|
||
|
|
||
|
ሪፖርታጅ ኣኼባ ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን-1 ኣብ ዋሽንግቶን ዲሲ (ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ) ሚያዝያ 28, 2007
ብጻይ ዓብደላ ኣደም ፡ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ኣህጉራዊ ዝምድናታ ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን (ቀዳማይ ወገን) ብጻይ ብርሃነ ሃንጀማ ኣባል መሪሕነት ሀራዊ ድሕነትን ብጸይቲ ምሕረት ገረሱስ ኣባል ማእከላይ ሽማግለ አሪትራዊ ሰልፊ ዲምራሲን ኣለም ዮሃንስ ፡ ኣባል መሪሕነት ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶን፥ ዝርከብዎ ልኡኽ ብዕለት 28ን ሚያዝያ 2007 ኣብ ዋሽንግቶን ዲሲ ናይ መሰረታት ኤርትራዊ ዲሞክራስይዊ ኪዳንን (ቀዳማይ ወገን) ሰፊሕ ናይ ህዝቢ ኣኼባታት ኣካይዶም።
ኣብ’ዚ ኣኼባ’ዚ፡ ልዕሊ ሚእትን ሓሙሳን ተሳተፍቲ ኣኸበችኛታት ተቐማጦ ዋሽንግቶን ዲሲን ከባቢኡን ዝተረኽቡሉ ብጾት ዓብደላ ኣደምን ብርሃነ ሃንጀማን ፡ ብዛዕባ ኵነታት ሃገርናን ህዝብና ኣብ ትሕቲ ህግደፋዊ ጭኮና ዘሕልፎ ዘሎመሪር ናብራን ብዛዕባ’ቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተኻየደ ካልኣይ ጕባኤ ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ኣመልኪቶም፡ ቅድሚ ምክያድ ጕባኤን ድሕሪኡን ዝነበረ ኵነታትን ውጽኢታቱን ሰፊሕ መግለጺ ኣቕሪቦም።
ብጻይ ዓብደላ ኣደም ብዛዕባ ኵነታት ሃገርናን ህዝብናን ኣብ ትሕቲ ህግደፋዊ ጭኮና ዘሕልፎ ዘሎ መሪር ናብራን ኣልዒሉ ኤሪትራ ሎሚ ጃንዳ ህግዲፍ ዓባይ ቤት ማርሰርቲ ኮይና ህዝባ ብዘይ ገለ ፍትሒ ዝምቋሓላ፡ ሕዝቢ ባኒ ክገዝእ ምሉእ ለይቲ ኣብ መስርዕ (ሪጋ) ኣብ ቀጽርታት እንዳ ፎርኖ ዝሓድረላ ኣብ መስርዕ ሓዲሩውን ስድርኡ ከዕንግለሉ ዝኽእል ዘይረኽበላ፡ ዉላድካ ሃዲሙ ተባሂሉ ሰፍ ዘይብል ገንዘብዊ መቕጻዕቲ ዝቕበለላ፡ ብምኽኑይ ሃገርዊ ኣገልግሎትን ምክልኻል ሀገርን ተባሂሉ መንእሰይ ኤርትራ ንዘይተውሰነ ግዜ ነጻ ጉልበቱ ንርብሓ ጎብለላት ህግዲፍ ዘውፍየላን፡ ካብ ትምህርቲ ዓለም ተገሊሉ ፍልጠት ዘይረኽበላን ሃገር ኮይና ኣብ ሰብ ክነረላ ዘይክእል ክትባድም ትጽበ ዘላ ኢያ። ካብዚ ዝነቐለ ከኣ መንእሰይ ኤርትራ ካብዚ ምልካዊ ስርዓት ንኽምልጥ ምድረበን ባሕርን ጥሒሱ ንስደት ብኣእላፋት ከውሕዝ ዝመረጸ።
