|
ካብ ዕዉት
ጕባኤ: ናብ ዕዉት ፈስቲቫል
ክፍሊ ዜናን
ባህልን
ሰልፊ ህዝቢ
ኤርትራ
15.08.2008
ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ ኣብ
25.06.2006 ዘካየዶ 6ይ ሃገራዊ ጕባኤኡ ድሕሪ ክልተ ዓመት ውድቡ ኣፍሪሱ፡ ምስ ተመሳሳሊ ራእይ ዘለዎም
ውድባትን ጕጅለታትን ውልቀ-ሰባትን ብሓባር ሓደ ሰፊሕ ህዝባዊ መሰረት ዘለዎ ሰልፊ ንምቛም ቅሩብነት ከምዘለዎ
ብወግዒ ኣዊጁን ወሲኑን ምንባሩ ዝዝከር ኢዩ። ከም መብጻዓኡ ድማ፡ ምስ’ቶም ነዚ ጻውዒት’ዚ ዝተቐበሉ ኤርትራውያን
ኰይኑ ልክዕ ድሕሪ ክልተ ዓመት ብ25.08.2008 መስራትን ቀዳማይን ጕባኤ ሰልፊ ህዝቢ ኣካይዱ። ዝኣተኻዮ መብጽዓ
ምፍጻም ንገዛእ ርእሱ፡ ህዝቢ ኣብ ልዕሌኻ እምነት ንኸሐድር ዝሕግዝ ተግባር ምዃኑ ኣሉ ዘይበሃሎ ሓቂ ስለዝዀነ፤
ንሰልፊ ህዝቢ ኤርትራ ዓቢ ዓወት’ዩ ነይሩ። ጸላኢና!!! ዝኣተዎ መብጽዓ ይጥለም!!!
ጕባኤ ሰልፊ ህዝቢ ኤርትራ ክዕወት
ዝኸኣለሉ ምስጢር ንህዝቢ ይኹን ንተቓወምቲ ውድባትን ንኣባላት ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶን ሕብእብእ ዘይብሉ ግሉጽ መስርሕ
ስለዝነበረ ኢዩ። ብኻልእ ኣገላልጻ፡ ካብ ህዝብን ውድባትን ዝተኸወለ ነገር ኣይነበረን። ከምኡ ውን፡ ኣብ ሻዕብያ
ጀብሃ ዝብል ፍልልይ ክነብር የብልናን፤ ተመሳሳሊ መደብ ዕዮ ዘለዎም ውድባት ክጠራነፉ ኣለዎም፤ መንእሰያትን ደቂ
ኣንስትዮን ዘይተሓወስዎ ቃልሲ ክዕወት ኣይክእልን ኢዩ፤ ናይ ኣተሓሳስባን ኣሰራርሓን ለውጢ ካብ ነብስና ክንጅምር
ኣሎና …ወዘተ ኣብ ዝብል ንጹር ራእይ ስለዝተመስረተ ኢዩ።
ነዚ ንምርግጋጽ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ
ዓመታት ህዝቢ ዝተሳተፎምን ዝዳህሰሶምን መጽናዕትታት፡ ኣኼባታት፡ ስርሓትን ምድላዋትን ተኻይዶም ኢዮም። ብስራሕን
ብመጽናዕትን ዝተረጋገጸ፡ ህዝቢ ዝተሳተፎ ዓወት ድማ፡ ብሕማቕ እምበር ጽቡቕ ዘይምነዩ፡ ሕምየት ተመሲሖም ሕምየት
ዝድረሩ ኣፍኣውያን ክዕጸፍ ኣይክእልን ኢዩ። ስለ’ዚ ድማ’ዮም፡ ክሰልኩሉ ዝኽእሉ ነቕዓት ስኢኖም፡ ዓሌታውን
