|
||
|
|
||
|
ዓለም ስኢኑና ኣብ ዓለም ከሎና ? ናይ ህ.ግ.ዲ.ፍ ይገድድ ንህዝቡ ኣብ ኣፍንጭኡ ከሎ ዝሰኣኖ !!!!
ዓለም ስኢኑና ኣብ ዓለም ከለና፡ ዝብል መቐጸልታ ኣውያት ስልጣን ህ.ግ.ዲ.ፍ፡ ካብ ሰለስተ ንላዕሊ ድምጻውያን ደርፊ ክድረፉ ሰሚዔ፡ ንኣብነት ካብ’ቶም ደረፍቲ ከም ኣቶ በረኸት መንግስተኣብ፡ ኣቶ ወዲ ትኳቦ ( ሽሙ ብዘይምፍላጠይ) ፡ ወ/ሮ ኤልሳ ኪዳነ ወ.ዘ.ተ ንምጥቃስ ዝኣክል’ዩ።
እዞም ድምጻውያን፡ ሓደ ካብ’ቲ ስርዓት ህ.ግ.ዲ.ፍ ዘወናጭፎ ሓቂ ዘይብሉ ፡ ንሕብረተ ሰብ ዓለም ዝተወርወረ ክሲ ክኸውን እንከሎ፡ በቲ ሓደ መዳይ ከኣ ስርዓት ህ.ግ.ዲ.ፍ ደመደይ ቢሉ ንህዝቢ ከቃልሕሉ ዝቕርበሎም ደርፍታት ምዃኑ’ውን ካብ ተግባራትን ምልካዊ ስርዓትን፡ ሽርሕታት ህ.ግ.ዲ.ፍን ካብ ጥርጣረታት ዓዲ ዘውዕል’ውን ኣይኮነን።
ዓለም ንኤርትራ ብሃገራውነታ ልዑላነታ ዝኣመነት፡ ኤርትራ ኣባል ሕብረተ ሰብ ዓለም ክትኸውን ዝወሰነ እንተደኣ ንኣባላታ ክስእና ኮይኑ፡ ኤርትራ ካብ’ተን ኣብ ዙራይ ጸሓይ ዝዞራ ፕላኔት ካብ መሬት ተሰዊራ፡ ኣብ ካልእ ክሳብ ሕጂ ሊቃውንቲ ዘይፈልጥዎ ዩኒቨርስ ክትህሉ ኣለዋ ማለት’ዩ።
እቲ ሕቶ ግን ከም’ቲ ስርዓት ህ.ግ.ዲፍ. ድራማ ክፈጥርሉ ዝደልዩ፡ ንሱ ኣይኮነን። እቲ ሕቶ ስርዓት ኤርትራ ዝኽተሎ ዘሎ ጸረ ቅዋማዊ ሕጊ ኣካይዳን፡ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰል’ዩ፡ ነቲ ዓለም ንኤርትራ ከይፈልጣን ከይርእያን ገቢርዎ ዘሎ። ብካልእ ኣዘራርባ እቲ ሕቶ ናይ ዝምድናታት ኮድን መራኸቢ መስመርን ምስ ዓለምን ስርዓተ ሕጊን ጥራሕ’ዩ።
ዓለም ክስእነካን ከይስእነካን፡ ኣብ ዝተፈላልየ ደረጃታት ናይ ክህልወካ ዝኽእል ዝምድናታት፡ ምስ ዓለም ከራኽበካ ዝኽእል ቋንቋ ናይ ምጥቃምን ሓይሊ’ዩ። ክሳብ ሎሚ ብንርእዮን ብንፈልጦን ብዘይካ ከም ሱናሚ፡ ፍግረ መሬት፡ ህ.ግ.ዲ.ፍ ዝኣመሰሉ፡ ነቲ ኣካላዊ ቅርጻ መሬት ፡ ካልእ ብዘይእውጁን ውዕልን ክቅይሮ ዝኽእል የልቦን።
እቲ ዓለም ስኢኑና ኣብ ዓለም ከሎና ዝብሃል ሕቶ፡ ኣብ’ዚ መድረኽ’ዚ ዓለም ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ምዕባለ ተክኖሎጂ እንዳሃለወ ከም መርፍእ ኣብ ጭራ ፈርስ ዝተሰዅዔት ንኤርትራ ክስእና ማለት፡ ቅቡል ቢሂል፡ ሞጎት ኣይኮነን። ዓለም ብንታይ ምኽንያት’ዩ ንኤርትራ ስኢንዋ ? ዓዊሮም፡ ካርታ ጠፊእዎም፡ እንታይ’ዩ እቲ ጉዳይ፡ እቶም ነዚ ክሲ ዝመስረቱ ኣጽቢቖም ዝፈልጥዎ’ዮም።
