Nharnet Articles/Opinions

     

  

ብስራት ንህዝቢ ኤርትራ

 

ፐዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ

ኣብ መዓልቲ ናጽነት ንህዝቢ ከስምዖ ዘዳለኹሉ መደረ

 

 

ክቡር ህዝቢ ኤርትራ

ኣብ ውሽጥን ኣብ ዓለምን

 

እንቋዕ ናብ መበል 16 ልደት ዕዝዝቲ ዕለት ናጽነትና ኣብጽሓና። ንኹሎምቶም ምእንቲ’ዚ ጸጋ ሂወቶም ወፍዮም ክውንቲ ዝገበሩ ከኣ ሞሳን ሓበንን ይብጽሓዮም።

እዛ ሎሚ ንመበል 16 ግዜ ነብዕላ ዘለና መዓልቲ ናጽነት ክውንቲ ንምግባር ህዝቢ ኤርትራ ሰፍ ዘይብል ኩሉ ዚዓይነቱ መስዋእቲ ዝኸፈለላን፡ ኣነ ከም መራሒ፣ ከም ውድብ ድማ ህዝባዊ ግንባር ዘይሕለል ጻዕሪ ምግባርና  ይትረፍዶ ህዝቢ ኤርትራ ቶም ብግስ ከይበልና <ብስም ውድባት ዝግበር ሓሸውየ እይንፈቅድን ….>ኢልና ብግልጺ ነቲ ውሳኔና ምስስማዕናዮም ተሰናቢዶም ደገ ዝተርፉን  ንሳቶም ንባዕሎም  ,

<ተቓወምቲ ኢና ፣ንሰላምን ዲሞክራስን ፍትሕን ማዕርነትን ንቃለስ ኢና፣ ናጽነት ማለት ባንዴራ ምስቃል ጥራይ ኣይኮነን፣ ናጽነት ማለት ሕጋዊ ልኡላውነት ምርግጋጽ ጥራይ ኣይኮነን  ዘይተሸራረፈ ዘይተበታተኸ ሙሉእ መሰላት ህዝቢ እንኮላይ ዘረጋግጽን ብኹሉ መዳያት ናይዜጋታት ሂወት ምውሓስን ዘጠቓልል ፍጹም ሙሉእ ናጽነት ምርግጋጽ የድሊ>……ወዘተ ብምባል ዝዋራዘዩ።ንሕና ማለት ኣነ ከም ፕረዚደንት ቶምሒዶት መማኽርተይን መንግስቲን ባይቶን፡ <ሃሱሳት፣ሓሙሻይ መስርዕ፣ጃሃዳውያን፣ወያኔ ዝሰነዖም ባንቡላታት፡>ኢልና ዘጠመቅናዮም፡እኽብካብ ጀብሃን ካብ ህዝባዊገንባር ዘርጠብጠብ ዝበሉን ካብ ህግደፍ ዝሃደሙ ኩሎም ከይተርፉ ብግልጺ ከምዝእውጅዎ ምእንቲ ናጽነት ዘልዓልናዮ ኣጃም ኣሞጊሶም ንታሪኽ ብኽብሪ ክዝክርዎ ከምዝነብሩ ምምስካሮም ናይ ብሓቂ ኣወንታዊን ንሕና ኤርትራውያን ከም ደቂ ሓንቲ ሃገር ኣብ ጉዳይ ናጽነት ሓደ ዝገብረናን ዘሰማማዓናን ነጥቢ ብምዃኑ ጎሲኻዮ ክትሓልፍ ብሕልና ቅቡል ስለዘይከውን ብስም ኩሉ ዮሃና እነተብልኩ ጌጋ ኣይከውንን።

 

ብድሕሪ ምርግጋጽ ናጽነት ወይ ልኡላውነት ሃገረ ኤርትራ ንዘሎ ዕዳ ግን ተሰከምቱ ኣነ ከም ፕረዚደንት ቶም ሒዶት መማኽርተይ ሓዊስካ ከም መንግስትን ባይቶን ኴና ሃገርን ህዝብን ነማሓድር ዘለና ላዕለዎት ሰበስልጣን ህግደፍ ንሕና ኢና።

 

ዝኸበርኩምን

ዝኸበርክንን

 

