|
||
|
|
||
|
ዘሕጉስ ሓበሬታ ጨንፈር ኤ.ዲ.ኪ ኣብ ርያድ ቆይሙ
ብመሰረት መምርሒ ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ኣብ ርያድ ዝርከቡ ወከልቲ 8 ውድባት ኣባላት ኤርትራዊ ዲሞክርስያዊ ኪዳን ሓድሽ ምምሕዳር ኣብ ጨንፈር ርያድ ብዕለት 19/08/2008 ኣቚሞም።
ኣብዚ ምቛም ሓድሽ ምምሕዳር ካብ ላዕለዋይ መሪሕነት ኤ.ዲ.ኪ ዝመጸ ልኡኽ ነቲ ናይ ኣርባዕተ ቤት ጽሕፈታትን ሓደ ኣቦ-መንበርን ዘማእከለ ምምሕዳራዊ ምርጫ ብኣካል ተኻፊሉ ነይሩ። ንሱ ውን ብወገኑ ንህልው ኩነታት ኤ.ዲ.ኪ ሰፊሕ መግለጺ ድሕሪ ምሃቡ ዝጽበየና ዘሎ መድርኽ ብስጡምን ጥርኑፍን ኣጋባብ ቃልሲ ክንገጥሞ ከምዞሎና ኣታባቢዑ እቲ ኣኼባ ብጽቡቕ ተዛዚሙ።
ቀጺሉ እታ ዝተመርጸት ሽማግለ ብዕለት 22/08/2008 ቀዳማይ ኣኼባኣ ኣካይዳ ብመሰረት ዝተዋህባ መምርሒ ካብ ዝልዓለ መሪሕነት ድማ ንዝመጽእ መደባት ብሰፊሕ ተማያይጣ ንቐጻሊ መደባታ ብቐዳምነት ኣንጻር እዚ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ስጡም ቃልሲ ብምክያድ ብቐደም ተኸተል መደባታ ሰሪዓ ከምዘላ ንኹሉ ደላይ ሰላምን ለውጥ ክንሕብር ንፈቱ።
ምእንቲ መሰል ኤርትራዊ ሓቢርና ንቃለስ ዝኽርን ክብርን ንስውኣትና
ክፍሊ ዜናን ባህልን -ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን-ጨንፈር ርያድ
بشــــرة ســـــــارة تم تكوين فرع التحالف في الرياض
بحضور عضو اللجنة التنفيذية للتحالف الديمقراطي الإرتيري وممثلي ثمانية التنظيمات الإرتيرية المعارضة في الرياض تم تكوين فرع التحالف في تاريخ 19/8/2008م وبعد أن قدم مبعوث التحالف تنوير وافي حول المؤتمر التوحيدي والأحداث الأخيرة للتحالف تم اختيار قيادة مكونة من الرئيس ومسؤولي الدوائر الأربعة.
وفي يوم 22/8/2008م عقدت القيادة المنتخبة إجتماعها الأول وأقرت فيه برنامج عملي المرحلي استناداً على قرارات المؤتمر التوحيدي و وتوجيهات القيادة العليا. وبهذا المناسبة نؤكد على العمل جاهدين من أجل تعرية النظام القمعي والديكتاتوري وتوضيح أهداف التحالف الديمقراطي وسط الإرترين في المنطقة.
لنعمل من أجل إعادة الحقوق للإنسان الإرتيري المجد والخلود للشهداؤنا الأبرار مكتب الاعلام فرع التحالف في الرياض |
||
|
DISCLAIMER: The author/s contributed for this article/opinion and is/are solely responsible for its contents
Contact Us at: webmaster@nharnet.com |
||
|
|