እንተዀነ ኣብ ኤርትራ ዝተፍኡ ዜጋታት ደቂ ሃገር ኣለዉ፡ ኣብ ኤርትራ ዝጥፍኡን ዝተሰወሩን ነባራት ተጋደልቲ፡ መራሕቲ፡ ተቃወምቲ፡ ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎጥ፡ መራሕቲ ሃይማኖት፡ ነጋዶ ኣለዉ፡ ነቲ ስርዓት ገዲፍካ፡ እቶም ዝደርፉን፡ በቲ ደርፊ ክሳብ ወጋሕ ትበል ለይቲ ክስዕስዑን ክጽለሉን ዝሓድሩ፡ ሕቶ እቶም ህዝቦም፡ ሕቶ እቶም ሓቂ ብሓቂ ተሳኢኖም ዘለዉ፡ ዝተረስዑ ዜጋታት እንተዝሕተቱ፡ ብዛዕባ እቶም ንልዕሊ 14 ዓመት ኣብ ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ስርዓት ህ.ግ.ዲ.ፍ ከም ኣብ ዝመደቦም ግንባር ዝጠፍኦም ኮይኖም ረሲዖሞም ብጸሓይን ቁርን ከርተት ዝብሉ ዘለዉ ናይ ጽባሕ ወለዶ ዝዀነ መንእስይ እንተዝሕተቱ፡ ብዛዕባ እቶም ብመጀመሪያ ካብ ስድራ ቤቶም፡ ካብ መሓዙቶምን ፈተውቶምን፡ ካብ መቃልስቶም መሳርሕቶም፡ ብለይቲ ሰብ ከይረኣዮም ተጨውዮም ዓለም ኣብ ዘይፈልጦ ጎዳጕዲ ተኣሲሮም ዘለዉ፡ እንተዝሕተቱ እንታይ ምስ በሉ ? ዋላ ብኽድዓት ይኸሰሱ ምጥፍኦም እንታይ ይብሉ ንጹር’ዩ።
ህ.ግ.ዲ.ፋዋያንን ተደናገጽቶምን፡ ካብ ንዓለም ምጽራፍ ነዚ ሕቶታት እንተደኣ መሊሶም፡ ዓለም ብኣጋ ኤርትራ ኣበይ ከም ዘላ ክፋልጣን ከለልያን’ዩ። ኤርትራ ካብ’ቲ ናይ ምልካዊ ካሞፍላሽ እንተወጺኣ፡ ንኤርትራ ንምፍላጣ ዘሸግር ኣይኮነን።
ይገርመና ኣሎ ዝበሃል ዘረባ ተወሲኽዎ፡ እቶም ድምጻውያንን ህ.ግ.ዲፍ. ንበይኖም ክገርሞም ብዙሕ ዘተሓሳስብ ኣይኮነን፡ ከመይስ ህ.ግ.ዲ.ፍ ንስልጣኑ፡ እቶም ድምጻውያን ከኣ ንውልቃዊ ረብሓኦም ስለ ዝዀነ። እቲ ዝተረፈ ህዝቢ እንተገረሞ ግን፡ ከም’ቲ ልዕል ክብል ተጠቂሱ ዘሎ ጉዳይ ፍትሕን ሰብኣዊ መሰልን፡ ግሉጽ ፖሊሲ ምስኡ ዝተኣሳሰረን ዝተተሓሓዘን’ዩ።
ድምጻዊ ኣቶ በረኸት መንግስተኣብ፡ ኣብ ግዜ መግዛእቲ ንዝሓትዎ ምስ ጨንቖም፡ ምስ ሓርበቶም፡ ምስ ጠፍኦም፡ “ ኣታ ሓላፍ መንገዲ እተረኸብካያ ንመለይ ሰላም በለለይ ” ክብሉ ንሃገር ዘንቐሳቕስ ንመንእሰይ ዘበራበረ ደርፊ ደሪፎም’ዮም።
