|
||
|
|
||
|
ኣቶ ሕሩይ ተድላ ንጉዳይ ካልኣይ ኮንፈረንስ ኣምስተርዳም ኣመልኪቶም ኣብ ዘውጽዎ ምግለጺ ዘለኒ ውልቃዊ ርእይቶ።
ብ18 May ክተባባዕን ክዕወትን ዝግብኦ ዋዕላ ኣምስተርዳም’ ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ተጎርባ ጽሒፈ ነይረ። እቲ ትሕስቶ ብሕጽር ዝበለ፡- ነቶም ኣካይድቲ ብፍላይ ንሓድሽ ተስፋ ኔት ዎርክ ስለቲ ቅዱስ ዕላምኦምን ጻዕሮምን ብምምስጋን፡ እቲ ዋዕላ ተስፋ ዝህብ ብምኻኑ፡ ነብሰይን ነብሰ ማተይን ክንሳተፎ ከምዘለና፡ ነቲ መድረኽ ከኣ ብተሳትፎና ናብ ረብሓ ህዝብና ከንውዕሎ ከምዘልና… ከምኡ’ውን ብሙሉእ ልበይን ዓቕመይን ኣብ ጎኖኒ’ቶም ኣካየድቲ፡ ምኻነይ፡ ድሕሪ ምግላጽ፡ ኣብቲ ዋዕላ ቀዳማይን ካላኣይን ኣካላት ኪዳን ንኽሳተፍዎ ክጽዕሩ ካብቶም ዘቕረብክዎም ርእይቶታት ሓደ ኢዩ ነይሩ።
ጸኒሐ ከም ከምዘንበብክዎ ከኣ፡ ሓደ ካብቶም ነዚ ዋዕላ ንምክያድ ዝጽዕሩ ዘለዉ ዶር. ፍስሓጽዮን መንግስቱ፡ ነዚ ሓሳብ ቁልፎም ዓጢቐሙሉ ከምዘለዉ ብዘርኢ መልክዕ፡ ክሳብ ኣብ ዘልውዎ ቦት ብምኻድ ክርኽብዎም ንዝኻኣሉ መራሕቲ ተቓውምቲ ቀዳማይን ካልኣይን ጥራይ ዘይኮነ ካብ ዝተጸበኽዎ ንላዕሊ ብኣካል ረኺቦም ዕድመ ከምዝሃብዎም ተረዲአ። ኣብ ጽሕፎም ነዞም ዝስዕቡ ከምዝዓደምዎም ይገልጹ፡-
ምስ ክቡር ሓው ሑሴን ከሊፋ መሪሕነት ( ካብ ኪዳን ቍ2) ምስ ክቡር ሓው መንግስትኣብ ኣስመሮም መሪሕነት (ካብ ኪዳን ቍ 1) ምስ ክቡር ሓው ወልደኤሱስ ዓማር ኣቦ መንበር ተ.ሓ. ኤ (ሰባ) ምስ ክቡር ሓው ቀርንልዮስ ኣቦ መንበር ውደባ ብሔረ ኩናማ ምስ ክቡር ሓው ተወልደ ገብረስላሰ ኣቦ መንበር ሳግም ምስ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ኣብ ምዓስከር ስደተኛታት ሽመልባን ዝርከቡ ወኪላት መንEሰያት፡ ምስ ክቡር ሓው ብርሃነ (ሃንጀማ) ኣቦ መንበር ሰደግኤ (ብስልኪ ጥራሕ) ምስ ክቡር ሓው Iብራሂም ሃሮን ኣቦ መንበር ዓፋር (ብስልኪ ጥራሕ) ክንራኸብ ከሎና፡ ምስ ክቡር ዶር. በየነ ኣቦ መንበር ሃገራዊ ጉባኤ Eውን ፈቲንና ስለዝገሹ ግን ኣይተራኸብናን።
