|
ድምጺ
ዲሞክራስያዊት ኤርትራ ኣህጉራዊ ፈነዋ ራድዮን ብጻይ ተስፋይ ወልደሚካኤል ምክትል ኣቦ-መንበር ፍጻሚ ሽማግለ ናይ
ተ.ሓ.ኤ.ሰውራዊ ባይቶን
ምምሕዳር
ድምጺ ዲሞክራስያዊት ኤርትራ ኣህጉራዊ ፈነዋ ራድዮ ኣብ ዕለት 28 ጉንበት 2007 ምስ ብጻይ ተስፋይ ወልደሚካኤል
ተራኺቦም ብዛዕባ ምቛም ሰልፊ ንዝምልከት እዚ ዝስዕብ ኣብ ታሕቲ ሰፊሩ ዘሎ ኣገዳሲ ቃለ-ማሕተት ኣካይዳ ነይራ።
ንዝተዋህበ መብርህን ሓበሬታን ንምክትታል ቀዳማይ ክፋሉ ኣብ ናይ ዕለት 31.05.2007 ፈነዋ ኣብ ንሓርነት.ካም
ክትከታተሉ ይካኣልዩ።
ዝርዝር
ዝቐረበ ሕቶታት
1.
ሰውራዊ ባይቶ ኣብዚ እዋንዚ ናብ ሰልፊ ንምቕያር ዘብጽሖ መሰረታዊ መንቀሊ ናይቲ ውሳኔ እንታይ ከምዝኾነ ክትሕብረና
ምኻኣልካ ዶ?
2.
ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ሰውራዊ ባይቶ ንዘለዎ ግንባራዊ ውደባ ናብ ሰልፊ ብምቕያር ከረጋግጾ ዝኽእል ዓይነታዊ ለውጢ
ክሳብ ክንደይ ኢዩ ክህሉ ዝኽእል ኢልካ ዝግመት?
3.
ብጻይ ተስፋይ ውድብና ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ሰውራዊ ባይቶ ናብ ሰልፊ ናይ ምቕያሩ ውሳኔ ከምዘሎስ ፈሊጥና፡ ንስኻ
ኣቦ-መንበር ናይተን ናይ ድህሰሳን መጽናዕትን ሽማግለታት ከም ምዃንካ መጠን ክሳብ ሕጂ ዝተበጽሐ ከይዲ ምሓበርካና
ዶ?
4.
ውድብና ናብ ሰልፊ ናይ ምቕያሩ ውሳኔ ጉባኤ ምዃኑ ተገንዚብና፡ ኩሉ ኣባል ነዚ ውሳኔዚ ክሳብ ክንደይ ዝቕበሎ
ይመስለካ? ግደ ኣባላት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ሰውራዊ ባይቶ ኣብ ምቛም ናይዚ ሰልፊ እንታይ ኢዩ ክኸውን ዝግባእ?
5.
ካብዚ ክትህቦ ዝጸናሕካ ምግለጺ ተበጊስና ክንርእዮ እንከለና፡ ኣብ ውድብና ሰልፊ ናይ ምቛም ኮነ ናብ ሰልፊ ናይ
ምቕያር ዘኽእለና ባይታ ኣሎ ማለት ድዩ?
6.
ተ.ሓ.ኤ. ሰውራዊ ባይቶ ምስተን ሓደን ተመሳሳልን ፖለቲካዊ መደብ ዕዮ ዘለወን ውድባት ናብ ምሉእ ሓድነት ክኣቱ
ከምዝኽእል ወሲኑ ኣሎ፡ ነዚ ዝምልከት ካብ ካልኦት ውድባት ኮነ ሰልፍታት ዝተዋህበ እወንታዊ መልስታት ኣሎ ዶ?
7. ገለ
ኣባላት ጀብሃ ነበር ነዚ ሕጂ ክምስረት ዝድለ ዘሎ ሰልፊ፡ ምስቲ ኣብ ጀብሃ ነይሩ ዝባሃልን ነበረያ ነበረ ዝኾነን
ናይ ዕዮ ሰልፊ ብምዝማድ፡ ሰውራዊ ባይቶ ነቲ ሕቡእ ዝነበረ ሰልፊ ሕጋውነት ንምልባስ እንተዘይኰይኑ ሓድሽ ሰልፊ
ከቕውም ስለዝደለየ ኣይኮነን ዝብል ብሂላት የልዕሉ ኢዮም። ነዚ ከመይ ትርእዮ?