ሎሚ ደኣ ዝሓትዎ መንግስቲ እንከለዎም፡ ኣብ ሕቍፎም መንስግቶም እንከለዉ ካብ ንዓለም፡ ካብ ስግር ዶብ ኤርትራ ወፊሮም ምስ ዓለም ብኽሲ ካብ ዝወጣወጡ፡ ንመንግስቶም ዘይሓቱ፡ ኣነ ርግጸኛ’የ ኣቶ በረኸት በቲ ኣብ ኤርትራ ዝካየድ ዘሎ ሕግን ስርዓትን፡ ምሕደራን ዕግበት ከም ዘይብሎም፡ እንተዀነ ግን ብገለ ምኽንያት ምርጫኦም ኮይኑ ኣብ ትሕቲ ኣብ ዓለም ኣለዉ ካብ ዝበሃሉ ምልካውያን ስርዓታት ይናበሩ ኣለዉ።
ኣበባ ዓደይ፡ መለይ፡ ዓይኒ ኮኾብ ጽሩራ፡ ፋና፡ ጽጌ ረዳ ኣንቲ ዕምበባ፡ ወ.ዘ.ተ ወ.ዘ.ተ….. እንዳተባህለ ይድረፍ ከም ዘይነብረ፡ ሎሚ ኣብ ትሕቲ ምልካዊ ስርዓት ተዀዲምካ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ረሲዕካ፡ ናይ ቅድሜኻ ዘሎ ረሲዕካ በቲ ክንዮ ስርዓት ህ.ግ.ዲፍ ዘሎ ተጻሪፋካ ምሕዳር ይሓይሽ ተባሂሉ፡ ኣበባ ዓደይ፡ መለይ፡ ዓይኒ ኮዀብ ጽሩራ ኩሉ ጸጽቡቑ ተረሲዑ ይነብር ኣሎ።
ጸጽቡቝ ዝረሰዐ ከኣ ነፍሱ ከም ዝረሰዐ’ምበር፡ እቶም ዝጽረፉ ዘለዉ፡ ድላዮም ገይሮም ኣብ ድላዮም በጺሖም’ዮም ዝኸዱ ዘለዉ። “ ኵዕሾ ብሞሳ፡ ዓለም ብስያሳ ” ዝተባህለሉ ምኽንያት ከኣ፡ ነቲ ምስ ሕብረተ ሰብ ዓለም ክትዋሳኣሉን ክትሳተፈሉን ዘሎ፡ ብጥበብ ፖለቲካዊ መንጽን’ምበር፡ ዝምድናታትካ ኩሉ ሚእቲ ብሚእቲ ሓቂ ብዘለዎ ክኸይድ ምግባር ኣይኮነን። ሓቂ ኣይጽላእን’ዩ እዚ ጉዳይ ክጅምር እንተደኣ ኮይኑ ግን ኣውራን ብቀዳምነትን ብስርዓት ህ.ግ.ዲ.ፍ ክጅምር ዘለዎ ጉዳይ’ዩ። ምኽንያቱ እታ ሃገር ብደም፡ ብመስዋእቲ ማዕረ ዝተሻረኹላ ደቂ ሃገር ዝተረኽበ ነጻነት ስለ ዝዀነ፡ ሓቂ ብሓቁ ስርዓት ህ.ግ.ዲ.ፍ ክጅምር ኣለዎ በሃላይ’የ።
ብዝዀነ ዓለም እንተ ስኢኑና፡ ደምቕቲ ሕብሪ ዘለዋ ካርታ ለኺካ፡ ካብ የመን ሓኒሽ፡ ካብ ጁቡቲ፡ ካብ ሱዳን፡ ካብ ኢትዮጵያ እተን ክተርፋ ዘይብለን ምስ ኤርትራ ሓደ ሕብሪ ለኺኻ፡ ኣበይ ከም ንርከብ ምሕባር ጥራሕ’ዩ። ምስኡ ከኣ ናይ ዲፕሎማሲያዊ ኣዘራርባን፡ ዕርቕን፡ ቅንዕናን፡ ፍትሕን፡ ቅዋማዊ መንግስቲ፡ ኣብዝሓ ሰልፍታት፡ ነጻ ሃይማኖታዊ እምነት፡ ሰናይ ጉርብትና ተተሓሒዙ ኽከይድ ዘለዎ ግደንታዊ ሰነድ ምምላእ ከድሊ’ዩ። ዓለም ከኣ በዚ ኣገባብ’ዩ ክፈልጠካን ክዝክረካን ስለ ዝደሊ፡ ሽዑ ንኤርትራ ክደሃያ’ዩ።
