|
ኣቦ መንበር ዝርከቦም ኣባላት መሪሕነት
ምስ መሰረታት ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ ኣብ
ኣዲስ ኣበባ ኣገዳሲ ኣኼባ ኣካይዶም
ቤት ጽሐፍት ዜናን ባህልን
ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ
28.10.2007

ብጻይ ኣቦ መበር ፈጻሚት ሽማግለ
ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ሰውራዊ ባይቶ ዝርከቦም ላዕለዎት መራሕቲ ውድብ ብ28 ጥቅምቲ 2007 ኣብ ቤት ጽሕፈት
ኣዲስ ኣበባ ምስ መሰረታት ነዊሕ ሰዓታት ዝወሰደ ኣኼባ ኣካይዶም።
ኣብዚ ኣኼባ ብጻይ ወልደየሱ ዓማር ኣብ
ዘስመዖ ቃል ሎሚ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት ብሓፈሻ ኣዝዩ ከም ዝተሓሳስብ ጠቒሱ ብፍላይ ኣብ ልዕሊ መንእሰያት
ዘጋጥም ዘሎ ጸገማት ብኣግኡ እተዘይተቐይሩ ናብ ዝኸፈአ ክምዕብል ከም ዝኽእል ሓቢሩ። ብጻይ ወልደየሱ ናይ
መንእሰያት ካብ ቃልሲ ምብኳር ኣዝዩ ሃሳዪ ምዃኑ ምስ ጠቐሰ፡ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ሰውራዊ ባይቶ ኤርትራውያን
መንእሰያት ካብዚ ኣጋጢምዎም ዘሎ ኩነታት ወጺኦም ኣብቲ ንቡር ለውጢ ናይ ምምጻእ መሪሕ ኮይኖም ከም ዝዋስኡ
ንምኽእል ሰውራዊ ባይቶ ከይሰልከየ ከም ዝሰርሕ ገሊጹ። ንሱ ምስዚ ኣተሓሒዙ መሪሕነት ውድብ ኣብዚ ዝሓለፈ መዓልታት
ብሓፈሻ ኣብ ኢትዮጵያ ብፍላይ ድማ ኣብ ክልላዊ ብሔራዊ መንግስቲ ትግራይ ዘካዮ ዑደትን ዘሰላሰሎ ኣኼባታትን ዕዉት
ከም ዝነብረ ኣብሪሁ። ብዘይካዚ ኣብ ኢትዮጵያ ንዘለዉ ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ መላእ ዓለም ብዛዕባ ዘለዉ ኤርትራውያን
ስደተኛታት ናይ ሰውራዊ ባይቶ ኣጀንዳ ኮይኑ ከም ዝቕጽል ሃቢሩ።
ብዘይካ'ዚ ብጻይ ወልደየሱስ ኣብ
ኢትዮጵያ ዘለዉ ኤርትራውያን ኣብ ናይ ለውጢ ቃልሲ ክሳተፍሉ ብዛዕባ ዝኽእሉሉ ኩነታት፡ ኣብ መላእ ዓለም ዘለዉ
ኤርራውያን ኣንጻር ስርዓት ህግደፍ ዘካይድዎ ዘለዉ ጽዑቕ ቃልሲ፡ ኤርትራዊ ደንብ ተቓውሞ ብሓፈሻ ብፍላይ ድማ
ኤርትራዊ ደሞክራሲያዊ ኪዳን ኣብ ጥጡሕ ባይታ ተመስሪቱ ዘተኣማምን መተካእታ ከም ዝኸውን ንምግባር ዝግበር ዘሎ
ጻዕርን ንመስርሕ ምምስራት ሰፊሕ ዝመሰረቱ ሰልፊ ንምዕዋት ካብ ኣባላት ሰውራዊ ባይቶ ትጽቢት ዝገብረሉ ቃልስን
ብዝምልከት መበገሲ መብርሂ ሂቡ። ተመሳሳሊ ርኢቶ ዘለዎም ውድባት ዝያዳ ክቀራረቡ ኣለዎ ዝብል እምንቶ ሰውራዊ ባይቶ
ቀጻሊ ምዃኑ'ውን ብሰፊሑ ገሊጽዎ።

