ኣብ ከንያውን ገንዘብ ቤተ ክህነት ተዘሚቱ

 

ምንጪታት ሰልፊ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ከንያ

21.08.2008

 

ኤርትራውያን ስደተኛታት ምስ ኩሉቲ ከጋጥሞም ዝኽእል ዕለታዊ ጸገማትን ሕሰማትን  ኣብዝተዓቑቡለን ሃገራት ባህሎምን ሃይማኖቶምን ንምዕቃብ ብዘይዝኾነ ይኹን ኣፈላላይ ከበድቲ ጻዕርታት ከካይዱ ምጽንሖምን የካይዱ ምህላዎምን ዘይካሓድ ሓቂ ኢዩ። ይኹንበር፡ ንኽህልዎም ዝኽእል ፖለቲካዊ ኮነ ውልቀ ጠቕምታት ምስ ማሕበራዊ ዝምድናታቶም ደዋዊሶም ፍልልያቶም እንዳጋፍሑ ክግልገልሉ ዝደልዩ ሃሱሳትን መጋበርያታትን ስርዓት ህግዲፍ ምህላዎም ካብ ዘጋጥሙ ዘለዉ ዓበይቲ ናይዚ ግዜዚ ዕንቅፋታት ምዃኖም እንግንዘቦ እዉን ጉዳይ ኢዩ።

 

ካብ ግዜ ቃልሲ ጀሚሩ ዝተሰዱን ድሕሪ ነጻነት ኤርትራ ዝተሰዱ ኤርትራውያን ተደማሚሮም ኣብ ከንያ ብዙሓት ስደተኛታት ኤርትራውያን ምህላዎም ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ሃይማኖታዊ ኣገልግሎት ንምርካብ ሓደ ሕዱር ካህን ከምዝህልዎም ገይሮም። ድሕሪ ነዊሕ ግዜ ናይ ገዛእ ርእሶም ቤተ ክርስትያን ክሃንጹ ካብዘለዎም ድልየት ተበጊሶም ዝሓዝዎን ዘጥረይዎን ገንዘብ ካብ ምእካብ ሓሊፎም፡ ወጻኢ ካብ ከንያ ዝርከቡ ኤርትራውያን ክሕግዝዎም ብዝሓተትዎ ወፈያ መሰረት ክሳብ $700,000-ናይ ኣመሪካ ዶላር ኣኪቦም ምንባሮም ካብ ናይሮቢ ርእሰ ከተማ ከንያ ዝረኽብናዮ ሓበሬታ ኣመልኪቱ ኣሎ።

 

ይኹንበር፡ ጥልመትን ምብርዓን ተስፋታት ህዝብን ዝኣመሉ ስርዓት ህግዲፍ ዘስድዖም

 

ሻምበል ተኪኤ መብራህቱ ቅድም ኣባል ደርጊ ዝነበረ፡

ኣቶ በየነ ሃይለ

ኣቶ ተወልደመድህን ተስፋይ

ወይዘሮ ምልእተ መብራህቱ

ኣቶ ኣስመሮም ሚኪኤል ዝተባህሉ ኣባላት ሽማግለ ምምሕዳር ካብ ህዝቢ ዝተዋጽኤ ገንዘብ ቤት ክርስትያን ከምኡውን ኣቶ ተስፋ ጋብር ዝተባህለ ተቈጻጻርን ምስ ቤት ጽሕፈት ኤምባሲ ኤርትራ ኣቶ ሳልሕ ብዝገበርዎ ውዲት እቲ መስርሒ ቤት-ክርስትያን ተባሂሉ ካብ ህዝቢ ዝተዋጽኤ ገንዘብ፥ ኣብ ናይ ዝርፍያ ሓደጋ ኣትዩ ምህላዉ ዝበጻሓና ሓበሬታ ደጊሙ ኣረጋጊጹሎ። ብሰንኪ ከምዚ ዝኣመሰለ እከይ ናይ ራስያ  ስራሓትን ኣብ ልዕሊ ሽማግለ እምነት ብምጉዳልን ንዝተላዕለ ሕቶታት ህዝቢ ንምህዳእ፡ ካብቲ ዝተዋጽኤ ገንዘብ እቲ $350,000-ዶላር ኣመሪካ ዝኸውን ኣብ ምግዛእ መሬት ንቤተ ክርስትያን ጠፊኡና ክብሉ ምስምስ ምቕራቦምን፡ እቲ ዝተረፈ ገንዘብ ግን ህልዊ ኢዩ ክብሉ ሓቢሮም ምህላዎም ተነጊሩ። እቶም ሽማግለታት እቲ ኣብ ምግዛእ መሬት ተበሊዕና ክብሉ ዘቕረብዎ ምስምስ ሓቂ ከምዘይኰነ ካብዘረጋግጹ ምኽንያታት፡ ኣቶ ኣስመሮም ሚኪኤል ኣባል ሽማግለ ምምሕዳር ዝተዋጽኤ ገንዘብ ህዝቢ፥ ኣብዚ ቐረባ ግዝያት $42,000-ዶላር ኣመሪካ ዝኣክል ገንዘብ ሒዙ ንነብሱ ናብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ክኣቱ እንከሎ፡ በዓልቲ ቤቱ ድማ ናብ ካናዳ ምእታዋ እቲ ምንጪ ኣረጋጊጹ። ብተወሳኺ እታ ሽማግለ  ብዘይካ ወርሓዊ ደሞዝ  ነቲ ህዝቢ ዘገልግሉ ሓደ ካህን እንተዘይኰይኑ፤ካልእ ወጻኢ ከምዘይብላውን ተሓቢሩ ኣሎ። 

 

ብሰንኪዚ ንቤተ-ክህነት ተባሂሉ ካብ ህዝቢ ዝተዋጽኤ ገንዘብን ኣጠፋፍእኡን ኣብ ውሽጢ ህዝቢ ንዝተላዕለ ናዕቢ ንምእላይ፡ ክልተ ካህናት ካብ ኤርትራ ናብ ናይሮቢ-ከንያ ብጽሖት ኣካይዶም እዃ እንተነበሩ፤ ብሰንኪቲ ፖለቲካዊ ስልጣንን ሃይማኖታዊ ትካላትን ደዋዊሱ ዝኸይድ ዘሎ ስርዓተ-ኣልቦ ዲክታቶርያዊ ኣመራርሓ ዝኾነ ይኹን ፍታሕ ከይገበሩ ናብ ኤርትራ ምምላሶም ዝበጻሓና ሓበሬታ ኣረጋጊጹ።  

 

    


Contact Us at:   webmaster@nharnet.com