Nharnet Articles/Opinions

     

       

ሓፈሻዊ ኣኼባ ንመንእሰያት

 

ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን

ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ

12.05.2007

 

ኣቦ መንበር ቤት ጽሕፈት ጕዳያት መንእሰያትን ደቂ ኣንስትዮን፡ ብጻይ መሓመድ ኣደም ኣርትዓን፤ ምኽትል ቤት ጽሕፈት ጕዳያት መንእሰያትን ደቂ ኣንስትዮን፡ ኣባል ሰውራዊ ባይቶን ብጻይ ጸጋይ መዝገበን፤ ኣብ ካርቱም ሓፈሻዊ ናይ መንእሰያት ኣኼባ ኣካይዶም።

 

ብጻይ መሓመድ ኣደም ኣርትዓ፡ ኣብ ኣኼባ ዝገለጾ ኣጀንዳታት ዝገለጾ ኣርእስትታት እዚ ዝስዕብ ነበረ።

 

  1. ህልዊ ኵነታት ኤርትራ ብሓፈሻ፡ ኵነታት ደምበ ተቓውሞ ድማ ብፍላይ፤

  2. ግደ መንእሰያት ኣብ መስርሕ ዲሞክራስያዊ ለውጢ፤

  3. ውድባዊ ኵነታት

 

ንህልዊ ኵነታት ኤርትራ ብዝምልከት፡ ብሰንኪ’ቲ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ዝኽተሎ ዘሎ ኣዕናውን ነጻግን ፖሊሲታት፡ ሃገርና ኣብ መዋጽኦ ዘይርከቦ ግሃነም እሳት ተሸሚማ ምህላዋን፥ ከም ውጽኢቱ ድማ ህዝብና ዘሕልፎ ዘሎ መዓልታዊ ስቅያት ብዝርዝር ገሊጹ። ከምኡ ውን፡ ንኵነታት ደምበ ተቓውሞ፡ ብፍላይ ድማ እቲ ኣብ ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ኣብ’ዚ መወዳእታ እዋን ዝተጋህደ ፍልልይ ኣመልኪቱ፡ ክልቲኡ ወገናት ናይ ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ሓቢሩ ክሰርሓሉ ዘኽእሎ ቅጥዒ ንምርካብ ልዝብ ክካየድ ኣድላዪ ምዃኑ ገሊጹ። ምኽንያቱ ድማ፡ ንሓባራዊ ዕላማታትን ረብሓታትን ዝቃለሱ ሓይልታት፡ ነቲ ወድዓዊ ሓቅታት ዕሽሽ ከይበሉ፡ ንፍልልያቶም ዘጻብብሉ መሳርሒ ልዝብ ስለዝዀነ ኢዩ ኢሉ።

 

ንግደ መንእሰያት ኣብ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ብዝምልከት ድማ፡ መንእሰያት ዝልለይሉ ቀንዲ መዐቀኒታት ግዙፍ ዓቕምታት፡ ሓያል ዝዀነ ባህጊ ናይ ነገራውን ሞራላውን ዕብየትን ኣብ ኵሉ መዳያት ናይ ህይወት ብብቕዓት ከዋስኦም ዝኽእል ስነፍልጠታውን ጕልበታውን ዓቕምታትን ስለዝውንኑ ኢዮም ክብል ኣስሚርሉ። መንእሰያት መጻኢ ተስፋን ቅሙጥ ሓይልን ህዝብናን፤ መሰረት ናይ ዝዀነ ይኹን ህንጸትን ኢዮም። ህላዌና ከም ህዝብን ሃገርን ኣብ መንጐ ናይ ዓለም መንግስታት ውን ብኦኦምን ንሶም ብዝፍጽምዎ ግስጋሴን ኢዩ ዝረጋገጽ። እዚ ድማ፡ ኣብ ነገራውን ስነ-ፍልጠታውን ውደባውን ብቕዓታቶምን መሃዚ ክእለታቶምን ተወፋይነቶም’ዩ ዝምርኰስ ኢሉ።

 

ስለ’ዚ ድማ’ዩ፡-

 

  1. ዝዀነ መንግስቲ፡ ዝተፈላለዩ ትካላት ኣብ ዝምስርተሉ እዋን፡ ንግደ መንእሰያት ቀዳምነት ዝህቦ፤

  2. ዝዀነ ፖለቲካዊ ሰልፊ፡ ንዝተፈላለዩ ትካላቱ ንምስናቕን፡ ንኣባላቱ ንምልዕዓልን ኣብ መንእሰያት ዝምርኰስ፤

  3. ኵሎም ንቓባዊ ማሕበራት፡ ኵነታት ናይ ስራሕ ንምምሕያሽን ነገራውን ሞራላውን መኽሰባት ንምርግጋጽን ንመንእሰያት ኣብ ልዕሊ ወነንቲ ኣብያተ-ዕዮታት ጸቕጥታት ንምግባር ዝጥቀምሎም፤

  4. ኵለን ናይ ባህሊ ማሕበራትን ናይ ምልመላን ስልጠናን ትካላትን ርእይቶታትን ንምስፋሕን ንምዝርጋሕን ኣብ መንእሰያት ዝምርኰሳ።

 

ስለ’ዚ ከኣ’ዩ፡ ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ፡ ተመሃሮን መንእሰያትን ናይ መጻኢና ተስፋ ኢዮም፤ ኣብ ህንጸት ሃገር ወሳኒ ተራ ዝጻወቱ ናይ ስነፍልጠትን ፖለቲካን ባህልን ካድራት ዘይነጽፍ ምንጪ ኢዮም፤ ንሕብረተ-ሰብ ዘሕድስን ህይወት ዝሰኵዕን ሓድሽ ደምን ሓድሽ ሓሳብን ዝውንን ሓይሊ’ዩ፡ ካብ ዝብል እምነት ተበጊሱ፡ መንእሰያት ክመጹኒ ካብ ዝጽበ፡ ኣነ ክኸዶምን  መዓልታዊ ሽግራቶም ክፈልጥን፡ ብጕዳያቶም ክግደስን ንርእይቶታቶም ክሰምዕን ኣሎኒ ኢሉ ወሲኑ ዝንቀሳቐስ ዘሎ ኢሉ። 


DISCLAIMER:  The author/s  contributed  for this article/opinion and is/are solely responsible for its contents


 

Contact Us at:   webmaster@nharnet.com