ኣብ ዞናዊ መዳይ ከኣ ህግዲፍ ብዝኽተሎ ዘሎ ኣዕናዊ ፖሊሲ ንሃገርና ካብ ዓለምና ነጺሉ ኣብቲ ዞናና ብናይ ግርጭት ጻሕታርነት ከም እትፍለጥ ገሩዋ። ባህርያት ህግዲፍ ኢድ ኣእታውነትን ህውከት ምፍጣርን ስለ ዝኾነ ኣብ ምብራቕ ሱዳንን ዳርፉርን ከምኡውን ኣብ ሶማሊያ ብሂወት መንእሰያት ይጣላዕ ኣሎ። ህግዲፍ ንካልኦት ሀገራት ብኢድ ኣእታውነት ብናይ ብዙሓን መሪቢታቱ ክኸስስን ካብኡ ሓሊፉ ክጻረፍን ክጓናፈጥን ከሎ ንነብሱ ግን ኣንዳዕዲዑ ክፍጽሞ ይርኤ ኣሎ።
ካብዚ ቀጺሉ ብዛዕባ ጠቕላላ ጕባኤ ኤርትራዊ ዲሞክራስይዊ ኪዳን ኣመልኪቱ ጉባኤ ኩሉቲ መሰናኽላት ኣብ ከባቢ ቻርተር ቍጽሪ ሰለስተን ኣርባዕተን ዝነበሪ ግቡእ መዕለቢ ገሩ ዕዉት ጉባኤ ኣሳላሲሉ ከብቅዕ ኣብ ምምራጽ ኣቦ-ወንበር መሪሕነት ብዝተፈጥረ ቅለውላው ኪዳን ኣብ ክልተ ግናዕ (ብሎክ) ክምቀል ግድነታዊ ኮነ። ከም’ቲ ንሕናን ህዝብናን እተጸበናዮን እተመነናዮን ስለ ዘይኮነ ከኣ ብፍላይ ነቶም ኣብ ውሽጡ ኣቲና እንዋሳእ ዘሎና ኣዝዩ መሪር ኢዩ.። ነዙ ዘይተጽበናዮን ዘይተዳልውናሉን ቅልውላው ንምስጋር ብዙሕ ጻዕርታን ሕድገታትን በዚ ሕጊ ብብሎክ ሓደ ዝውከል ቀሪቡኳ እንተነበረ በቲ ካልኣይ ሸነኽ ተቐባልነት ኣይረኸበን። ንሕና፡ ብዘይካ ነቲ ጕባኤ ምዕዋት እንተዘይኰይኑ፡ ከም’ቲ ካልእ ሕቡእ ዕላማታት ኣይነበረናን” ኢሉ። ውድባት ኪዳን ብሓፈሻ፡ እቲ 6 ድምጽታት ዝነበሮ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ድማ ብፍላይ፡ ማዕረ ድምጺ ክህልወና ምቕባልና ንምዕዋት ናይ ጕባኤ ዝነበረና ድሌት’ዩ ዘንጸባርቕ። ዋላ፡ እቶም ብሓደ ዝውከሉ ዝነበሩ ውድባት ብክልተ ከምዝውከሉ ኢዩ ተገይሩ። ብዛዕባ’ቲ ሰለስተ ውድባት ዝገበርናዮ ከም መፍትሒ ኢልና ዘቕረብናዮም እማመታት ከኣ፡
ዝብል ርእይቶታት ከቕርብ እንከሎ፥ እቲ ካልኣይ ወገን ግን፡ ኣቦ መንበር ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ብ50%+1 ማለት ብተራ ብዝሒ ድምጺ’ዩ ክምረጽ ዘለዎ ንሕና ወሲና ኢና ካባኹም ምትሕብባር ጥራይ ኢና ንሓትት ብምባል ነቲ ናይ ምርድዳእ መስኖ ለኮቶ። ከም ውጽኢት ናይ’ዚ ድርቅና’ዚ ድማ፡ ኪዳን ኣብ ክልተ ወገናት (ብሎካት) ክኽፈል ግድን ኰነ ክብል ኣብሪሁ።
