ተሳተፍቲ መበል 23 ፈስቲቫል ናብ ፍራንክፎርት ክውሕዙ ጀሚሮም

 

ኣብ ጽባሕ መስራትን ቀዳማይን ጉባኤ ሰልፊ ህዝቢ ኤርትራ፡ ንመበል ዕስራን ሰለስተን ግዜኡ ዝግበር ዘሎ ፈስቲቫል ኤርትራ ሎሚ-ዘመን ውን ኣብ ፍራንክፎርት ሃገረ ጀርመን ብድምቀት ክበዓል ኢዩ። እዚ ብኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ማሕበርን ምትሕብባር ጨንፈራት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ኣብ ኤውሮጳ ካብ ዕለት 8 ክሳብ 10 ዝካየድ ዘሎ ፈስቲቫል  ከም ወትሩ፡ ሰፊሕ ሰሚናር `ኤርትራ ናይ ጽባሕ` ብዝብል ቴማ ኣዳሊዩ ጠቓሚ ኣስተምህሮ ከቕስም ኢዩ።

 

እዚ ንመበል 23 ግዜኡ ዝግበር ዘሎ ናይ ሎሚ-ዘበን ፈስቲቫል ካብቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ፈስቲቫላት ፍልይ ዝበለ ዝገብሮ፡ ውድብ ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ ጉዕዞኡ ኣብ ዝዛዘመሉን ሰልፊ ህዝቢ ኤርትራ ጉዕዞኡ ኣብ ዝፈለመሉን ዝግበር ዘሎ ብምዃኑ ኢዩ። ነዚ ታሪኻዊ መቐይሮ`ዚ ምርኩስ ብምግባር ኣቦ-መንበር ሰልፊ ህዝቢ ኤርትራ ተጋዳላይ ወልደሱስ ዓማር ሰፊሕ ውድባዊ መግለጺ ከቕርብ ኢዩ።

 

መበል 23 ፈስቲቫል ንወከልቲ ዝዓደሞም ውድባት ናይ ወውድቦም መግለጺ ከቕርቡ መድረኽ ክኸፍት ኢዩ። ኣብ ፈስቲቫል ካብ ዝሳተፉ ወከልቲ ውድባት ኣቦ መንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ኤርትራን ወከልቲ ሰልፊ ኣልናህዳን፡ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ኤርትራን ይርከብዎም።

 

ኣብ ሰሚናር ኤርትራ ናይ ጽባሕ ንክውንነት ሃገርና ዝጥምቱ ኣርእስታት ክቐርቡ ኢዮም። ኣስተምህሮ ካብ ዘቕርቡ እዞም ዝስዕቡ ይርከብዎም፡

 

ብጉዳይ ሃገሮም ካብ ዝግደሱ ኤርትራውያን ምሁራት፡ ዓብደልራሕማን ሰይድ ካብ ሎንደን፡ ብዛዕባ ህዝባዊ ምሕደራ ሰፊሕ ኣስተምህሮ ንተሳተፍቲ ሰሚናር ኤርትራ ናይ ጽባሕ ከቕርብ ኢዩ።

 

መንእሰይ ሙሴ ሰመረ እቲ ዝሓሸ ኤርትራ ክትክተሎ ዘለዋ ስርዓተ ቁጠባ ኣየናይ ክኽውን ከምዝግባእ  ብመጽናዕቲ ዝተሰነየ ኣስተምህሮ ከቕርብ ኢዩ።

 

ከምኡ ውን ተጋዳላይ ኣሰፋው በርሀ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ስርርዓዊ ጉዳያት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ሰውራዊ ባይቶ ነበር፡ መስርሕ ዕርቂ ኣብ ገዛእ ርእስኻ ብእትገብሮ ለውጥታት ኢዩ ዝጅመር ብዝብል ቴማ ምስ ጉዕዞ ውድቡ ብምትእስሳር መግለጺ ከቕርብ ኢዩ።

 

ነዚ ኣገዳሲ ፈስቲቫል`ዚ ንምስታፍ ካብ ኩሉ ኩርንዓት ዓለም ክውሕዙ ጀሚሮም ኣለዉ።


Contact Us at:   webmaster@nharnet.com