ሃይማኖታውን ፍልልያት ክቘጽሩን ከቋማጥዑን፤ ብዘይካና ንኤርትራ ዝሕለቕ የለን ዝብል መዝሙር ክደጋግሙን ዝውዕሉ
ዘለዉ።
ዓወት ጕባኤ ሰልፊ ህዝቢ ኤርትራ፡
ዓወት ናይ ኵሎም ሓቀኛታት ተቓወምቲ ኢዩ። ስለዝዀነ ድማ ኢዮም፡ ኵሎም ተቓወምቲ ውድባትን ሰልፍታትን ኣብ’ቲ ጕባኤ
ተረኺቦም ይኹን መልእኽቲ ብምስዳድ ሓጐሶምን ደገፎምን ዝገለጹ። እቶም በዚ ዓወት’ዚ ዘይተሓጐሱን፡ ክሕጐሱ ውን
ዘይንጽበዮምን፡ እቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ምልካዊ ስርዓትን መጋበርያታቱ ዝዀኑ ብስም ተቓውሞ ዝሽቕጡ፡ ኣብ ለውጢ ረብሓ
ዘይብሎም፡ ውሑዳት ክነሶም ብዙሓት ክመስሉ ዝፍትኑ፡ ውልቀ-ሰባትን፤ ብዘይካ ህዝቢ ኤርትራ፡ ካልኦት ኣህዛብ
ከፊእዎም ኢዩ ዘሎ ዝብል መልእኽቲ ንምትሕልላፍ ዝሰርሑ ናይ ተቓውሞ መርበብ ሓበሬታት (ወብ ሳይታት) ኢና በሃልትን
ኢዮም።
እዚኦም፡ ናይ ህዝብን ሃገርን ተሓለቕቲ
ክመስሉ ብስም ህዝብን ሃገርን ብዙሕ ዝዛረቡ ቈርበት በጊዕ ዝተኸድኑ ተዃሉ እዚኣቶም፤ ብናይ ንጹሃት ዜጋታት
ኤርትራን ጐረባብቲ ኣህዛብን ስቓይን ህልቂትን ድኽነትን ዘይሓሙ፤ ጽልእን ቅርሕትን፡ ውግእን ወረ ውግእን ክነግስ
ዝደልዩ፤ ጸረ-ለውጥን ጸረ ሰላምን ጸረ ዲሞክራስን ዝዀኑ ባእታታት ኢዮም። ዕላማ ሰልፊ ህዝቢ ኤርትራ፡ ሰላም፡
ፍትሒ፡ ልምዓትን ዲሞክራስን ምንጋስ ስለዝዀነ፡ ናይ ድሕረት ሓይልታት እንታይ ይብሉ ብዘየገድስ፡ ነዞም ቅዱስ
ዕላማታት እዚኣቶም ንምዕዋት ከይተሓለለ ክቃለስ ኢዩ።
ዕዉት ጕባኤ ሰልፊ ህዝቢ ኤርትራ
ብዕዉት መበል 23 ፈስቲቫል ኤርትራ ምስናዩ ድማ፡ ወዲ ሰብ ዝዘርኦ እምበር ዝምነዮ ከምዘይዓጽድ ዝሕብር ጭቡጥ
ምስክርነት ኢዩ ነይሩ። ብርክት ዝበለ ህዝቢ ዝተሳተፎ፡ ንኤርትራ ዘድሊ ናይ ውሕሉል ምሕደራ፡ ኣሳታፊ ወይ ወካሊ
መንግስቲ፡ ንኤርትራ ዘዋጽእ ቍጠባዊ ትልምን ናይ ስኒት መትካላትን ዘጠቓለለ ኣስተምህሮ ብምሁራትን ክኢላታትን
ዝቐረበሉ፤ ከምኡ ውን፡ ናይ ለውጥን ብሩህ መጻእን ራእይ ብመራሕቲ ሰልፊ ህዝቢ ኤርትራ ዝተገልጸሉን ፈስቲቫል
ምንባሩ፡ ንጭቁን ህዝቢ ኤርትራን ንተቓወምቲ ውድባትን ዘሐጐሰን ተረኽቦ’ዩ ነይሩ።
ብጻይ መስፍን ሓጐስ፡ ኣቦ መንበር
ሰልፊ ዲሞክራሲ፡ ኣብ መበል 23 ፈስቲቫል ኤርትራ ዝሃቦ፡ “ሰልፊ