ብድሕር’ዚ፡ ብጻይ ብርሃነ ሃንጀማ ንኣገባብ ኣመራርጻ ኣቦ ወንበር ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ኣብ ምምራጽ ዝተጋህዱ ዕንቅፋታትን ብዕምቈት ኣብሪሁ። ንሕግታትን ቅዋምን ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ዝምእዘዝን እቲ ልሙድን ዝበለጸ ኣገባብን ኩሉ ኣባል ዝተሳማማዓሉ ውሳነ(ኮንሰንሱስ) እዩ። እዚ ምስ ዘይዕወት ከኣ ኪዳን እዚ ዝስዕብ ካብ ቅዋማቱ ይኽተል፡ 1) 50% +1 ካብ ኣባላት ማእከላይ መሪሕነት ንህጹጽ ኣኼባ ይጽውዑ። 2) ክልተ ሲሶ (2/3) ካብ ኣባላት መሪሕነት ምስ ዝርከቡ ምልኣተ ጉባኤ ይረጋገጽ። 3) ሰለስተ ርብዒ (3/4) ድምጺ ውስነታት ይሓልፍ (አንተላይ ምምራጽ ኣቦ ወንበር)።
ኣስዒቡ፡ ብ50%+1 ኢና መሪሕነትና ንመርጽ ዝብልን፡ ብኡ መሰረት ውን መሪሕነቱ ዝመረጸን ካልኣይ ወገን ግን፡ ብዛዕባ ኣብ ቅዋምና ዘየሎ ሕጊ’ዩ ዝዛረብ ዘሎ ኢሉ። ከምኡ ውን፡ ኣብ ተመኵሮና ብ50%+1 ኢና መራሕትና ንመርጽ ኔርና ዝብል ኣበሃህላ ሓቅነት ዘለዎ ኣይኰነን። ምኽንያቱ ድማ፡ እቲ ናይ ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ቅዋም፡ ዝዀነ ይኹን ውሳኔ ወይ ሕጹይ ሰለስተ ርብዒ (3/4) ድምጺ ክረክብ ከምዘለዎ ኣጽዲቑ ኢሉ። በዚ ሕጊዚ ከኣ ተማእዚዝና ክንከይድ ይግባእ። ካብ ሕጊ ኪዳን ወጻኢ ምጕዓዝ ግን ምግምማዕ ከምዘኸትል ንማንም ክርድኦ ዘየጸግም ኣይኮነን። ነዚ ብንሓፍነት ምሕላፍ ማለት ግን ኣብ ኪዳን ንዲታቶርነት ቦታ ምጥጣሕ ማለትዩ። ነዚ ዘይሕጋዊ ጉዕዞ ከይኣለና ከኣ ኣንጻር ዲክታቶርነት ክንቃለስ ኣይንኽእልን ማለት ዩ ክብል ገሊጹ።
ኣብ መወዳእታ፡ ንኣኼበኛታት ሕቶታን ርእይቶታን ለበዋታትን ከቕርቡ ዕድል ተዋህበ። ገለ ካብ’ቶም ዝቐረቡ ሕቶታት ድማ፡ 1) ኣብ ዶባታትና ዘሎ ምፍሕፋሕ ኣብ ዝለዓለ ጥርዙ ዝበጽሐ ይመስል ፡ ኩናት ከይባራዕን እንአተትባርዐን እትጸወትዎ ግደ ኣሎዶ? 2) ብባህርያውን ዘይባህሪያውን ምኽንያታት ህግዲፍ ምስ ዘልግስ ሃጓፍ ከይፍጠር ዝተዋደደ ምርጫታት ኣሎዶ? 3) ጎረቤት ሃገር ካባና እንታይ ይጽበ ንሕና ኸ እንታይ ንጽበ ካብኦም? ነዚ ዝምልከት ደንበ ተቓውሞ ዝበጽሖ ስምምዓት ኣሎዶ? 4) ኪዳን ቀዳማይ ወገን ከም ሓደ ብሎክ ኮይኑ ክዓዪ ስለዝተሳማሞአ ድዩ ኣብ ሓደ ብሎክ ኮይኑ ዘሎ?
