Nharnet Articles/Opinions

     

   

               ኣባኽዩና!

                 ብሚካኤል ኣጎስቲኖ/ጀመርን

                    23 ጥቅምቲ 2007

 

ኣብ 2002 ዓ.ም. ዉድባትን ሰልፍታትን ዝባራበራሉ ዝነበራ ከምኡዉን በርገሳዊ ማሕበራት ዝቃላቀላሉ ዝነበራ ጊዜ ኾይኑ፣ ዕላማኤን’ዉን  ሃገርና ብቕዋም ክትማሓደር ኣለዋ፣ ኡሱራትና ይፈትሑ፣ ዲክታተርነት የብቅዕ፣ ዝብል ጎስጛስ ኣብ ዝገብራሉ ዝነበራ፣ ብመንጸሩ  ኣባላት ህግደፍ  ካብ ሽወደን ዝነቐለ ብዶ/ር ሙስየ ምስግና ዝምራሕ፣ ኣንጻር እዚ ኣብ ላዕሊ ጠቂሰዮ ዘለኹ መኸተ ብዝብል ኣዋፊሩ ኣብ ስቱትጋርትን ፍራንክፎርትን ክጭራሕ ከም ዝዋዓሉ ዝዝከር ኮይኑ ጥራይ እቲ ፍልልዩ ከምቲ ናይ መንግስቱ ሃይለማርያም ጥርሙዝ ደም መሊኦም  ዘይሰበሩ ድኣ ኮይኖም’በር  እቲ ጃህራስ ልክዕ ቅምጥ ኣቢልካ ከምኡ እዩ ነይሩ፣ ኮይኑ ግን ዉልዕ ኢሉ ሽዑ ሽዑ ከም ዝፈሸለ እቲ በብእዋኑ ዝካታተል ዝነበረ ህሉዉ ኩነታት ኤርትራ ዝስሕቶ ኣይመስለንን፣

 

 ናይዚ መንቀሊ  ብፍላይ ኣብ ስቱትጋርት ብበርገሳዊ ማሕበር ንተጋዳላይ መስፍን ሓጎስ ንሰሚናር ንመጀመርያ ጊዜ  ኣብ ዝተገብረሉ ዕድመ፣ ኣባላት ህግደፍ ባሓቂ ኣጉሪዖም ኣጉሪዖም 44 ምስ ተሸረጡ፣  ስጋዕ እዛ ዕለት እዚኣ ማለት ድሕሪ ኣርባዕተ ዓመት ድሃዮም ኣስጢሞም  ብምጽናሕ፣ ሎሚ ሕማሞም ጀሚርዎም ብዕለት 7.10.2007 ኣብ ስቱትጋርት ቀዳማይ መልቀስ ደምዲሞም፣ ካላኣይ መልቀስ ካአ ንዕለት 3.11.2007 ኣብ ፍራንክፎርት ንመልቀስ ክርኩቡ ይሻባሸቡ  ከም ዘለዉ ንኹሉ ብሩህ እዩ፣

 

ናይ ሎሚ መንቀሊ ኻኣ  ኣብ ዝሓለፈ ኣብ ጎፒንገን ዝተገብረ ምሸታዊ ባዓል ኩለን ዉድባትን ሰልፍታትን በርገሳዊ ማሕበራትን ከምኡዉን ኣባላት ህግደፍ ዝተኻፈልዎ  ኮይኑ፣ እንተኾነ ግን ኣብዛ ምሸት እዚኣ  ኣባላት ህግደፍ ቀርኖም ተወቒዖም ሰላሕ ኢሎም ስለ ዝወጹ ዉዕል ሕድር ከይበሉ  ሽዑ ምሸት ነዚ ከባቢ ስቱትጋርድ ዝርከቡ ኣባላት ህግደፍ፣ ማሕበር ደቅንስትዮ፣ ማሓበረ ኮም ኣብ ሰሙኑ ህጹጽ መጸዋዕታ ገበሩ፣ ሰንበት ማዓልቲ እያ ዝነበረት፣ ንዑ ኣባኽዩና ኢሎም ነታ ልቢ ህግደፋዉያን ኣብ ክልተ ተመቂላ ዘላ ብኢድ ተጫባቢጥካ ክትክእዋ ያኢ ክጭድሩ ዊዒሎም፣እቲ ኣብኡ ዝተኻፈለ ኻኣ ብተለፎን እናገበርካ ሓደ ክተርፍ የብሉን ምስ ዝተርፍ ስጉምቲ ክዉሰደሉ ኢልካ እናፈራራሕካ ጎስጛስ እዩ ዝነበረ፣ ህዝበይ ካኣ ሸሽግራ ኣብ ልባ ገይራ ከም ዝተኻፈለት ይሕበር፣

 

 ብሓቂ እዝኦምሲ ይሓስቡ ድዩም ቢልካ’ ዉን ጋን ይሰርሓካ፣  ብጀካ እቶም ናይ ጁባ ዝረኽቡ፣ ሃገርና ሎሚ ኣብዚ ዘላቶ እዋን ኣብ ዓዘቅቲ ተሸሚማ እንሃለወት ከላ ብዛዕባ ሃገር ኣይተልዕሉ ቢሎም ኣድማ ክገብሩ ከለዉ ኣንታ እዚኣቶምሲ ኤርትራዉያን ዲዮም ቢልካ ኣብ ጥርጣረ ትኣቱ፣ ካልእ ይትረፍ ናይ ትማሊ ተሮኽቦታት ማላት ሓለዉቲ ሃገር እሞ ናይ ጀነራል ኮለነል ማዓርግ ዘለዉዎም፣ ብናይ ብሕቲ ዉልቆም ነንሕድሕዶም ክጣፍኡ ከለዉ ፣ እዛ ሃገር ናበይ ተምርሕ ከም ዘላ ከም ጻሓይ ቀትሪ ብሩህ እዩ ፣ ስለዚ ነዚ ንጹርን ሓቂ ኣብ ባይታ ተሰጢሑ ዘሎ ኣሉ ኢልካ ተጫባቢጥካ ዘይኮነ ተሓቛቒፍካ ኣየድሕንን እዩ፣ እንታይ ዳአ እቲ ህልዉ ኩነታት ኣልዒልካ ሓደ ከይሓባእካ መፍቲሒ ክተናድየሉ እዩ ዝግባእ፣ ኣብ ዘተ ምስ ትኣቱ እዩ መድሕን ሃገርና እንበር ፣ ንዑ ኣባኽዩና መፍትሒ ኣይከዉንን ፣ ስለዚ ስርዓት ህግደፍ ኣኺልዎ እዩ መላሲ የብሉን ንጥፍኣቱ እዩ እሞ  እቶም ነዚ ስርዓት ኣብ ምዕራቡ ደዉ ክተብልዎ ትሓስቡ ዘለኹም  ንተግባራትኩም ዳግማይ ሪኢቶ እንተገበርኩምሉ ጽቡቅ  እንተደይኮነ ግን ታሪኽ ክሓተኩም እዩ፣

 ዓወት ንህዝብና

ዉድቀት ንስርዓት ህግደፍ


DISCLAIMER:  The author/s  contributed  for this article/opinion and is/are solely responsible for its contents


 

Contact Us at:   webmaster@nharnet.com