ዲሞክራሲ ኤርትራ፡ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ-ሰውራዊ ባይቶ፡ ንርእሱ ኣፍሪሱ (dissolve ጌሩ)፡ ምስ ካልኦት ምስ
ናቱ ራእዪን ዕላማታትን ዝመሳሰል ዘለዎም ኤርትራውያን ውድባት፡ ጉጅለታትን፡ ውልቀ-ሰባትን፡ ሰፊሕ ኣሳታፍነት ዘለዎ
ሰልፊ ክምስርት ምውሳኑን፡ ነዚ ውሳነ’ዚ ኣብ ግብሪ ምትርጓሙን፡ ተበጺሑ ዘሎ መድረኽ ዝጠልቦ፡ ርሑቕ ዝጠመተን፡
ልቦናዊን ውሳነ ኢዩ ኢሉ ይኣምን። ውሳነኹምን ወሲድኩሞ ዘሎኹም ስጉምቲታትን፡ ንኩሉ ደላይ ለውጢ ዝኾነ ኤርትራዊ፡
ኣውራ ድማ ንውድባት ተቓውሞ፡ መተሓሳሰቢን መበራበሪን ደወል ኮይኑ ከገልግል ከኣ እምነተይ ኢዩ። ምስረታ ሰልፊ
ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ መንጎ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ-ሰውራዊ ባይቶን፡ ሰልፊ ዲሞክራሲ ኤርትራን ተጀሚሩ ንዘሎ፡ ናብ
ምጥርናፍ ዝዓለመ መስርሕ ምቅርራብ እውን፡ ክሕይልን ክቀላጠፍን ኣገዳሲ ረቛሒ ኢዩ” ዝብል ናይ ደገፍ ቃል ናይ
ሓቀኛታት ደለይቲ ለውጥን ናይ ሓቀኛታት ተቓወምትን ሃንቀውታ ዝገልጽ ህያው ምስክርነት ኢዩ።
ሕጂ ጠመተና፡ ናብ’ቲ ተሓኤ ሰራዊ
ባይቶ ነበርን፡ ሰልፊ ዲሞክራሲ ኤርትራን ብሓባር ዘማዕድውዎ ዘለዉ ፖለቲካውን ኣካላውን ሓድነት ምርግጋጽ ኢዩ።
ከም’ቲ ብጻይ መስፍን ሓጐስ ዝበሎ “ደጊም፡ ክብ ሕጂ ንደሓር ዝተረፉና እንተልዮም፡ ብሓባር ዝተለምናዮም መደባት
ናብ ሽቶኡ ንምብጻሕ ንጥቀመሎም ናይ ትግባረ ኣገባባት ምፍጣር ኢዩ”። እዚ ኣብ መንጐ ክልተ ውድባት ተጀሚሩ ዘሎ
መስርሕ ናይ ሓድነት እንተደኣ ተዓዊቱ ድማ፡ ነቲ ለውጢ ዝብህግ ጭቁን ህዝብናን ተቓወምቲ ውድባቱን ካልእ ተወሳኺ
ዓወትን ናይ ተስፋ ምንጭን ክኸውን ምዃኑ ዘጠራጥር ኣይኰነን።
ሰልፊ ህዝቢ ኤርትራ፡ ምስ ካልኦት
ተመሳሳሊ ራእይ ዘለዎም ውድባት ዝጀመሮ ልዝባትን ርክባትን ክሳብ ምሉእ ሓድነት ዝረጋገጽ ክቕጽሎ፤ ንኤርትራዊ
ዲሞክራስያዊ ኪዳን ድማ ከም ጠርናፊ ጽላል ኣንጻር ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኢሳያስ ከሐይሉ ክቃለስ ምዃኑ ደጊሙ
የረጋግጽ።
|