ልኡኻት ኣባልት ንዝቐረበሎም ሕቶታት ብግቡእ ድሕሪ ምምላሽ ገለ ካብቲ ካብ ህዝቢ ዝቐረበ ርእይቶ ኣብ መንጐ ክልቲኡ ወገናት ተፈጢሩ ዘሎ ጋግ ንምጽባብን፤ ኣብ ሓባራዊ ጕዳያት ምትሕብባርን ብምውህሃድ ምስራሕን፤ ኣንጻር ዲክታቶርያዊ ስርዓት ዝካየድ ተቓውሞታት ኣብ ምሕያልን ንውድቀት’ቲ ስርዓት ኣብ ዘቃላጥፍ ስርሓት ብምትኳር ህዝብና ብርግኣትን ሰላምን ዲሞክራስን ዝነብረሉ ኵነታት ንምስፋን ምጽዓር ዝብል ይርከቦ። እዚ ኣኼባዚ ካብ ዝሓለፉ ኣኼባታት ተቓውሞ ውድባት ብጣዕሚ ፍሉይ ዝገብሮ ነገራት ኣለዎ፡። ኣብዘን ዝሓለፋ ውሑዳት ዓመታት ከተማ ዋሽንግቶን ዲሲ ናይ እንባገነናዊያን መራሕቲ ህግዲፍ ናይ ባርነት መቑሕ ሲቢሮም ምድረበዳን ባሕርን ጥሒሶም ዝመጹ ኤርትራውያን መንእሰያት ከተኣንግድ ትርከብ። ካብኣቶም ገሊኦም ኣብ ዊዓ ተኣሲሮም ዝነበሩ ገሊኦም ከኣ ኣብ ዋርሳይ ይከኣሎ ተፈሊፎም ህገራዊ ጉቦም ዝፍጽሙ ዝነበሩ ይርከብዎም። ኣብ ዋሽንግቶን ዲሲ ምስ ኣተዉ ነቶም ብድሕሪት ገዲፍናዮም ዝመጻእና ብጾትናን ህዝብናን ግዳይ ህግዲፍ ክኾኑ ክንርስዖም የብልናን ብዝብል ሕልና ተደሪኾም ምስ ተቓውሞ ውድባት ተሊፎም ኣብዚ ኣኼባዚ ብብርክት ዝበለ ቍጽሪ ተሳቲፎም። ኣብዚ ዕዮዚ ተራ መንእሰይ ዓቢ ከምዝኾነ ንምግንዛቡ ግዜ ዘይወሰደሎም ገዳይም ኣባላት ተቓውሞ ዓቢ ፍናን ዘሕደረን ንዕምሪ ስርዓት ህግዲፍ ብዘየወላውል ዘሕጽርን ተካኢ መንእሰይ ብዕቱብ ንሃገሩ ሓራ ክውጽእ ዘውሓሰ ቅኑዕ ራእይ ሒዙ ዝተበገሰ መንእሰይ ኢዩ ኣብዚ ኣኺኣዚ ዘምሰየ። ብኣንጻሩ ወይጦታት ህግደፍ በዚ ናይ መንእሰይ ጉዕዞ ሰንቢዶም ካብ ቃልሲ ክኣልዩውም ዘይፈተንዎ ማእለማታት የሎን። ንዑ ምሳና ተሰርዑ፡ ካብ ሃገር ምህዳም ዝገርኩሞ ይቕረታ ጥራይ ሕተቱ’ምበር ነጻ ክንብለኩም ኢና፡ ዋላ ንዓድኹም ክትበጽሑ እንደሊኹም ፍቓድ ክንህበኩም ኢና ዝብል ናይ መታለሊ ሲልትታትቶም እንተተቕሙ ነቲ ካብ ማእሰቲ ዘምለጠ መንእሰይ፡ ነቲ ካብ ረሻሽ ጠያይቶም እገረይ ኣውጽእኒ ኢሉ ዘምለጠ መንእሰይ ከታልልሉ ፈተነ እንተካየዱ ከምቲ ምብላዕካ ዝለመደስ ክርእየካ የንባሁቕ ዝበሃል ኣብ ኤርትራ ከልዉ ከም ባሮት ብነጻ ዘገልገልውም ከይኣክል ይቕረታ ገርናልኩም ኢሎም 2% ክፈሉ፡ መሕወይ ሃገር ክፈሉ ወዘተ.. ኢሎም ንዳግማይ መዝመዛ ከምቻችእዎም ከንቱ ፈተነ የካይዱ ኣለዉ። ይኹን እምበር ንሓይሊ ማዕበል መንእሰይ ዝገትኦ ሓይሊ ስለዘየለ መንእሰይ ኤርትራ ሽቶኡ ከወቅዐ ከምዘይዓርፍ ክፈልጡ ይግባእ። እዚ ኣኼባዚ ካብ ሰዓት ሸውዓተ ናይ ድሕሪ ቀትሪ ጀሚሩ ክሳብ ሰዓት ዓሰርተ ሓደ ናይ ምሸት’ዩ ቀጺሉ። ድሕሪዚ ብኣሰናደውቲ ኣኸባ ዝተዳለወ ኩሉ ኣኸበኛ ዝተፈላለዩ ዓይነት ምግብታት ድሕሪ ምምጋብ በቶም ወናማት ናይ ባህሊ ተጻወቲ ዝዓመረ `ጓይላ ተጀሚሩ ወጋሕ ትበል ለይቲ ኮይኑ ክሳብ ሰዓት ናይ ክልተ ናይ ወጋሕታ ጸወታ ቀጸለ።
|
||
|
DISCLAIMER: The author/s contributed for this article/opinion and is/are solely responsible for its contents
Contact Us at: webmaster@nharnet.com |
||
|
|