Nharnet Articles/Opinions

     

   

“ ዘይቀንእ ኣይወለድ ”

ህዝቢ ትግራይ ብዛዕባ ህዝቢ ኤርትራ እንታይ ይብል

 

ቀዳማይ ክፋል

 

እወ “ ዘይቐንእ ኣይወለድ ” ቅዱስ ቅንኢ፡ ናይ ጽቡቕ ክገብር በሃሊ ሰናይ ተግባር ዘይቕንኦ ኣይወለድ። ሰባት ጽቡቕ ርእዮም፡ ሰላምን ሰናይ ሰሚዖም ክስዕብዎ፡ እቲ ሰናይን ሰላም ተግባርን ኣተሓሳስባ ናይ ኩሉ ደላይ ሰናይን ሰላምን ክገብርዎ ይግባእ። ሓደ ሰብ ንበይኑ ጥራሕ ብሰናይን ሰላምን ክሓስብ፡ ሰናይ ሰላምን ንነፍሱ ጥራሕ ክኸይድ ሰላም ቅሳነት ረኺቡ ማለት ኣይኮነን።

 

እቲ ሰላም ፍጹም ገነታዊ ሰላም እኳ እንተዘየተባህለ፡ ምድራዊ ሰላም ብተዛማዲ፡ ብዝሓሸ ትሰማማዓሉን ናይ እትነብረሉ ከባቢ ኣብ ግምት ዝእተወ፡ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ክዓቢ፡ ክህብትም፡ ክመዓራረ ናይ ዘለዎ ኣተሓሳስባ፡ ሰላም ኩሉ ክኸውን ምጽዓር’ዩ።

 

ሰላም ዝዓሰላ ብልጽግቲ ኤርትራ ክትህሉ፡ በዚ ሕጂ ዘሎ ልዕሊ ስፍሪ ዘንጀርበበ፡ ውጹእ ምልካዊ ምሕደራ ኣይኮነን። ህዝቢ ኤርትራ ሰላም ክነብር ዝደሊ፡ ብሰላም ዝሓስብ ህዝቢ’ዩ። ኣብ እዛ ህሞት እዚ ግን ንሰላም ገዛእ ርእሱ ዝተሓረሞ፡ ክንዮኡ ብሰላም ክሓስብ፡ ንሕልንኡ ክዓርብ ዝገበሮ ምምሕዳር ክህልዎ ዝኽእል ናይ ሰላም መግለጺ ሰቲርዎ ይኸይድ ምህላዉን፡ ካብ ማንም ህዝቢ ንላዕሊ’ኳ እንተዘየተባህለ ሂወቱ ክመርሓሉ ዘለዎ ሰላምዊ ምሕደራ ከም ዘድልዮ ዘጠራጥር ኣይኮነን።

 

ድሌት ሰላም ህዝቢ ኤርትራ ፡ በቶም መዳኸርቲ ጓይላታት ስርዓት ህ.ግ.ዲ.ፍ ተረጊጹ፡ ፡ ብድምጺ ብዝሒ ዘይኮነስ ብድምጺ ሆሆን ከበሮን ተዓብሊሉ ንግዜኡ ይኸይድ ኣሎ። እቲ ዓመጽ ኣብ ርእሲ ህብዚ ይካየድ ኣሎ ዘብል ከኣ እዚ’ዩ።

 

ናይ ሰላም ኣተሓሳስባ ካብ ዘቕንኣኒ ሓደ ኢትዮጵያዊ መእሰይ ብትውልዱ ትግራዋይ ኣብ ከተማ መቐለ’ዩ። እዚ መእሰይ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ዓመት ብናይ ኤኮኖሚክስ ዲግሪ ካብ ዩኒቨርሲቲ ዝተመረቐ ኣብ ስራሕ ዓለም ተዋፊሩ፡ ነቶም ኣብ ዕውደ ትምህርቲ ከይወፈሩ፡ ብዛዕባ መቐረትን ረብሓን ትምህርቲ ፈሊጦም ብዓቕሞም ዘምሃርዎ ወለዱ እንዳናበየ ዝነብር፡ ኣብ’ዚ ሓጺር ግዜ ከኣ መርዓ ደርዓ ይሓስብ ከም ዘሎ፡ መደብ ሂወቱ ብሓጺርን ኣብ ዝነውሐን እንታይ ከም ዝመስል ክገልጽ ህርፋን ዝወረሶ፡ ሰላም እንታይ ከም ትመስል ዘስተማቐረን፡ ገለ ካብ ሰላም ውርሻ ከም ዝረኽበን ከዘንቱ ዘይውዳእ ኣብነታት ከቅርብ ዝተዳለወ ዝመስል መንእሰይ ብሕጽረት ግዜ ተፈላሊና።

