ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን

ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ

 

 ዓርቢ ዕለት 25/05/2007 ናይ መንእሰያትን ደቂ-ኣንስትዮን ክለብ ኣብ ካርቱም ዴም ብዕሊ ተኸፊቱ።ኣብ’ዚ መዓልቲ’ዚ ንዝመጹ አጋይሽ ናይ ምሳሕ እንግዶት ተገይሩሎም።

ኣጋይሽ ካብ ሰልፊ ዲሞክራሲ ኤርትራ፣ ግምባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ፣ ኣልናሃዳ ፓርቲ፣ ማእከል ሶይራ ንሰብኣዊ መሰል፣ማእከል መጽናዕቲ ኤርትራ፣ ኣገልግሎት ማእከል ዜና ኤርትራ፣መርበብ ኢንተርነት ዖና፣ ማሕበር ተማሃሮ ኤርትራውያን ኣብ ሱዳን፣ጋልፍ ኒዩስ ኣጀንሲ፣ ጎሮባብቲ ሱዳናውያንን ኤርትራውያን መንእሰያትን ደቂ-ኣንስትዮን ተቐማጦ ካርቱም ተረኺቦም ነቲ ናይ መመረቕታ መዓልቲ አድሚቖም ውዒሎም።

እዚ መዓልቲ’ዚ ብኣጋጣሚ ምስ መዓልቲ ነጻነት 24 ግንቦት ተሰንዩ ስለዝወዓለ ኩሎም ዝተረኽቡ ኣጋይሽ ነንሓድሕዶም ናይ ዮሃና መልእኽትታት ክወሃሃቡን ንቤ/ጽሕፈት ተ.ሓ. ኤ/ሰውራዊ ባይቶ ከኣ ነዚ ዝኽፈት ናይ መንእሰያትን ደቂ-ኣንስትዮን ክለብ ሰናይ ትምኒቶም ክገልጹ ውዒሎም።  

 

   


Contact Us at:   webmaster@nharnet.com