|
ስለ-ምንታይ እዩ ናይ “ኪዳን” ዉዕል ኣብ ተግባር ክስረሓሉ ዘየኽኣለ?
ነጸረ ተወልደመድህን … ለንደን … ዕለት፡ 21-05-2007
ግርም ሕቶ -
ንሃገራዉን ፍሉይን ተመክሮኣዊ ተንከፍ ጉዳይት ኣዕዚዙ ዘለሊ ብቑዕ ጽብጽብ ክትገብረሉ ኣገዳስን ኣድላይን ስለ
ዝኾነ፣ ካብ ስምዒታዊ ኮነ ቃሕታዊ ተበግሶ ተፋቲሕካ ክረኤ ዘለዎ እዩ። ንስለ ዝኾነ እምበኣር ካብቲ ዕዙዝ ሃብታም
ተመክሮና ጥንቁር ጥንቁር ኣቢለ፡ ከም መበገሲ ዝርርብና፡ ገለ ሕቶታት ፈይ ከብለልኩም ይሓይሽ ብማለት እነሆ፡-
-
ምሕዝነት
ደሓር ከኣ “ኪዳን” ክትምስረት እንከላ ካብ ሃገራዊ ተጽዕኖኣዊ ሓላፍነት ዝተበገሰ ኣይነበረን ዶኾን ይኸዉን?
-
ኣበጋግሳኡን
ቅርጻኡን ብተጽዕኖ ወጻእተኛታት ዝተበገሰ እንተ ኾነ ኸ? ንሃገረ ኤርትራዊ ረብሓ ብካላኣይ ደረጃ ዝሰርዔ
ዶኾን ክኸዉን ይኽእል?
-
እዚ እንተ
ዘይ-ኮይኑ ኸ? መሰረታዊ ትሕዝቶ ትርጉም ዝምድና ወይ ከኣ ምምሕዛዉ ብጌጋ ዶኾን ተዓቂኑ፡ ክበሃል ይከኣል?
-
ንዉሱን
መድረኽ ይኹን ንፍጹም ምትሕንፋጽ ዝግበር ቃል-ኪዳናዊ ዝምድና መለክዒ ሚዛናት
ናይ ሓባር ረብሓ ዘረጋገጸ
ዝተሓቱ
ወይ ከኣ ብኣንጻሩ ዝለዓሉ
ነጥብታት ዘስፈረ ናይ ስራሕ ዉዕል እዩ። “ኪዳን” ከ? ነዚ ናይ ቃልሲ ዝምድና ዓይነታት
ብንጹር ኣለልዩ ዉዕላቱ ዘጽደቐ ድዩ ነይሩ?
-
እንተ
ዘይ-ነይሩ ኸ? እቲ ዝነበረ ናይ “ኪዳን” ዝምድና፡ እንታይ ዓይነት ዝምድና ነይሩ ክበሃል ይከኣል?
-
ዓንቀጻት
3ን፡ 4ን ድሕሪ “ኪዳን” ምፍጣራ ኸኣ ዓንቀጻት 4ን፡ 5ን ተባሂለን ክስመያ ዝጸንሓ ዘይሰማምዑ የግዳ ኸኣ
ናይ “ምልጋሰን ሓሳብ ዝተሰማምዑ” ኣኼበኛታት፤ ዘልገሱወን ምኽንያት ንግዝየኡ ንስለ ዘየሳርሓ ድዩ ወይስ
ንዘላቒ ግዜ ንስለ ዘየነባብራ?
-
ንገለ
ዉድባት ብዕሊ ኣብ መትከላቶም ዝሰፈረ መቃለሲ መደባት፡ ንስለ ምጽሓፉ ደኣ’ምበር ንዕማማቶምን ናይ ርሑቕ
ጠመተኦምን ስለ ዘይዉክሉ ዶኾን ይኾኑ ምስ ካለኦት ሓቢርካ ናይ ምስራሕ ጸገማት ዝፈጠሩ?