8. እዚ
ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ብመጀመርታ ክውንነት ናይ ዕዮ ሰልፊ ኢዩ ክምዘን ዘለዎ ዝብል ምስምስ ዘቕርቡውን ኣለዉሞ፡ ኣብ
መንጎ ናይቲ ነይሩ ዝባሃል ዘሎ ስልፍን ብሕጂ ክቐውም ዝድለ ዘሎ ሰልፍን ክህሉ ዝኽእል ዝምድናን ፍልልይ እንታይ
ኢዩ?
9.
ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኢሳያስ ብግዲ ንህዝቢ ኣብ ህግዲፍ ንኽምዝገብ፤ እንተዘይተመዝጊቡውን ናይ መነባብሮ ውሕስነታት
ክረክብ ከምዘይኽእል ብተጽዕኖዩ ኣብ መዝገብ ከምዝኣቱ ገይሩ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኲነታት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ
ሰውራዊ ባይቶ ከመይ ገይሩ ኢዩ ናይ ህዝቢ ተቐባልነት ዘለዎ ሰልፊ ክምስርት ዝደሊ ዘሎ?
10.
ብመሰረቱ ድሕሪ 1981 ዓ.ም ነቲ ዝባሃል ዘሎ ሰልፊ ሓቚፋ ትኸይድ ዝነበረት ውድብ ተ.ሓ.ኤ ከም ሓንቲ ኣካል
ኣብዘይሃለወትሉ እዋን፡ ኣባላት ናይ ዕዮ ሰልፊውን ኣብ ኩለንተን ንተ.ሓ.ኤ ኣቚመን ዝነበራ ኣካላት ክርከቡ
ስለዝኽእሉ ኣብ ሓደ መኣዲ ኣምጺእካ ሚዛን ንክግበር ተኽእሎታት ምሃለወ ደኾን ይመስለካ?
11.
ኣባላት ናይ ዕዩ ሰልፊ ኣብዝተፈላለየ ውድባትን ካነ ውድባት ወጻእን ምህላዎምን፡ ኣብዚ እዋንዚ ብሓደ ተራኺብካ ናይ
ሓባር ሚዛን ክብጻሕ ከምዘይካኣልን ጠቒስካ። ኣብዝተፈላለያ ውድባት ካብዘለዉ ኣትዝክሮም ኣባላት ነበር ክትሕብረና
ፍቓደኛ ምዀንካ ዶ? እዚ ካብ ኮነ እቲ ኣተሃላልዋ ኣባላት ነበር ከ ስለምንታይ እዩ ደኣ ንተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ
ሰውራዊ ባይቶ ብናይ ዕዮ ሰልፊ ተሓታቲት ክጥቅንዋ ዝደልዩ?
12.
ብጻይ ተስፋይ፡ ኣብዘን ዝሓለፋ ኣዋርሕ ናብተን ምስ ሃገርና ብቐረባ ዝዳወባ ሃገራት በጻጺሕካ ምንባርካ ዝዝከርዩ፡
ኲነታት መነባብሮ ናይቲ ካብ ስርዓት ህግዲፍ ዘምልጥ ዘሎ ኤርትራዊ ዜጋ ኣብ ጐረባብቲ ሃገራት ከመይ ይመስል?
13.
ሕሰማት ስርዓት ህግዲፍ መሪርዎ ካብ ሃገሮም ሃጽ ኢሎም ጠፊኦም ኣብ ስደት ዝነብሩ ገለ ኤርትራውያን ተመሊሶም
ደገፍቲ ናይቲ ስርዓት ክዀኑ እንከለዉስ ዝኾነ ሰብ ከመይ ክርድኦ ይኽእል ኢልካ ትግምት?
ብጻት
ተስፋይ፡ ንዘለካ ግዜ ኣመቓሪሕካ፡ ንዝቐረብናልካ ሕቶታት ኣገዳሲ መብርሂታትን ሓበሬታን ንዓናን ንተኻታተልቲ መደብና
ክትልግሰልና ፍቓደኛ ብምዃንካ፡ ብስምናን ተኸታተልቲ መደብ ድምጺ ዲሞክራስያዊት ኤርትራ ኣህጉራዊ ፈነዋን
ከነመስግናከ ንፈቱ፡ የቀንየልና ድማ።
ምምሕዳር ድምጺ ዲሞክራስያዊት ኤርትራ ኣህጉራዊ ፈነዋ።
|