ኣብ መደምደምታ
ብርእይቶን ዕግበተይን፡ ኤርትራ ንዓለም’ምበር፡ ኤርትራ ንዓለም ተሓቢኣቶም ኣይብልን። ብተራ ይኹን ብፖለቲካዊ ኣዘራርባን ሞጎት። ዓለም ናይ እንካን ሃባን መድረኽ፡ ናይ ሽርክነት፡ ጽኑዕ ዝምድናታት ዝተሃንጸ’ዩ። ብዙሓት መራሕቲ መንግስታት ንድሕነትን ህዝቦን ሃገሮምን፡ ኣብ ዘይደለይዎ ውዕላት ዝኣትዉ፡ ምህላዎም፡ ጽልኣት ህዝቦን ሃገሮምን ኣይኮነን። እቲ ናይ ዓለም ፖለቲካዊ መስርሕን ኣገባብን’ዩ። ግን ኣብ’ቲ መስርሕ እንዳሃሎኻ፡ መሓዙት ከተጥሪ፡ ምስ መሓዙት ብምዝርራብ ናይ ርእይቶ ምዕኳኽ ግደ ክህልወካን፡ ነቲ ፖለቲካዊ መስርሕ ከኣ ንረብሓ ህዝብን ሃገርን ከተውዕሎ ብክህልወካ ዝኽእል ተጸዋርነት፡ ዓቕምን ክእለትን’ዩ። ዓለም ብኸምኡ’ዩ ዝካየድ፡ ንኣብነት ኤውሮጳዊ ሕብረት እንተወሰድና፡ ካብ ዓዓደን ንባይቶ ኤውሮጳ ሒዘንኦ ዝወፍራን፡ ንዓደን ሒዘንኦ ዝኣትዋን ውሳኔታት በበይኑ’ዩ። እዚ ድማ ሓቂ’ዩ። ከምይስ ኣብ ኤውሮጳ ብዙሓት ንረብሐን ዝሙጉታ ስለ ዘለዋ፡ እቲ ውሳኔ ምስ ምሕዝነትን ኣዝዩ ከይኸፍአ ከኣ ምስ ሕግን መሰልን ሰባት ብዝተተሓዘ ውሕስነት ናብራ፡ ቁጠባዊ ዕብየት ብዘይሃሲ’ዩ ዝፍጸምን ዝውሰንን፡፡ እንተገደደ ከኣ ደጋፋ ዘየርኣየት ሃገር ካብ’ቲ ውሳኔ ናይ ምትግባር ነጻ ትኸውን። ዕቃበታት ዘለዋ ሃገር ኣብ ገለ ሸነኽ ናይ’ቲ ውዕል ክሳብ ጉዳያ ተመዓራሪ ካብ’ቲ ውሳኔ ነጻ ኮይና ንኽትጸንሕ ዝገብራ፡ ብዝምድናታት ዘየደስክልን ዘየሻሕኽርን ኣገባብ መንገድን’ዩ።
እሞ እቲ ኣብ ዓለማና ዝከይድ ኣገባብ እዚ ስለ ዝዀነ፡ ዓለም ኳሕኵሖም ከይስእኑኻ፡ ኣብ ኣፍ ደገኻ ቓጭል ሰብኣዊ መሰል፡ ቓጭል ቅዋም ሃገር፡ ቓጭል ሰላምዊ ጉርብትና ክትኣስር ይድለ ምህላው፡ ነቲ ዝመጽእ ጋሻ ከይስእነካ ምብልሓት የድሊ ማለት’ዩ። እዚ ወደሓንኩም።
ክብርን ዝኽርን ንስዋኣትና ነጻነት ኤርትራ ንዘለኣለም ይከበር።
30 ንሓሰ 2008 ኣንቶንዮ ተስፋይ
|
||
|
DISCLAIMER: The author/s contributed for this article/opinion and is/are solely responsible for its contents
Contact Us at: webmaster@nharnet.com |
||
|
|