-
“ኪዳን”
ናይ ነቐፌታ ምቕባልን ምዉሓጥን ዓቕማ ምስ ነፍሰ ምትእምማና ዝተኣሳሰረ ምንባሩ ርጉጽ እዩ። ሓደጋታታ
ብንግሆኡ ንዘለለዩ ዜጋታት፡ ሓቁ-ሓቁ ከብርሁ ምስ ጀመሩ “ናይ
ተቓዉሞ ተቓዉሞ፡ መሻርኽቲ መንግስቲ ኤርትራ” ብዝብል ታሪኽ ዘይ-ተወከሰ ሕጽረተ-ተመክሮ
ዝጋረዶ፡ ዘይ-ለባም ቀንጻሊ ወፍሪ ኣብ ምክያድ - ንባዕላ
ኮነት ነዓዓ ብዘገልግላ ጡርጡራት ዌብ-ሳይታት - ተጸምደት። ንምዃኑ ግዳ ካልእ እንታይ
ስራሕ ከ ነይሩዋ። ሓላፍነት ናይ በዓል-ቅኑዕ ዉራይ ነይሩ እንተ ዝኸዉንሲ ብኸመይ ኮን ምተኣልየ?
-
ንምንታይ
ኮን ትኸዉን “ኪዳን” ወላ ነታ ከም ኣብ ሸሓኒ ዝተቐረበ መግቢ፡ ብዴሞክራስያዊ ማሕበር መንእሰይ ዝተመጽወተላ
ሰፊሕ ናይ ካስል ፈስቲቫል፡ ከተማእክላ ዘይበቕዔት?
-
ንሕና
ንበዝሕ ንስኹም’ባ ትዉሕዱ ብዝዓይነቱ ዘይብሱል ዓምባስ ፖሊቲካዊ ርትዒ፡ ናይ ምሕዝነት ጠባይ ዝሰሓተ፡ ከም
ቀንዲ ምኽንያታቱ ወሲዱ ዝሸፈተ “ብሎክ” ምስ ክዉንነት
(ዉድዕነት) ተዓሪቑ ብቑዕ፡ ፍትሓዉን ተኸባባርን ዝምድና ክገብር ዶ ይኽእል?
-
እንታይ እዩ
እቲ ከም ምርጫ ተሪፉ ዘሎ? ብብቕዓት ዴሞክራስያዊ መተካእታ ኴንካ ምቕራብ ዶ ወይስ ኣብ ዕንይንይ ናይ
መጸዊዒኻ ስም ጥምቀት ተጎልቢብካ “ንተቓዉሞ”
ከም ዉልቀ መንበሪ ምዉሳድ?
-
ጠለባት
ህዝቢ ኤርትራ ብጽፈት ኣጽኒዑን ነጺሩን ዝብገስ ሓይሊ፡ ሃለዋቱን እዋናዊ ዓቕሙን ብዘየገድስ ኣብ ዝሓጸረ ግዜ
ህዝቡ ማእኪሉን ኣኪቡን ዓዋት ከጎናጽፍ ከም ዝኽእል ዘጠራጥር ክህሉ የብሉን።
እቶም ክፈናቕሉዎን ክፍንጥሑዎን ዝህቅኑ፡ ሃለዋቱን ባህሉን ስለ
ዘይፈልጡዎ ናይ ባዕዲ ሃገር ብዘቕረበሎም ጸጋ፡ ጣዕምን ሓድሽ ባህልን እዮም ዘመዛዝንዎ ዘሎዉ።
እሞኸ ኣብ ህዝብና እምነት ምንባር ዶ ኣይምሓሸን?
-
ድምጽኻ
ኣይተሓባእ ዉጹዕ ህዝብን መሰረታት ዉድባትን ድምጽኻ ሃብ። እምባሕ እስከ በል ጸላእትኻ ክብህርሩ። ብዘይካ
ፍቓድካን ተሳትፎኻን ዝትግበር ነገራት ከ ኣሎ ድዩ?
ፍትሓዊ ንጹርን ጽኑዕን መንገዲ ዘይሓዘ፡ ህዝባዊ ደገፌታ ኮነ ህዝባዊ ዉክልና፡ ከመዝግብ ኣይክኣልን እዩ። ኣብ
ቅድሚ እዚ ህዝቢ ዝጸንሕ ከኣ ወይልኡ!!!
ክብርን ዝኽርን ንስዉኣትና ! ! !
ናይ’ዚ ደራሲ ሚዛን እንተ ተደልዩ - ኣብ ዝሓለፈ ሕታሙ ናይ ዕለት 17-04-07
“እንታይ ኮን ’ዩ ዝድለ ዘሎ ? ? ?”
ተወከሱ/ሳ።
|