|
ሓጺር
ጸብጻብ ናይ ልዝብ ፎረም ኣብ ፍራንክፎርት
2 ግንቦት 2007
ልኡኽ ንሓርነት.ኮም ፍራንክፎርት

ብቀዳም ዕለት 28.
04. 2007 ዶር. ኣክሊሉ ግርማይን ሃገራዊት ጽርሃ ሰሎሞንን ዝመርሕዎ ናይ ልዝብ ፎርም ኣብ ከተማ
ፍራንክፈርት: ተኻይዱ፡፡
ኣዚ ናይ ልዝብ ፎረም
ግደ መናሰያት ኣብ ለውጢን ግደ ሰልፍታት ኣብ ደሞክራስያዊ መስርሕን ንዝብል ክልተ ኣገደስቲ ኣራስታት ኣልዒሉ፡
ብዕቱብነትን ብዕምቆትን ተመያየጠሉ፡፡ እቲ መድረኽ ነዞም እዋናዊ ተደላይነት ዝዓዘዞም፡ ኣገዳስቲ ጉዳያት ሓቢርና
ክንካታዕን ክንዝትን መድረኽ ይሓተና ኣሎ
ብዝብል ተረድኦ
ዝተደረኸ ኣብ ርእሲ ምንባሩ፤
ብፍላይ ንተራ መንእሰያት ብዝምልከት፡ ቀንዲ ተዋሳእቲ ናይ'ዚ ለዉጢ ኮይኖም፤
ደጊም ይኣክል ባርነት፤ ክብሉ ንክበቕዑ ዘማዕዱ ነበረ። ከምኡ'ውን ግደ ስልፍታት ኣብ ድምክራስያዊ መስርሕ፡
ብምልዓል ዝተካየደ ምይይጥ፡
ብርክት ዝበሉ
መንእስያት ዝተሳተፈዎ፤ ምርድዳእ ዝዓሰሎ ዕውት ልዝብ ተኻየደ።
ጽርሃ ስለሙን
ኣብ
ዘቕረበቶ ዛዕባ፡ ንመንእሰያት ሃገርና ዝጽበዮም ዘሎ ዕማም ብዕምቆት ድሕሪ ምብራህ ነዞም ዝስዕቡ ነጥብታት
ብዝርዝርን ብኣትኩሮን ገለጸት። ኣብዘን ዝስዕባ ነጥብታት ድማ ክዋጻእ ይኽእል፤
Ø
መንእስይ ቀንዲ ተዎሳኣይ ናይ ዝመጽእ ዘሎ ለዉጢ ኮይኑ ምስ ዝስርሕን ዝቃለስን ኢዩ ክዕወት ዝኽእል።
Ø
መንእስይ ናይ መጻኢት ኤርትራ ራእይ ክህልዎ ግድን ኢዩ፦
Ø
ብነብሲ ምትእምማን ክብገስን፤ ክዝትን’ውን ክበቕዕ ኣሎዎ፦
Ø
መንእስይ ምስ ውድባት ኤርትራ ክላለን
ክላዘብን
ኣሎዎ፦
Ø
ሓዲሽ ባህሊ ናይ ዘተን፤ ምክብባርን ኣብ ዝመጽእ ዘሎ ወለዶ ንኽስጋገር ውን ክጽዕረሉ
ይግባእ፥
Ø
መንእስይ
ሃገረይ እንታይ ገይራትለይ ዘይኾነስ፤ አነ ንሃገረ እንታይ ክገበረላ ክብል ኣሎዎ፤፤
Ø
መንእስይ ተጸባዪ
ለዉጢ
ክኸውን
የብሉን፤
እንታይ ደኣ
ኣካል ናይ ለዉጢ
ክኸውን
ኣሎዎ።

ዶክቶር
ኣክሊሉ ግርማይ ድማ ግደ ስልፊታት ኣብ ዲምክራስያዊ መስርሕ ኣልዒሉ፡ ብሩህን ዓሚቝን መግለጺ ኣቕረበ። ካብ’ቲ
ዘቕረቦ ሰፊሕ ገለጻ እዚ ስዕብ ክዋጻእ ይኽእል፤
-
ታሪኽዊ ኣመጻጻአ
ስልፊታት ኣፍሪቃን፤ ኣብ ዲምክራሲዊ ለዉጢ ዝተጻወተኦ ግደን:-
-
ስልፈታት ኤርትራ
ኣብ ዲምክራስያዊ መስርሕ፦
-
ከምኡ ውን
ትርጉም ስልፊን ምስኡ ዝተእሳሰረ ኣገደስቲ ሓሳባትን ኣብርሁን ገሊጹን።

ተሳተፍቲ ናይ ልዝብ
ፎረም፡ ንመደረ ዶር. ኣኽሊሉ ርማይን፡
ጽርሃ
ሰለሙን ጽን ኢሎም ድሕሪ ምስማዕ፡ ካብቲ ዝተዋህበ መግለጺ ንዘይበርሁ ጉዳያት ሕቶታኦም ኣቕረቡ። ኣብ ርእሲኡ
ዝተፈላለዬ ጠቓሚ ርእይቶታት ኣቕረቡ። መራሕቲ ፎረም፡
ነቲ ብተሳተፍቲ ኣኼባ፤
ዝተሓተተ ሕቶታትን ዝቐረበ ርእይቶታን ርእይቶታትን ድሕሪ ምቅባልን ምምላስን፤ ምብራህን ሃናጽን
ዑቱብን ዝኾነ ዘተ ተኻየደ።
ብዓወት ተዛዘመ።
ብፍላይ’ቲ ዝቐረበ
ኣርእስትታት ኣድላይነቱ
ዕዙዝ ብምንባሩ
ኣብዚ
እዋን’ዚ
ከምዚ ዘኣመስለ ልዝብ ምክያድ ብሓቂ ሃናጺ ምዃኑ ኣስመሩሉ። ንድሕሪ ሕጂ’ ውን ክምዚ ዝኣመሰለ ዕዮ ክቕጽል ከም
ዘለዎ፤ ተሳተፍቲ ኣኼባ ጥብቂ ለበዋታቶም ኣሕለፉ።
 |