ክብርቲ ዕለተ ጽንብል 16 ዓመት ነጻነት ኤርትራ በቲ ተታሓሒዘሞ ዝጸንሑ መንገዲ
ጥልመትን ዕንወትን ክቅጽሉ መረጹ ደኣንበር፡ ንህዝብና ሓድሽ ብስራት ተሓንጊጦም ክመጹስ ኣይከኣሉን፡፡ ዘበነ
ግርንቢጥ ማይ ንዓቐብ እንተዘይኮይኑ ከኣ፡ ሓድሽ ትሕዝቶ ሒዞም ክመጹ ብባህርያቶም’ውን ኣይተዓደሉን፡፡ ገመል
ሰሪቕካ ጉንብሕ-ጉንብሕ ከም ዝበሃል፡ ከምቲ ኣመሎም ንኽብሪ ሰማእታት ብምጥላምን ንታሪኻዊት መዓልቲ ነጻነት ምስላ
ብምብራዝን፡ ንህዝብና ንምትላል ብሓድሽ መደባት ተላዕሉ፡፡ ድኽነትን ዓጸቦን ህዝብና ከይዓጠጦም፡ ነቲ ርኹስ
መደባቶም ንምዕዋት ድማ መዓት ዘይተኣደነ ባጀት ኣውጺኦም ላዕልን ታሕትን ክጓየዩ ተራእዩ፡፡ ነዚ ሓቂ’ዚ ብጭብጢ
ንምርግጋጽ ከኣ፡ እቲ ንኩነታት ህዝብና ናብ ግምት ከየእተወ ንበዓል ነጻነት ዝተገብረ መጠነ ሰፊሕ ምድላውን ነቲ
ጓንጓ መደረ እንባ-ገነናዊ ኤሰያስን ጥራይ ምግንዛብ እኹል ኣብነት’ዩ፡፡
ቅድሚ ክልተ ቅነ ዕለተ ነጻነት፡ እቶም ትርግታ ህዝቦም ከዳምጹ ዘይተዓደሉን ብግላዊ ረብሓታቶም ንስርዓት ህግደፍ
ከሳስዩ ዝመረጹን ዕስለ ደረፍትን ዋጦትን ኣብ ክልተ ጉጅለ ተመቕሉ፡፡ ገሊኦም ኣብ ውሽጢ ዓዲ ንመርዓ ህግደፍ
ዘሳስዩ ክኾኑ ከለዉ፡ ገሊኦም ከኣ ንህዝብና ንምድንጋር ናብ ወጻኢ ተዋፈሩ፡፡ ከምኡ’ውን መደብ <<ተዓወት>>
ብወገና ናብ ኤውሮጳ ብፍላይ ድማ ንሃገረ-ጀርመን ብፍሉይ ፕላን ኣንጊሃ ገስገሰት፡፡ መደባት ቲቪ-ኤረ ድማ ዝበዝሐ
ፈነወ ሰዓታታ ኣብ ክልተ መዳይ ዘተኮረ ክኸውን ተገብረ፡፡ ኣብ ነጻነታዊ ተጋድሎ ዝነበረ ዝናታት ህዝባዊ ግንባርን
መደብ ተዓወትን ጥራይ ተወሲኑ ተረፈ፡፡ ዕሸላት ህጻናት ከኣ ብልዕሊ ዕድሚኦም ዝኾኑ ሕቶታት ተወጠሩ፡፡ ነጻነት መን
ውሲድዋ ኔይሩ? ነጻነት መን ኣምጺእዋ? ነጻነት ከመይ ትመስል? ኤርትራ እንታይ ትመስል? ኢትዮጵያ ኸ ከመይ
ትመስል? ኣብ ኤርትራ ክንደይ ብሄራት ኣለዋ? ኤርትራ ክንደይ ዓይነት ማዕድናት ኣለዋ?-------ወዘተ ዝብሉ
ሕቶታት ተደርደሩ፡፡ እቶም ህጻናት ቅኑዕ መልሲ ይሃቡ ኣይሃቡ ብዘየገድስ፡ ተዓወት-ተዓወት እናተባህሉ መደራጉሕ
ጣቕዒት ብማሕበረ ኮም ከንጎድጉድ ተዓዚብና፡፡
መዓልቲ ነጻነት መሕብኢ ሰበ ስልጣን ህግደፍ ክትከውንን ህዝባዊ ተፈታውነት ከም ዘለዎም ንምምሳልን፡ ብፍሉይ ምድላው
ክትምዕርግ ተኣዘዘ፡፡ ጎደናታትን ስታድዮም ኣስመራን ብማእለያ ዘይብሉ ባንዴራታትን ካብ እምነት ህግደፍ ወጻኢ ዝኾኑ
ጭሮሖታትን ተሰለሙ፡፡ ደረፍቲ ብሓድሽ ግጥሚ ክዝይሙ፡ ተመሃሮ ኮሌጅ ማይ ነፍሒ ብዘይተኣደነ ወጻእታት ምርኢት
ከዳልዉ፡ ሓይልታት ምክልኻል ብዝተፈላለየ ክፍልታቱ ብወተሃደራዊ ማርሽ ክዕጅብ ተገብረ፡፡ ነዚ ንምምልኻዕ ድማ
በብዓይነቱ ክዳውንቲ ብሚልዮናት ተዓደገ፡፡ እቲ ብዘይ ብኣና ሃገርን ክብረትን የለን ዝብል ፍጹማዊ እምነቶም
