|
||
|
|
||
|
ቅልዕቲ ደብዳቤ ንዶክቶር ፍስሓጽዮን መንግስቱ ብ5/ 20 / 07 ዕድመ ንክፋል 1ይን 2ይን ኪዳንን ንካልኦት ዘጠቓለለት ናይ ዕድመ ጽሑፍካ ኣንቢበ። ተቦግሶኻ ንዕርቂ ብጣዕሚ ዝምስገን እዩ። ኣብ ናይ ኣተዓዳድማኻ ኣጋባብ ግን ጉድለት ዘለዎ ኮይኑ ተሰሚዒኒ። ንሱ ኸኣ ኪዳን ቍጽሪ ሓደን (1) ን ክልተን (2) ከምዘሎ ኣሚንካ ኣብ ጽሑፍካ ኣስፊርካዮ ።እዚ ካብ ተቐበልካ በቲ ስሪዒታዊ መስኖታቱ ኣቢልካ ዕድመ ከተቕርብ ዝሓሸን ዝቐለለን ነይሩ እብል። ነዚ ሰጊርካ ግን ብተነጽሎ መራሕቲ ውድባት ክትዕድም ከም ዝፈተንካ ጽሑፍካ የብርህ። ኣብዚ’ውን እንተኾነ ዘይተማለአ ኣተዓዳድማ ምዃኑ እየ ተረዲአ። ካብ ኩሉ ዘገረመንን ክርዳኣኒ ዘይካኣለን ካባኻ መልሲ ዝጽበየሉን ከኣ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ኣብ መስመሪ ጉባኤኡ መብዝሕተአን ውድባት ዝተሳተፎኦን ናይ ደገፍ ቃለን ዘስማዓሉን ዕዉት መስመሪ ጉባኤና ረሲዕካ ነተን ምኢንቲ ድሕነት ሃገረን ህዝቢን ሕድገታት ገርና ዝነበረ መጸወዒ ዉድባት ኣስማት ናብ ናይ ታሪኻዊ ሳንዱቕ ዓጺና (ወይ ከም ታረኽ መጸዊዒ ገዲፍና) ሓደ ፕሮግራም ሓደ መረሕነት ሓደ መሰረት ብምቛም ሕጋዊ ዉድብ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ዝመስረትና። ዶክቶር ዶክቶር ዶክቶር ነዚ ኣይትፈልጥን ማለት ድዩ? ወይስ ንስኻ ዘይባረኽካዮ ስምረት ቅቡል ኣይኮንን ማለት እዩ? ነቲ ንታሪኽ ኣብ ሳንዱቕ ዝዓጸናዮ መጸውዒ ኣስማት ውድባት ኣውጺእካ ነቲ ውድባዊ መጸዊዒና ስም ኣብ ሳንዱቕ ብምዕጻው ንመረሕነት ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ብናይ ሕሉፍ ታሪኻዊ መጸወዒ ንክትጽውዖም ዝተገደድካሉ ምኽንያት እንታይ እዩ? ዶክቶር በየነ ኣቦ መንበር ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ድኣ ምበር ነተ ንስኻ ናይዘየሎ ውድብ ዝሰየምካዮ ኣቦ መንበር ኣይኮነን። ብርሃነ ሃንጀማ’ውን እንተኾነ ናይቲ ዝ ዓደምካዮ ውድብ ኣቦ መንበር ከምዘይኮነ ትፈልጥ ኢኻ ይመስለኒ እንታይ ድኣዩ ጉዱ ብጉዳይ ስምረትን ድሕነት ህዝብን ትግደስ ኢና ዝመስለና ነይሩ ናይ ዝሰመራ ውድባት ናይ ስምረተን ካባ ንኽትቅንጥጥ መን ስልጣን ሃበካ? መልሲ ካባኻ …..
ክፍልዝጊ ገብረመድህን ኣባል ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዋሽንግቶን ዲሲ 5 \30 / 07 |
||
|
DISCLAIMER: The author/s contributed for this article/opinion and is/are solely responsible for its contents
Contact Us at: webmaster@nharnet.com |
||
|
|