Nharnet Articles/Opinions

     

        

 ምእንቲ ህዝብኹም ሕሰቡ

   

መንእሰያት ንዑ ሕሰቡ

ምስ ዓቢን ንእሽቶን ተላዘቡ

ምስቶም አብ ጸገም ዝገደፍኩምዎም ተራኸቡ

ሕተትዎም ድሕረኹም እንታይ ከም ዝሓስቡ

 

ተመሊስኩም ከምኡ ከይትረኽቡ

ሽገር ከይጸንሓኩም ተደሪቡ

በዚ ዘሎ ሽግር ብዕምቆት ሕሰቡ

አብ ዘዘለኹሞ ተላዘቡ

ሃገር በጺሓ ኢያ አፈርክቡ

ብዝጠፋእኩምዎ ከይትዓርቡ

ጥምየት ሳዕሪሩ አሎ ዘየላቡ

ሕማም በዚሑ አሎ ዘየላቡ

ንሃቡ ክብሉኹም ድሕሬኹም ዝስዕቡ

ንገርዎም ሳንቲም ከምዘይትቡ

ክጅምሩ ዝሓይሽ ክሓስቡ

ንግናይ አውሪዶም ጥዑይ ከደይቡ

ንሰላም ክጽዕሩ ሰላም ንኽረኽቡ

ዘይሓስብ የለን ንመኽሰቡ

መፍትሒ ክደልዩ ኢዮም ዓቕሊ ምስ አጽበቡ

ምእሳር የቋርጹ ኢዮም ህዝቢ ንኽኸስቡ

ሽዑ ወለድኹም ዝሓይሽ ይረኽቡ

ህዝብና ይነብር ተላዚቡ

 

ምእንታኹም ሓሊፎም ጀጋኑ

ቅያ ሰሪሖም ህዝብና ከቕስኑ

እቲ ዝድለ ናጽነት ክውን ኮይኑ

እንታይ ኮይኑ ኩሉ ትሃኒኑ

ሂወት ተኸፊሉ ከይነብር ደኒኑ

ግን አብ ክንዲ ዝሕጎስ ሕዙን ኮይኑ

ጠላማት ሕድሪ በጃኹም ይኹኑ

ነገር ሓላሊኾም ከይትቐስኑ

 

ስልጣን ዓዲሎም ንዘይጠቕሙ

ሓኪም ከየርአዩ ብሕሙሙ

የጥፍአ አሎ ሃገር ለኻኺሙ

ፈንፊኑና ዓለም ብዓለሙ

ዶብ ሰጊሩ ንኹሉ አሕሚሙ

ምብታን ስርሑ ከም ጻሕታሪት ድሙ

ካብ ሎሚ ሕሰቡ ብሃገር ትሓሙ

ስምዒት መንእሰይ እንድሕሪ ቅሂሙ

ክተርፍ ኢዩ ሃገርና ባዲሙ

 

 

ንበራበር ንፍጠር ሓዲሽ ሐይሊ

ነናዲ መንእሰይ ስልጣን ተቐባሊ

ፍትሓዊ ዝኾነ ንህዝቡ ዝሓሊ

ስልጣን ዝቆራቖስ ንነብሰይ ብሃሊ

ንኸላግጸልካ አየድልን ዓቕሊ

ተንኮሉ ፈሊጥካ ስጎጎ ብዕሊ

አስላማይ_ክስታናይ_ተቃለሱ                                                       

ንሽግርኩም ባዕልኹም ፈውሱ

ብስምምዕ ሓርነት አውሐሱ            

አለልዩዎ ናብ ስርዓት ዝሕሱ

ብሰላም ክንነብር ኢና እንተልጊሱ

 

ክብርን ዝኽርን ንስዉአትና

ዓወት ክአ ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝብና

 

በላይ ምስፍን ጀርመን

ግንቦት 06.05.07


DISCLAIMER:  The author/s  contributed  for this article/opinion and is/are solely responsible for its contents


 

Contact Us at:   webmaster@nharnet.com