 

ልኡኽ ሰላም ኣብ መቀለ በጺሑ፡ ኣብ ዘካየዶ መንግስታውን ህዝባውን ርክባት፡ ብመራኸቢ ብዝሓን ኣብ መደብ ፈነወ ሬድዮን ቲቪ ምስ ተቓለሐ፡ ንህዝቢ ኢትዮጵያን፡ ካልእ ብመስመር ናይ’ዚ ተጠቃሚ ዝዀነ ዶባት ተሰጋጊሩ ከባቢ ሃገራት ንዓለም ዝበጽሖ ብስራት ኣቢሉ ኣብ ማእከል መቐለ ኣብ ገዝኡ ኮፍ ቢሉ እንከሎ ብስራት ካብ ዝበጽሖም ሓደ ነበረ።

 

ዑደት ሰላም ኤርትራውያን ኣብ ምምሕዳር ትግራይ፡ ኣብ መንፈስ ናይ’ዚ ንእሱ ትግራዋይ ዝፈጠሮ ታሕጓስ፡ ብዘይክኡ ክገልጾ ዝኽእል እንተሃለወ ተዛማዲ ጥራሕ’ዩ። ብልክዕ ንዕኡ ዝተሰምኦ ከም ናቱ ገቢሩ ክዛረብ ፍልይ ዝበለ ዓቕምን ክእለትን ክወሃቦ ኣለዎ።

 

እዚ ብሰላም ቅዱስ ቅንኢ ዝሓደሮ መእሰይ ብታሕጓስ ሰለም ከየበለ ሓዲሩ፡ ንጽብሒቱ ኣንጊሁ ከጣይቕ ወፈረ፡ ኣብ ከባቢ እቶም ኣጋይሽ ሓዲሮምሉ ዝነበሩ ምስ በጽሐ ድማ ገለ ካብ’ቶም ኣጋይሽ ክራኸቦም እንተዝከኣል ኮይኑ ሓቲቱ። ቤተ ሰብ ድኻ ደሊካ በልዎ፡ ኣይፋሉን ናይ ስጋ ዝምድና የብለይን ግን ካብ’ዚ ሒዞሞ ዝመጹ ናይ ሰላም ዝዓቢ ዘመድ ሰብ የልን ክብል ምስ’ቲ ኣብ ቅድሚ እቲ መነብር ኣጋይሽ ዝጸንሐ ሰራሕተኛ ክዘራረብ ረኸብክዎ፡ እቶም ሰራሕተኛ ከኣ ብኣኽብሮት ሓበርዎ። ኣነ’ውን መልእክቲ ከይህልዎ ንብጾትና ከድህየሉ ሓተትክዎ’ሞ፡ ኣይፋለይን በለኒ፡ ግን ብዛዕባ’ቲ ትማሊ ኣብ ማዕከን ዜና ዝረኣዮን ዝሰምዖን ዝተሰምዖ ሓጎስ ክገልጽ ከም ዝደለየ ሓበረኒ፡ ተታሓሒዝና ኣብ’ቲ ቤት ሻሂ ኮፍ በልና፡ ሳላ ትምህርቱ፡ ሳላ ኣተዓባብዩን ከኣ ትሑትን መኽበሪ ሰብ ምዃኑ ቅድም ንዓይ ኮፍ ከብለኒ፡ ንድሕሪት ትርፍ በለ፡ ኣነ’ውን ነቲ ዝለገሰለይ ክብሪ ክመልስ ደሓን ኮፍ በል ተባሃሂልና። ዘረባና ዘቋረጸ ሓደ ሰራሓተኛ መጺኡ እንታይ ከምጽኣልኩም በለ።

 