እንታዩ እቲ ንስከሞ እዳ? ንዝብል ብዝርዝዝር ምርኣዩ ናይ ብሓቂ ኣገዳሲ’ዩ። ካብ ጽባሕ ናጽነት ጀሚርና ነዛ ሃገር’ዚኣ ከም ሲንጋፑር ክንገብራ ኢና ኢልና ድግዲጊት ዓጢቕና እጅገና ሰብሲብና ንስራህ ኢልና ኣዊጅና። እንተኾነ ግና እዘን ዝሓለፋ 16 ዓመታት ዝተጓዓዝናሉ መንገዲ ጉጉይ ነይሩ።ካብ መስመርና ወጺእና ናብ ሲንጋፑር ገጽና ንምርሽ ኣለና እናበልና ኣብ መወዳኣትኡ ኣብ ጫፍ ህልም ዝበለ ገደል ክንሕብኣሉን ክንምለሰሉን ሙውት እዋን ኣብዝኮነሉ ሰዓት በጺሕና። እብዚ ጉዕዞ’ዚ ኣቱም ሰባት መንገዲ ዳኣ ሲሒትና ከይንኸውን እምበርዶ ዛ ኮምፓስና ጥዕይቲያ ኣውቲስታና’ኸ? ኢሎም ዝተወከሱን ብኣግኡ ዝነቕሑ ብጾት ኣይተስእኑንን።ኣነ ፕረዚደንትን ሒዶት መማስጥርተይን ግና ኣይትታሃውኹ፣ከም ኣባጎብየ ሰለይ በሉ ከም ገመል ዘገም በሉ ደው ኣይትበሉ ሓደ ልቢ ሓደ ህርመት ዘምሩ በልናዮም መዓድናዮም።ንሳቶም ግን ኦሮማይ እንቂዶም ስለዝነበሩ ኣይፋሉን እግርን ከበሮን ኣይተሳነየን ጣቂዒት ንበይንዩ ዝጭድር ዘሎ ዕልልታውን ብምስትውዓል እይመስለናን ስምዒት የብዝሕ እሎ ኢሎም ቅኒት ክራሮም ኣብ ሓደልቢ ሓደ ህርመት ከምዘየላ ኣስሚዖምና።ንምንታይ? ስዕርት ኵናት ባድመ ኣብ ከብዶም እትዩ ብጋሂ ስለዝጠወፎም ኣዒንቶም ዓዊሮም መንግዲ ጠፍኦም።ከምቶም ናይ ደገ ሃሱሳሳት ኣብሰላምን ዲሞክራስን ቅዋም መርጫ ባይቶዶ እኼባዶ ኩሉ ገፈጥን ሩካን ሓሳባትን ተጠቂሊሎም ኣብኡ ዕንኪልል ናብዘብል ሽኩሽኳ ኣተው። ከይሓነኹ ወያነ  ኣጠላቂዮምና ኢሎም ክስወር ዝግብኦ ዓቢ ናይ ሃገር ሚስጢር ቶሮግ ኣቢሎም ሰብ ሓሞት ምዃኖም ከርእዩ ፈተኑ። ንቀላይ ትዕግስትና ተፈታተንዎ።ዝዘለቐ ስረናዶ ንስሓብ ጨሪስና ደርቢና ጥራይና ወጺእና መስሓቅ ለባት ንኹን? ኣብዝብል ዘዋጥር ናይ ሓቂ ባሕሪ ጢሒልና ትንፋስ ሓጺሩና። ካብዚ ጭንቀትዚ ንምግልጋል እክብ ኣቢልና ናቤት ማሕቡስ ደርበናዮም።ቶም መሳሰይቲ ናይዚ ውራይ’ዚ ኮይኖም ከበሮ ስሙዑልና ዘህንኑ ዝነበሩ ጋዜጠኛታትውን እሾኽ መንበርና ኮይኖም ኮፍ ምባል ከልኡና ንኣታቶምውን ምሰያታቶም ዳጎናዮምሞ ኡፈይ በልና።

 

እዚ ኩሉ ሓጥያትን ዕዳን ክንስከም ዘገደደና፡ መንገዲ ሲንጋፑር ብሰላም ብልምዓት ብዲሞክራሲ ክንሓስቦ ከለና እዝዩ ርሑቕ ኮይኑ ስለዝተራእየና። ኣነን መማኽርተይን ሓጺርን ኣቋራጭን ምንገዲ ደለናሞ፡ ካብ ጉይይ ምውዓል ክሳድ ምሓዝ ሓቂዩ ኢልና፡ የዒንትና ኣብ ኵናት ጠመተ። ንሓንሽ ሓጸናየን።ምትኹታኽ ጀመርናየን።የመናውያን ንሽውሃት ኵናትና ነቒሖምሉ ግዲ ኩልፍ ኣቢሎም ብሕጊ ኣዋጢሮም ሮማዕ ኣበሉና።ቀጸልና ናብ ሱዳንን ጁቡቲን፡ ኣየዋጽአን። ኣብ መወዳእታ ናብ ኢትዮጵያ ሰገርና ባድመ ወሪድና በል በልና። ጉዳይ ባድመ ጭራ ፈረስ ኣይትሓዝ እንተሒዝካ ኣይትስደደ ዚዓይነቱ መምለሲ ዘይብሉ ኮይኑ ከምዛ ገለ ክፋል ነብሳ ብመጻወዲያ ዝተታሓዘት ኣንጭዋ ውሪሕሪሕ እናበልና ክንዋሳወስ ኣጸጋሚ እብዝኮነ ታኬላ ተሸኺልና ተረፍና።ካብዚ ከምይ ንጋላገል? እዚ እቲ ናይ እእምሮ ጭንቀት ዝእተወልናን እንገብሮን ዘይንገብሮን እንሕዞን እንለቆን ኮታ ምስትውዓልና ዘምከነ ኣነን ሒዶት መማኽርተይን ኣንሰከሞ ዓቢ ዕዳ ኮይኑ ወረጠና። መርዓ ይትረፍክን ዓድክን ክረማ ምስላ ከሽካዕለልና ጀመረ።ሲንጋፑር ይትረፍ እታ ደርጊ ረጥሪጥዋ ዝሃደመ ሃገር ከምዝተረከብናያ ከምታ ዝነበረታ ንምጽናሓ ጋዶ ኮይኑና ንሳ ትዘጥጥ ንሕና ናይ ምስሓብ ሓይልና ተኾርሚሹ ከይንራከብ ተፈላለና። ጊዜ ብድሓኑ ኣጉባዕቢዕና ዘህደማናዮም ፈተውትና ገጾም ኣዚሮምልና በይንና ተነጺልና ብዘይሓጋዚ ሰማዒ ኣውያት ረዳኢ ጎረቤት ዘይብሉ ናይ ጽምዋ ደሴት ተደርበና። ምድሪ ምስ ጸልመተና። ሓንቲ ዕባራ ብልሓት ተረኽበት መሕደሪ ትንፋስ ምኳናዩ። መደብ ወፍሪ ዋርሳይ ይከኣሎ።እንሆ ኣብ ውሽጢ ዛ ዳስ ወፍሪ ዋርሳይ ይከእሎ ተሓቢእና ነዛ መዓልቲ ናጽነት እርኪብና ተመስገን።