ብጻይ ተስፋይ ወልደሚካኤል (ደጊጋ)
ምክትል ኣቦ መምበር ውድብ ብወገኑ ብሓፈሻ ንመጻኢ መደባት ውድብ ብፍላይ ድማ ንመስርሕ ምምስራት ሰፊሕ ዝመሰረቱ
ሰልፊ ብዝምልከት ዝርዝር መብርሂ ሂሙ። ብጻይ ተስፋይ ኣብዚ መብርሂኡ ፍጹምነት ዝበሃል'ኳ እተዘየለ ክሳብ ሕጂ ኣብ
ዝነበሩ ምዕራፋት ምምስራት ሰልፊ ውጽኢቱ ዕዉት ምንባሩ ጠቒሱ። ንሱ ብደረጃ ውድብ ኣብቲ መስርሕ ምሳና ክሳተፍ
ዝወሰነ'ኳ እንተዘየለ ብዙሓት ካብ ቃልሲ በዂሮም ዝነብሩ ኤርትራውያን ኣብዚ ዝምስረት ሰልፊ ክሳተፉ ቅሩብነቶም ከም
ዘርኣዩ ሓቢሩ፡ ዋላ ሓደ ነዚ ሒዝናዮ ዘለና ሓዲሽ ምዕራፍ ዝቃወም ኣካል ከም ዘይተራእየ ገሊጹ። ብጻይ ተስፋይ
ኣብዚ እዋንዚ ኣብቲ ካለኣይ ምዕራፍ መስርሕ ምምስራት ሰልፊ ከም ዘለና ገሊጹ ነዚ ወሳኒ ዕማም'ዚ ዘዕውት ኮሚሽን
ተመስሪቱ ስርሑ ጀሚሩ ከም ዘሎ ኣብሪሁ። ንሱ ነዚ ብዝምልከት ኣብ ዘቕረቦ ዝርዝር፡ እዚ ቆይሙ ዘሎ ኮሚሽን
ንኣባላት ሰውራዊ ባይቶን ካብ ሰውራዊ ባይቶ ወጻኢ ጸኒሖም ቅሩብነቶም ንዘረጋገጹን ዘሳተፈ ምዃኑን ንክውንነት
ኤርትራ ብዘንጸባቕ መንገዲ ከም ዝተመስረተን ሓቢሩ። እቲ ዘድሊ ዓወት ንከመዝግብ ናይ ኩሎም ኣባላት ሰውራዊ ባይቶ
ኣባላትን ናይ ለውጢ ተጠቀምቲ ኤርትራውያንን ምትሕብባር ከም ዘድልዮ'ውን ኣመልኪቱ።
ብጻይ መንግስተኣብ ኣስመሮም ሓላፊ ቤት
ጽሕፈት ዜናን ባህልን፡ ኣቦ መንበር ጊዚያዊ መሪሕነት ኤዲኪ-1ን ብወገኑ፡ ንእገዳስነት ምቅርራብ ተቓወምቲ ውድባት
ኤርትራ ምስ ኣብርሀ ነዚ ንምዕዋት ካብ ግዜ ምምስራት ሃገራዊ ምሕዝነት ኤርትራ ጀሚሩ ክሳብ'ዚ ሎሚ ዘሎ ኩነታት
ኤርትራዊ ደሞክራሲያዊ ኪዳን ዝተሓልፈ ውረድ ደይብ ኣብሪሁ። ብጻይ መንግስተኣብ ንኣገዳስነት ምህላው ናይ ሓባር
ጽላል ተቓወምቲ ውድባት ምስ ኣብርሀ ሕጂ'ውን ክልቲኡ ወገናት ኪዳን ናብ ዘስርሕ ናይ ሓባር መድረኽ ንምምጻ ዝግበር
ጻዕሪ ዕዉት ንምግባር ሰውራዊ ባይቶ ከም ወትሩ ጻዕሩ ቀጻሊ ምዃኑ ኣነጺሩ።
ብጻይ ጅምዕ ኣሕመድ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት
ማሕበራዊ ጉዳያት ብወገኑ ምስቲ ኣብ መንጎ ስርዓት ህግደፍን መንግስቲ ሱዳንን ሓድሽ ዝምድና ምፍጣሩ፡ ብዛዕባ ኣብ
ሱዳን ዝተራእየ ምዕባሌታት ኣገዳሲ ሓበሬታ ሂቡ። ንሱ ከም ዝበሎ ዋላ'ኳ እቲ ኩነታት ጽንኩር እንተኾነ ዝኾነ ይኹን
ምንቅስቓስ ሰውራዊ ባይቶ ከም ቀደሙ ቀጻሊ ከም ዘሎ ሓቢሩ። ኣስዒቡ ድማ ተሓኤ ሰራዊ ባይቶ ጸገም ኤርትራውያን
ስደተኛታት ጸገሙ ምዃኑ ብምርዳእ ዓቕሙ ዝፈቕዶ ምትሕብባር ከም ዝገብር ጠቒሱ።

ድሕሪ'ዚ ኣገዳሲ መብርሂታት ናይ ሕቶን
መልስን መድረኽ ተኸፊቱ ተሳተፍቲ ንዝቕረብዎ ሕቶታት እዞም ኣባላት ፈጻሚት ሽማግለ ዝርዝራዊ መብርሂታት ሂሞም።
ካብቲ ዝቐረበን ኣድላይ መልሲ ዝተዋህበሉን ሕቶታት፡
- ኤርትራዊ መንእሰይ ኣሰር ኣያታቱ
ተኸቲሉ ሓያል ናይ ለውጢ ሃይሊ ከም ዝኾኑ ንምኽኣል እንታይ ክገብር ይግበኦ?
- ሕብረትሰብ ዓለም ሎሚ ንጉዳይ
ኤርትራውያን ስደተኛታት ቆላሕታ ክህም ጀሚሩ'ሎ፡ ስለምታይ ክሳብ ሎሚ ደንጉዩ?
- ደንበ ተቓውሞ መተካእታ ንምዃን
ዘለዎ ቅሩብነት ክሳብ ክንደይ እዩ?... ዝብሉ ይርከብዎ። ድሕሪ'ዚ ተሳተፍቲ ናብ መሪሕነት ለባዋታት ምስ ኣቕረቡ
ብጻይ ወልደየሱስ ዓማር ኣብዚ ዘለናዮ ጽንኩር መድረኽ ተዓወቲ ክከርውን ካብ ነፍሲ ወከፍ ኣባል ዝድለ ኩለ-መዳያዊ
ተወፋይነት እታይ ምዃኑ ምስ ገለጸ እቲ ኣኼብ ብዝኽሪ ሰማእታት ኤርትራ ተዛዚዚሙ |