|
||
|
|
||
|
ማዓልቲ ናጽነት ህዝቢ ኤርትራ ሃገራዊ መንነት ተመንጢሉ፣ ኣብ ትሕቲ ባዕዳዊ ጭቆና ሰብአዊ ክብርን ሲኢኑ፣ናይ ሕሰም ናብራ ክሕልፍ ምስተበየኖ፣ ብሓደ መስከረም 1961 ዓ.ም. ብረታዊ ቃልሲ ኣበገሰ፣ ብሳላ ምሉእ ተሳትፎ ህዝቢ ዘሰነዮ ዘይሕለል ተባዕ ቃልሱ ከአ ንመሓዉር መግዛእቲ ዝኮኑ ሓይልታት ኢትዮጵያ ደምሲሱ ብ 24 ግንቦት 1991 ዓ.ም. መላእህዝብን መሬቱን ናጽነት ዉሑስ ገበረ፣ ኣብ’ቲ እዋን’ቲ ማለት ነጻ ኣብ ዝወጸትሉ ዕለት ብኸመይ አኽቢሩዋን? እንታይከ ተጸቢዩ? እንታይከ ረኺቡ፣? ህዝብና ነቲ ክቡር ዋጋ ከፊሉ ዘረጋገጾ ዓወት ምኽንያት ብምግባር አብ ከተማ ይኹን አብ ገጠር ምዓልትን ለይትን ፍስሃ ወሪዱዎብዕልታን ሳዕሳዒትን ዘየትአደነ ሓጎስ ገሊጹ፡ ሃገራዊ ክብሪ ተሰሚዑዎ እውን ተሓበነን ኮርዔን፡ ከምኡ’ውን ቅልጡፍ ማሕበራዊ ዕብየት ንኸረጋግጽ ክዋናጨፍ ጀመረ፡ እንተኾነ ስርዓት ህግደፍ ሽዑ ንሽኡ ፖለቲካዊ መሰላት ብምእጋድ ምሉእ ቁጠባዊ እቶት ሃገር ብምብሓት ብወገን ህዝቢ ድዩ ብወገን ሰራዊት ንዝተቐልቀሉ ተቓውሞታት ሓይሊ ብምጥቃም ከም ዝብርዕኑ ገበረ፡ በዚ ሰውራ ኤርትራ አብ ጊዜ ቃልሲ ናጽነት ምስተረጋገጸ ሓርነት ህዝቢ ክረጋገጽ ምዃኑ ብተደጋ ጋሚ፡ አብ ህዝቢ መብጽዓ ይአቱ ስለ ዝነበረ ከምቲ አብ ሃገራዊ ነጻነት መስዋእቲ ንኽክፍል ንህዝቢ አብ ምጉስጓስ ዘስምዖ ዝነበረ ቃና ዘይኮነስ ቃና ጥልመትን ክሕደትን ከስምዕ ድአ ጀመረ፡ ብምቕጻል አብ ስደት ዝነበረ ህዝብና ንዓዱ ክመለስ ዝነበሮ ሃርረታ እቲ መንግስቲ ንብረት ህዝቢ አብ ምዝራፍ ዝተዋፈረ ድአ እምበር፣ ህዝቢ ንዓዱ ተመሊሱ ክቐስን ዘተባብዕ ምሕደራ ስለ ዘይተለመ ንአብ ደገ ይኹን አብ ውሽጢ ዝርከብ ህዝቢ ኤርትራ ቅዱሰ ሃገራዊ ሕልምታቱ ክሰምረሉ አይክአለን ብዝያዳ እኳድአ አብ ገዛእ ሃገሩ አደራዕ ክወርዶ ጀመረ፡ ሃገር ውግእን ወረ ውግእን ዝዝመራ፡ ሰላም ዝሓርበታ ኮነት፣ መንእሰይ እግሩ ናብ ዝመርሖ ሃጽ ኢሉ ዝጠፍአላ እምበር ዝኾነ ይኹን ተስፋ ዘየለልየላ ኮይና ተረፈት፣ ከምእዉን ፍትሕን ደሞክራሲያዊ ምሕደራን ዝጠለበ ኣካል ተቐጥቀጠን ተመቑሐን፣በዚ ሀገር ብዕሊ ኣብ ትሕቲ 4 ወታሀደራዊ ምምሕዳራት ተኸፊላ ናብ ወታሃደራዊ ምልኪ ተቐየረት፣ ህዝቢ ኣብ በረኻ ሰፊሩ ኣዴታት ካብ ሓዘን ናብ ሓዘን ደባሲ ሲኢነን፣ ህጻናት ኣደዳ ዝኽትምና ኮይኖም፣ ቑጠባ ሃገር መሬት ዘቢጡ፣ ህዝቢ ተመጽዋቲ ኮይኑ፣ እቲ ካብ ኩሉ ዝገርምን ዘጉህን ኣብዚ እዋን ህግደፍ ናይ ዉሽጡ ጉዳይ ገዲፉ ጉዳይ ሶማልን ዳርፉርን ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቓ ናይ ሰላም መንገዲ ክነምጽእ ኢና እናበለ በተን ንሱ ዝዉንነን ማዕከናት፣ ድምጺ ሓፋሽን ቲቪ ኤረ፣ ሓዳስ ኤርትራን ወግሔ ጸብሐ ክግዕሩ ንሰምዕን ንሪእን ኣሎና፣ እዚ ግን ባሓቂ ማእዝኑ ዝሳሓተ ንህዝቢ ኤርትራ ዘየረብሕን ኮንቱ ምህዉታት እዩ፣ ኣብ እርትራ ሎሚ ዲሞክራስያዊ ስርዓት አሽንኳይ ክትረኽቦስ ብዛዕብኡ ምዝራብ ዓቢገበን ዝኾነሉ ጊዜ ተጋህደ ምስ ድልየት ዝኾነ ይኹን አካል ዘየሰማማዕምሕደራ ስለ ዝሰፈነ ክአ ናይ ሎሚ ዓመት ዝኽሪ ዕለተ ናጽነት አብ ሓደ አሰካፊ እዋን ትውዕል አላ። ስለ’ዚ ህዝቢ ኤርትራ ለብዘበን እታ መተካእታ ዘይብላ ክብርቲሂወቶም ሂቦም ጀጋኑ ዘውሓስዋ ስለ ዝኾነት ዮውሃና ንኽብረት እታ ዕለት ምሕሪት ክአ ነቶም አብ ድነ ሓደጋ ዘለው ርእዮም ዝስአኑን ጻምኦም ዘይተኸፍሉን ህዝቢ ኤርትራ ነቶም ነ40 ዓመት ዝአክል ተቓሊሶም አብ ጉድጓድ ሰፊሮም ዘለው ተረፍ እቶም ጀጋኑ ስውአትና ክአ ምሕረትን ራህዋን ይፍጠረሎም፣ ብኣኽሊል ዓወት ይደበሱ፣
ሰላምን ራህዋን ንህዝብና ዘላኣለማዊ ዝኽርን ንስዉኣትና ዕለት 21.05.2007 ኤርትራዊ ማሕበር ንሰላም ኣብ ባደንቩተምበርግ ሽቱትጋርት
|
||
|
DISCLAIMER: The author/s contributed for this article/opinion and is/are solely responsible for its contents
Contact Us at: webmaster@nharnet.com |
||
|
|