<<ብዘይ ሃገር ክብረት የለን>> ብዝብል ተቐየረ፡፡ እቲ ንመንእሰያት ክንደይ ዘላደየ ወፍሪ ባርነት <<ወፍሪ ሎሚ
ራህዋ መጻኢ>> ብዝብል መታለሊ ጭርሖ ተሰለመ፡፡ እታ ንተቓለስቲ ደቃ ዝተሓረመት በዓል ነጻነት ድማ ዕዱማት ኣጋይሻ
ተቓወምቲ ውድባት ሱዳን፡ ሶማል፡ ከምኡ’ውን እቶም ጸረ ልዕላውነት ኤርትራ ዝኾኑ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኢትዮጵያ
ኮይኖም፡ ኣብ መንጎ ሰበ ስልጣን ህግደፍ ኮፍ ኢሎም ሰላምታ ክለዋወጡ ተገንዘብና፡፡
ውልቀ መላኺ ኤሰያስ በዚ ኩሉ’ዚ ማዕሪጉ ኳዕነን እናበለን እናተፈሰሀን ኣብ መድረኽ ስታድዮም ኣስመራ ብነጎዳ
ጣቕዒት ደበኽ በለ፡፡ ኮይኑ ግና ኣብ መደርኡ ፖሎቲካዊ ስልጣኑ ን17 ዓመታት ማዕረ’ቲ ደርባዊ መሓዝኡ ርእሰ
ፋሽስቲ መንግስቱ ሃ/ማርያም ከደላድል ባህጊ ከም ዘለዎ ካብ ምትንባህ ሓሊፉ፡ ንህዝብና ሓድሽ ብስራት ሒዙ ከይመጽእ
ኣፉ ተዓብሰ፡፡ እንተወሓደ ክሳብ በዓል ነጻነት 2008 ፖለቲካዊ ስልጣን ህዝቢ ንህዝቢ ከረክብ ድሌት ከም ዘይብሉ
መመሊሱ ዓንደረ፡፡ ንሃገራዊ ዕርቂ፡ ቅዋማዊ ስርዓት፡ ሰናይ ምሕደራ፡ ምህናጽ ደሞክራስያዊ ስርዓት፡ ምፍታሕ
ፖሎቲካዊ እሱራትን ምምስራት ሰናይ ሕውነታዊ ጉርብትናን ከይእውጅ ሓንገደ፡፡ ዋላ’ውን ነቶም ኣብ ዝተፈላለየ ጽንኩር
መድረኻት ምስኡ ዝተጋደሉን ክንደይ ጸበባ ዘሕለፉን ጉጅለ 15 ከይዝክሮም ምስ ሕልንኡ ምትዕራቕ ኣበየ፡፡
ብዛዕባ’ቲ ኣብ ህዝብና ነጊሱ ዘሎ ዘሕዝን ድኽነትን ጠንቂ ስደትን ብጉዳይ እቶም ብቅነ ነጻነት ብሕሱም መነባብሮ
ኣብ ሱዳን ሰላማዊ ሰልፍታት ዘካየዱ ስደተኛታት ዜጋታትና ከይዛረብ ጥልመታዊ ቃለ ማሕላ ፈጸመ፡፡
ወዮ እቲ
ጭርናዕ ኤስያስ ኣብ ልዕሊ ኩሎም ጎረባብቲ ሃገራት ጭቡጥ ወራራት ከም ዘይፈጸመን ጌና ቁስልታቶም ክቶኩብ ይውዕል
ከም ዘየሎን ብምምሳል፡ ብጠንቂ ዘይምርግጋእ ቀርኒ ኣፍሪቃ ፍጹም ተሓታቲ ከምዘይኮነ ዓው ኢሉ መደረ፡፡ ኣብ ውሽጣዊ
ጉዳይ ጎረባብቲ ሃገራት ኢድ ኣእታውነት እናገበረ ሕንፍሽፍሽ ይፈጥር ምህላው ነጸገ፡፡ ክሳብ’ውን ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ
ሶማላውያን ብግሉጽ ኢድ ኣእታውነት ከም ዘይገበረ ተመሊሱ ንነብሱ ከታልል ተራእየ፡፡ ነቲ ብሕብረት ኣፍሪቃን ሕቡራት
ሃገራትን ተቐባልነት ዝረኸበ መሰጋገሪ መንግስቲ ሶማል ብምንጻግ፡ ነቶም ብእስላማዊ ጥርፉነትን ግብረ ሽበራን ዝኽሰሱ
ዘለዉ እስላማዊ መጋባኣያ ብምድጋፍ፡ ኣካል ናይቲ ስግረ ዶብ ኲናት ምንባሩ ዓይኑ ከይሓሰየ ክሓደ፡፡ ነቶም ኣብቲ
ኲናት እቲ ክቡር ሂወቶም ክኸፍሉ ዝተገደዱን ዝተማረኹን ዜጋታትና’ውን ተጠሊዑ ኣሉ በሎም፡፡ ብኣንጻሩ ከኣ ጠንቂ
ናይ ዘይምርግጋእ ቀርኒ ኣፍሪቃ ስርዓት ወያኔን ብቀንዱ ከኣ ምምሕዳር ኣመሪካን’ዮም ክብል ኣይሓፈረን፡፡
ይቕጽል
|