ብሓቂ’የ ዝብለኩም፡ ካብቲ ህዝብና ኣብ ሓደ ተጠርኒፉ ብዛዕብ ጉዳያቱ ተዛትዩ መፍትሒ ንኽትልም ዘልኒ ክቱር ባህጊ ዝተላዕለ፡ ነታ ጽሕፍቲ ዘንበብኩላ ዕለት ጸባ ሰትየ እንተበልኩኹም ኣይሓሰኹን። ምኽንያቱ ኩላኻ ታዚቲካን ተሰማሚኻን ክትውጥኖን ክትፈጥሮ ትኽእል ህዝባዊ ሓይሊ ንላዕሊ ክህሉ ከምዘይክእል ስለዝኣምን። እንትኾነ ብዙሕ ከይጸናሕኩ ብኣቶ ሕሩይ ተድላ “ኣገዳሲ መግለጺ” ብዝብል ኣርእስቲ ዘውጽእዎ ጽሕፎም ካብ ዘንበብክዎ ጽሑፍ፡ ከኣ “…ሊግ ከም ጥርኑፍ ፖለቲካዊ ሓይሊ ኣብ ካልኣይ ኮንፈረንስ ኣምስተርዳም’ ኣይሳተፍን ኢዩ…።” ዝብል ጽሑፍ ምስ ኣንበብኩ ካብ ጛሂ ዝተላዕለ ምኽኽ ኢለ። ምኽንያቱ ብቐዳምነት ነቲ ድሮ ባዕሎም ኣቶ ሕሩይ ነቲ ተገማሚዑ ዘሎ ዝበልዎ ኪዳን፡ ብዘይቐጥታዊ ኣገላልጻ ሊግ’ውን ከይጀመረ ኣሰሩ ከምዝሰዓበ፡ ወይ ከጨንፈሩ ከምዝረገፈ ገሊጸሙልና። እዚ’ውን ኣብቲ ዝካየድ ቃልሲ ኣሉታዊ ጽልዋ ከይሃለዎ ኣይተርፍን። ከም ትዕዝብተይ፡ ኣባላት ሊግ ካብ መጀመርታ ኣትሒዞም፡ ካብ ድሌታት ሓሊፉም ዝሰርሕዎ ናይ ሓባር ዕዩ ከምዘይነብረ ክዕዘብ ጸኒሐ። ሓደ ካብኡ፡ እቶም ኣባላት ሊግ ዝባሃሉ ኣቶ ሕሩይ ኣብዚ መወዳእታ ከውጽእዎ ዝጸንሑ ጽሑፋቶም ከይተረፉ፡ ብዛዕባ ሰልፎም ዝጉስጉሱ ሰንቢቶም። እተን ካለኦት’ውን ከምኡ። እዚን ወዲ ከምዚን ክዕዘብ ኮለኹ ።ንሙኻኑ ኣባላት ሊግ ካብ ዝቀራረቡ ኣትሒዞም ከም ዝተዓዘብክዎ ብሓባር ኮይኑ ዝሰርሖም ነገራት ነይረሞ ድዮም?… ዝኣመስሉ ዝብሉ ሕቶታት ከልዑሉለይ ክኢሎም’ዮም። ብዛዕብ’ዚ ጉዳይ ነቶም ብቐረባ ዝምልከተኩም እሓድጎ። ናብቲ ቐንዲ ሕቶይ ክምለ፡ እቶም ነዚ ናይ ኣምስተርዳም ኮንፈረንስ ዘካይዱ ህርድግ ዝብሉ ዘለዉ ውልቀ ሰባት ድዮም ኣካላት፡ ወዮ ዓቕሚን ክእለትን ረኺቦም ንኣባላት ክልቲኦም ኣባልት ኪዳን ጥራይ ዘይኮን ግዱስ ህዝቢ ከይትረኽበ፡ ዘራኽብን ዝሽምግልን መድረኽ ክፈጥሩ ምፍታኖም እንታ’ዩ ጸገሙ? እዚ ኸ ክሳብቲ ኩላቶም ኣባላት ሊግ ብወግዒ ናይ ሓባር ክታሞም ክሳዕ ዘየንበሩ፡ ልክዕ ከምቶም ካለኦት ኣባላት ብውልቂ ደረጃ ክሰርሑ ዝጸንሑ፡ ሓድሽ ተስፋ’ውን ብውልቆም ደርጃ፡ ነዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ቅዱስ ዕላማ፡ ምንቃሎምን ንምትግባሩ ምጽዓሮምን እንታይ ጸገም ወይ ነውሪ ኣለዎ? ከምቲ ኣብ መግለጺኦም ዘስፈርዎ ከኣ፡ ኣሽንኻይ ዶ ናይ መሳርሕቶም ዝጸናሑ ኣካላት እማመ፡ ህዝቢ ንኣጀንዳ ዝኸውን ሓሳብት ከቕርብ እቲ መድረኽ ክፉት ምኻኑ ገሊጾም’ዮም። ልዕሊ ኩሉ ዝገርመኒ ግና ኣባላት ሊግ ኣብ ዝሓለፉ እዋን ተሓጋጊዙ ክሰርሕ ተሰማሚዖም ከብቁዑ፡ ንኪዳን ዝዕረቕሉ መንገዲ ንምንዳይ ኣብ ዝብል ጉዳይ ወይ ኣጀንዳ፡ ኣይተሰማማዕናሉን ብዝብል ምኽንያት፡ “ሊግ ከም ጥርኑፍ ፖለቲካዊ ሓይሊ፡ ኣይንሳተፍን ኢዩ” ምባልከ ቁኑዕ ድዩ? ኮንፈረንስ ኣምስተርዳም ከ ንሱ ጥራይ ድዩ ኣጀንዳ ዘለዎ ? ምእንቲ ህዝቢን ሃገርን ተባሂሉ ኸ መስዋእቲ ኣይግበርን ድዩ? ትማሊ ኣብ እዋን ብረታዊ ቃልስና፡ ንመስዋእቲ ናዓ ንስኻ ጽናሕ ኣነ ክሓልፍ ዝተባህለሉ ኩነት፡ ኣሻቡ ኩይተወርሰ ተረሲዑ? ዝተጋገዩ ብጾቶም እንትልዮሞም ክጸርዎም፡ ከሕልፍሎም ወይ ከኣ ኣብ ሞንጎኦም ተላዚቦም ክፈትሕዎ ዘይምፍታኖም ስለምንታይ? ከምዚ ዝብል መርገጺ ኽ ኣቶ ሑሩይ መዓስ? ምስ መን? ኣበይ?… ኮይኖም ከምዝወሰንዎ ንህዝቢ ዝትሐበረ ነገር ከምዘየልቦ’ውን ፈሊጦም ዶ ኣለዉ? ከም ትዕዝብተይን ካብ መንፈስ እቲ ጽሑፍ ተበጊሰ ክግምግሞ ኮለኹ፡ ኣብ ሞንጎ ሊግ ዘይምርድዳእን፡ ዘይምጽውዋርን ዝጸንሐ ይመስል። ካብዚ ብዝዓበየ ጉዳይ፡ ኣቶ ሕሩይ ጉዳይ ኪዳን፡ ጉዳይ ህዝቢ ምኻኑ ዝረሰዕዎ ይመስሉ። ምኽንያቱ ኩሎም ኣባልት ኪዳን፡ ክሳብ ካልእ ዓብላሊ ህዝባዊ ደገፍ ዘልዎ ግንባር ወይ ሓይሊ ዘይተፈጥረ ግዜ ይውሓዱ ይብዝሑ ዝውክልዎም ኣባላት ሕ/ሰብ ኣለውዎም። ብዛዕብ ኪዳን ክዝረብ ከሎ ብዛዕባ ዝተወሰኑ ካፋል ሕ/ሰብ ይዝረብ ምህላው፡ ኣብ ግምት ምእታው የድሊ። ነዚ ምዝንጋዕ ከኣ ነቲ ንሶም’ውን ፡ንነዊሕ እዋን ክቃለሱሉ ዝጸንሑን ዘልዉን ቀንዲ ዕላማ ጉዳይ ህዝቢን ሃገርን ምኻኑ ምዝንጋዕ’ዩ። ምኻንካ ካብ ኣቶ ሕሩይ ኣብዚ ለንቀነ ኣብ ኢሰያስ ዘተስፉ ጽሕፍ ምስ እንበብኩሎም ካብቲ ኣብ ልዕሊኦም ዝነበረኒ ግምትን ትጽቢትን ብዝበለጸ ኣዝይ’ዩ ካብ ምፋካሱ ዝተላዕለ ቀቢጸዮም’የ። ምስ ሲሰያስ ተዓሪቕካ ሰላምን ፍትሕን ክነግስ ኢሎም ዝምነትዩ ፖቲከኛታት ኢና ብሃልቲ፡ ህዝቢ ኤርትራ ዘለዎ ሕሰም ኣተይሰወጦምን ማለት’ዩ። እዚ ከኣ ናይ ጥዕና ኣይኮነን። ምክንያቱ ብርሃንን ጸልማትን ሕብረት ስለ ዘይብሎም። ነዚ ዘየለልዩ ንጹር መርገጺ ዘይብሎም ከኣ ንኤርትራ መፍትሒ ክኾንዋ ፈጺሞም ኣይክእሉን ኢዮም። ግዜ ክዓርቀና’ዩ። ኣብ መወዳእታ ክብሎ ዝደሊ፡ “በጃኹም ተሃዊኽና ነፍስሶ ተመሊስና ንሓፍሶ” ኣይንግበሮ ኩላትና ሓደራኹም!! ስለ ህዝብናን ሕሰሙን ባርነቱን…ክንብል ብዘይ ዝኾነ ይኹን ቅድመ ኩነት፡ ርእስናን ውድብናን ንጊኒ ገዲፍና ኣብ ካላኣይ ኮንፈረንስ ኣምስተርዳም ተረኺብና እቕረ ተባሃሂልና ንጉዳይና መፍትሒ ንምርካብ ብቑኑዕ ልቢ ሃሰው ንበል።
|
||
|
DISCLAIMER: The author/s contributed for this article/opinion and is/are solely responsible for its contents
Contact Us at: webmaster@nharnet.com |
||
|
|