 

ሎሚ ግና ቶም ኣቤት ማእሰርትና ደርቢና ዝረሳዕናዮም በብሓደ እናሞቱ ዕምርና ይሕጽሩዎ ኣለው።ሕጅስ መህደሚ የብልናን። ደቂ ዚጅግና ህዝቢ ከም ከልቢ ኣብፈቆዶ ሳሃራ ክድርበዩ ጌርናዮም ከምዘለና መኸወሊ ዝሳእናሉ ብጉሮሮና ሓኒቁ ዝሓዘና ሓቂዩ። ቶምካብ ኤርትራ ሃዲሞም ኣብ ሱዳን ኣብ ኢትዮጵያ ብስደት ዘለዉ በ10ተታት እሽሓት ዝቁጸሩ ዜጋታት ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ዝኮኑሉ በደል ምኽዋል ገመል ሰሪቕካ ጉንብሕብሕ ከምባል ዚዓይነቱ ስራ ዓዋን ኮይኑናሎ።

 

ስለዚ ሎሚ ኣብ’ዛ መዓልቲ ነጻነት ንእውጃ ክንዲ ፍረ ትኸውን ትርጉም ዘለዋ ንህዝቢ ባህ ተብል ቁምነገር የብልናን።ሎሚ ነላግበሉ ሰብ ይኹን ሃገር ሲኢና ኢና ንኹሎም ኣቐዲምና ኣረኻኪብናሎም ስለዝኾና። ድሕሪ ኣሜሪካሞ ንመን ክንከስስ በቃ ባዶ ተሪፍና ኩሉ ናይምስምስ ጠያይትና ወዲእና ኢደና ሂብና ኢና።

 

ሕጂ ክንብሎ ንኽእል እንተሎ ተጠላቒና ኢና ግብርና ኣጠላቒዩናዩ።በጃኹም ኣቤት ማሰርቲ ናይ ዝሞቱ ደቕኹም ሬሳታት ውሰዱላልና ድቃስ ከሊኦምና ከጸልሉናዮም ፍርሒ ኣብከብድና ኣትዩ ንሕቆን ኣለና በልባስን ብስልጣንን ዝተሸፈነ ግርማና ኣይትርኣዩ ውሽጥና ጓንጓ’ዩ። ኮረማምቱ ዝወደአ ኣንበሳ ኢና ኴና ዘለና።

ክቡራንን

ክቡራትን

ኣብ መወዳኣታ ከረጋግጸልኩም ዝግባእ ሓቂ

 

ናተይ ናይፕረዚደንትን ናይ ሒዶት መማኽረተይ ጉጅላዊ መንግስትን ባይቶን ነበረያ ነበረ ክኸውን ህላዌኡ ሎሚ መዓልቲ ኣብቂዑሎ።

 

እዚ እቲ ኣብዛ  ቶም ጀጋኑ ኤርትራውያን በጃ ዝኾኑላ መዓልቲ ናጽነት ዘስማዓኩም ዓቢ ብስራትዩ።

 

የቐንየለይ።  

24ጉንበት2007

 

ናብ ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ

ካብ ኣዶናይ ደሊና

 

 

      


DISCLAIMER:  The author/s  contributed  for this article/opinion and is/are solely responsible for its contents


 

Contact Us at:   webmaster@nharnet.com