|
||
|
|
||
|
ብርሃን ሓወይ ኣማን ብኣማን ጀብሃዊ!!! ቅድሚ ገለ መዓልታት ማለት ብዕለት 23-05-2007 ንግሆ ኣብ መርበብ ሓቤረታ ንሓርነት ምስ ኣቶኹ “ ተዘክሮታተይ ምስ ስውእ ገዲም ተጋዳላይ ሙስጥፋ ዓብዱ…….. ምስ ኣንበብኩ ብስንባደ ሓቂ ድዩ ንምርግጋጽ ንዘሎኒ መስኖታት ሓቲተ ምስ ኣረጋገጽኩ፡ ጥልቂ ሓዘን ክሳብ ሎሚ ኣደብዚዙኒ ኣብ ዓሚቊ ባሕሪ ሓሳብ ጥሒለ ኩሉ ተዘክሮታት እናረበጸኒ ቀንየ። ብዘየገድስ ሎሚ ዝኾነ ኤርትራዊ ኣበይናይ ፖሊቲካዊ ስርርዕ፡ ውድብ፡ ሰልፊ ዋላ እውን እተን ተቋወምቲ ኢና ኢለን ብትሕቲ ሃገራውነት ዝቆማ ሰልፍታት ወይ እውን ውድባት ኢና ዝብላ እውን ይሃሉ ወይ ይእመን፡ ኣብ ዘመነ ክፉት ዲሞክራሲ ስለ እንርከብ መሰል ናቲ ሰብን ወልቃዊ ኣረዳድኡን ስለ ዝኾነ ክሳብ ጊዜ መጺኡ ዘጻርዮ ኤርትርዊ ስሚዒት ስለ ዝኾነ ክትቅበሎ ትግደድ ኢኻ። ከም ሰብ ብፍላይ ኣብ ኩሉ ኤርትራዊ ዝርኤ ዘሎ ፖሊትካዊ ተጋላባጥነትን ሕልኩስኩስን ልሙድ ስለ ዘሎ ንገዳይም ተጋደልቲ ሓርበኛታት ከም ብዓል ስዉእ ሙስጣፋ ዓብዱ ብዘይ ሕብረተሰብኣዊ ክቡር ልምዲ ባህልና፡ ብናይዚ ጊዜ ዜናዊ መሳርሒ እውን ናይ መስዋእቱ መርድእ ወይ ቀብሪ ወይ ምስጋና ብዘይ ምውጽኡ ብሓቂ ዘተሓሳስብ እዩ። ከምዚ ናይ ሓው መሃመድ ብርሃን ነቲ መማዛዝንቲ ዘይብሉ ታሪኻዊ ቃልሲ ዘኪሩ ናይዚ ሓርበኛ ገዲም ጀብሃዊ ሙስጥፋ ዓብዱ ዝጸሓፎ ክብሪ ይሃቦ። ብርሃን ሓወይ ከምዚ ተበግሶ እዚ ደኺመ ከይበልካ ናይ ንግሆ ብጾትካ ታሪኾም ንህዝቢ ወስ ምባል ኣይትዘንግዕ ሓደራኻ። እንተ እተን ውድባት ናይ ተሓኤ ወይ ብቀረባ ምስኡ ዝተቃለሱን መቃልስቱ መባልዕቱ መሳትይቱ መተዓብይቱ ዝነበርኩም ማለት እቶም ሰማዕቲ ኣእዛንን፡ ተዛረብቲ ኣፍን፡ ረኣይቲ የዒንቲ ዘሎኩም ምስቃጥኩም፡ ግና ብሓቂ ካብ ሓደ ጥዑይ ጀብሃዊ እየ ዝብል ነዚ ክሕከክ ዘይኽእል ዝወረስናዮ ክቡር ለዋህ ምትሕልላይ ዝዓቤናሉ ስሚዒት ረሲዕኩም ብዘይምዝካርና ዓቢ ድኽመትን ብሓቂ ብታሪኽ ዘሕትት እዩ እንተበልኩ ኣየጋነንኩን። መላኺ ስርዓት ህግዲፍ ከኣ ከምኡ እዩ ዝደሊ። ብሓቂ ዘገርም እዩ እዚ ኣገባብ ምጥልላም ምርስሳዕ ታሪኽ ጀብሃ ምድምሳስ ናይዚ ሎሚ ንህዝብናን ሃገርናን ጨፍሊቁ ዝድህኽ ዘሎ መላኺ ስርዓት ኢሰባኣዊ ነውራም ኣገባብ ኮይኑ፡ ነቶም ንሃገር ነጻነት ንዑኡ እውን ኣብ ስልጣን ዘምጽኡ ጀጋኑ ተጋደልቲ ኣብ ኣየር ፖርት ናይ ኣስመራ ንካብ ወጻኢ ዝመጽእ ሬሳ ሰለስተ ኣፍደገ ማለት ናይ ሓርበኛ ናይ ዝኾብለሉ ናይ ዝሃደሙ…ወዘተ ታበላ ጌሩ ኣሎ፡ ንሱ ህግዲፍ እንተ ገበሮ ምስ ተግባሩን ልምዱን መግለጺኡን ስለ ዝኾነ ጸገም የብሉን፡ ንሕና እቶም ብሓባር ዝነበርና ጀብሃውያንን ሻዕብያውያንን ግና ክንጣለምን ቃልሲ ታሪኽ ብጾትና ክድምስስን ዓቢ ገበን እዩ ይብል። ግና ብዘየገድስ ኩሉ ዝተቃለስናዮ ኣብ ቅድሚ ሰፊሕ ህዝብናን ዓለምን ስለ ዝኾነ ዋላ እውን ንሕና ንድከም ወይ ህግዲፍ ክድምስሶ ይቃለስ፡ ብቅኑዕ ሓቅኛ ዕላማ ተሰሊፍና በብዓቅምና እውን ስለ ዝተሳተፍና ዝድምስሶ ሓይለ የለን ታሪኽ ኣይድምሰስን እዩ መሬት ባዕላ ተዘንቱ እያ። ስለዚ ብወገና ከም ዲ.ማ.መ.ኤ መሰረታት ተ.ሓ.ኤ.- ሰ.ባ. ንዕለት 26-05-2005 ናይ ሓዘን ተሳተፍትን ዝኽሪ እዚ ገዲም ስዉእ ተጋዳላይ ሙስጣፍ ዓብዱ ታሪኹን ፍሉይ መደብ ናይ ሬድዮ ጌርና ተፋኒኣንዮ። ንደቁን ብዓልቲ ቤቱን ሙሉእት ስድራኡን ጽንዓት ይሃብ፡ ንዑኡ ከኣ ነባሪ ክብርን ዕረፍትን ረቢ ይሃቦ። ጸሃየ ቀለታ ሽወደን |
||
|
DISCLAIMER: The author/s contributed for this article/opinion and is/are solely responsible for its contents
Contact Us at: webmaster@nharnet.com |
||
|
|