ዘረባ ከይነውሓኩም ብሕጽር ዝበለ፡ እቲ መንእሰይ እንቋዕ ደሓን መጻኹም፡ እዚ ተግባራትኩም ንዓይ ንስድራ ቤተይ መሓዙተይን ኣዅሪዑና’ዩ። ብፍላይ ድማ ንዓይ በለ፡ ቀጺሉ ንሱ ኣብ ኤርትራ ተወሊዱ ዝዓበየን ድሕሪ ኵናት ንመቀለ ከም ዝመጸ’ዩ ገሊጹ፡ ኣብ መቀለ ምስ’ቲ ዝነበረ ናይ ኵናት ሃለዋት ብቀጥታ ትምህርቲ ኣይጀመረን፡ ግን ኩነታት ክሃድእ ምስ ጀመረ፡ ትምህርቱ ክቅጽል ዕድል ረኺቡ። ብናይ ስድርኡ ጽቡቕ ድሌት ተተባቢዑ መንግስቱን ህዝቡን ብዝገበረሉ ሓሊዮ ኣብ ዝደለዮ ደረጃ ትምህርቲ ብዘዕግብ ነጥቢ ክሳብ ዩኒቬርሲቲ ተማሂሩ ከም ዝወድአ፡ ኣብ ስራሕ ኦኣለም ተዋፊሩ ንወለዱ ይሕግዝ ከም ዘሎ ሓቢሩ፡ እዚ ድሌት ሰላም ክስርሓኡን ክድፋኣሉን ከም ዘለዎ ኣትሪሩ ተማሕጸነ። ቀጺሉ ኣብ’ዚ ከባቢ ሰላም እንተደዘይሃልዩ፡ ኣነ ይኹን መሓዙተይ ግዳይ ኵናት ጥራሕ ኮይና፡ ህዝብን ሃገርን ከኣ ተሓሚሱ ክነብር ጥራሕ’ዩ ዝኽእል ካልእ ምርጫ ከኣ ስደት’ዩ።

 

ግን ኣነ ስድራይ ብኽንደይ ጸገም ኣምሂሮም፡ ኣብ’ቲ ዝብጻሕ ኣብጺሖም፡ ብዘይተሓሰብ ኵናት ጻማኦም ክድፈን ዘይግባእ’ዩ። መጻኢ ዕድለይ፡ ናይ ከማይ ዝበሉ መላእ መንእሰያት ኢትዮጵያን ኤርትራ ብዘይፍትሓዊ ከም’ዚሉ ክተረፍ ኣይግባእን።

 

ንሱ ጥራሕ መዓስ ኮይኑ ካልእ ገጽ ናይ ሂወት’ውን ዘለዎ መቐረት ኣሎ፡ ኣነ ኣብ ኣስመራ ተወሊደ ዝዓበኹ ገለ ክፋል ሂወተይ ምስ ኤርትራውያን ዝተተሓሓዘ’ዩ። እዚ ስለ ዝዀነ ዶባዊ ኵናት ዘስዓቦ ምፍልላይ፡ እቶ ካብ ቁልዕነተይ ኣትሒዘ ዝፈልጦም መሓዙት ተፈሊዮምኒ፡ ክረኽቡኒ ወይ ኣነ ክረኽቦም ዕድል ስለ ዘየተረኽበ ግን ኩሉ ግዜ ከም ሰብ የሳቕየኒ ክብል ብዛዕባ ሰላም ዘለዎ ርድኢት፡ ናይ ሂወቱ ምርሒት፡ ናይ ሰባት ድሌት ፍቅርን ሕውነት፡ ኣብ ኵናት ዘለዎ ኣሉታዊ ኣረዳድኣ ኣፍሑ ድሕሪ ምግላጹ፡ ነዚ ተጀሚሩ ዘሎ፡ ኣብ’ዚ ከተማ ኩሉ ዝድግፎ’ዩ። ንስኻትኩም ከኣ ምስ ካልኦት ኤርትራውያን ተደጋጊፍኩም ንሰላም ክትሰርሑ በርትዑ እብለኩም በለኒ።

 

ኣነ ብኣተሓስስብኡ ተመሲጠ፡ ከም መንእሰይ ልቢ ኣዕብዩ ክዛረብ ምድላዩን፡ ንድሌቱ ናይ ሰላም ድሌቱ ክዛረብ ምኻኣሉን። እንተዀነ ምስ’ቲ ዝነበረ ሕጽረት ግዜ ዝነበረ መደባት እቲ ዕላል ካብኡ ክቅጽል ኣይከኣለን። ግን ክሳብ ዘሎና ግዜ እንተሃለዎ ቀዳምን ሰነበትን መጽኡ ምስ’ቶም ዝተረፉ ከዕልል ከም ዝኽእል ነገርክዎ፡ ብኡ ተፈላለና።

ይቕጽል…………………… 

ሰላም ንኩሉ 

25 ነሓሰ 2008

ኣንቶንዮ ተስፋይ


DISCLAIMER:  The author/s  contributed  for this article/opinion and is/are solely responsible for its contents


 

Contact Us at:   webmaster@nharnet.com