|
||
|
|
||
|
እወ ነጻነት ንዓኪ ብሂገ
ነጻነት ንዓኪ ብሂገ ብዙሕ ኮለል ኢለ ብክቱር ፍቅርኪ ዘይምሱል መሲለ ምእንታኪ ክብል ኩሉ እንተናይ ከፊለ ምስ ከርፋሕ ናብራ ኣብ ስንጭሮ ሰፊረ ናብ ሕቑፊ ገበል ተጎዝጒዘ ሓዲረ
ጥምየት ምስ ጽምኢ ከርተት ተጸሚመ ኣብ ሰንሰለት ጎቦታት ደመና ምስ ግመ ብቁሪ ኣሰሓይታ ከይበልኩ ሓሚመ ብድምጺ ሃውናት እዝነይ እናጸመመ ስምኪ ክጽዋዕ ኣብ ዓለም ክስመ
ጋህዲ ምስ ኮንኪ ዘሊለ ሓኒነ ባንዴራኪ ሰቐልኪ ኮሪዔ ተሓቢነ ዝወጻእኪ መሲሉኒ ካብቲ ጸልማት ድነ ገዝምኪ ምስ ተጨወየ ብሓቂ ሓዚነ ዕንክሊል ናብ ስደት ሰንፈላል ኮይነ
መሰለይ ተገፊፉ ፍቆድኡ ከዕነኒ ኣፈይ ተሎጒሙ ንብዓት ስዒሩኒ ግፍዒ ደቂ ሃገር ሳዕሪሩ በዚሑኒ ዓገብ እንተ በልኩ ብመቑሕ ተኣሲረ ከም ሓሰኻ ደንበ ናብ ጉድጓድ ሰፊረ
ብስም ኣገልግሎት ንዕንወት ተዋፊረ ቪላታት ክሰርሕ ጉልበተይ ዓቲረ ስድራይ ኣብ ጸበባ ኮይነዮም ነበረ ንባርነት ከገልግል መዓንጣይ ሓሪረ ንወራር ንህወከት ክንደይ ዶብ ሰጊረ
ኣየ ነጻነት ሃየንታ’ዩ ንዓኪ ካን ኣኪሉኪ ከምዚ ድኺ ኮንኪ ንውሑዳት ጠስሚ ንብዙሓት መርዚ ንዓይ ንዜጋኪ ተናካሲት ሕንዚ እሾክ ንጎረቤት ናይ ኲናት መዚ
ክሳብ መዓስ እሞ እቲ ናትኪ ምስጢር ብሕሉፍ ዓወትኪ እናተዓሻሸኩ ክነብር ብናይ ቀደም ቅያኪ ዓዊረ ክሰክር ገነት ንጉሓላሉ ንህዝባ ግን ኣበር ሎምስ ይኣኽለኒ ካብ ዘይኮንኪ ማእገር
ዘበት ካብ ኮንኪ ስማዊ ነጻነት መጋርያ ግፍዕታት ንውጹዓት ኣውያት ጌና ኢየ ክናድያ ነታ ሓቀኛ ሓርነት ምዩቕ ዘይብሉላ ኩሎም ዜጋታት ክትዕንብብ ኤርትራ ብሕብረ ሰልፍታት
ብዘመን ወዲ ሳሕል
|
||
|
DISCLAIMER: The author/s contributed for this article/opinion and is/are solely responsible for its contents
Contact Us at: webmaster@nharnet.com |
||
|
|