Nharnet Articles/Opinions

     

አገዳሲ ህዝባዊ ምልክታ / ሓቤረታ ….! ምሸት ፖለቲካዊ ዘተ ምስ ክቡር ሓወ አንቶንዮ ተስፋይ።

ዝኸበርኩምን ዝኸበርክንን ደቂ ሃገር፡ ብቀዳምነት ዕዙዝ ልባዊ ሰላምታና ይብጻሕኩም።

ቀጺልና ደጊም፡ ነቲ ልሙድ መደብና መሰረት ብምግባር፡ ንቀዳም ዕለት 06. 09. 2008 ዓ.ም.፡ አቶ አንቶንዮ ተስፋይ፡ አባል መሪሕነት ሰልፊ ህዝቢ ኤርትራ (ሰ.ህ.ኤ/EPP)፡ አብ መራኸቢ ብዙሓን ፓልቶክ (Paltalk)፡ ጋሻ „Eritrean Room For Strong And United Opposition“ ኮይኑ ከምሲኢ ታዓዲሙ አሎ። እዛ „Room“ እዚአ እትኽፈተሉ ግዜ፡ ብአቖጻጽራ ማእከላይ ምዕራብ አውሮጳ፡ ሳዓት 20፡00 ክኸውን እንከሎ፡ እቲ ፖለቲካዊ ዘተ ምስ ክቡር ሓው አንቶንዮ ተስፋይ ዝጅምረሉ ግዜ ካአ፡ ሳዓት 21:00 እዩ። 

ሓው አቶ አንቶንዮ ተስፋይ ሓደ ካብቶም አለዉና ዝባሃሉ ደረስቲ መጽሓፍ (Book Authors) እዩ። ክሳብ ሕጂ ብዙሓተ መጽሓፍቲ ጽሒፉ እዩ። ሓንቲ ካብአተን ,,መንቅል ኤርትራዊ ሃገርነት,, እትብል፡ ብ1995 ዝተዘርገሔት፡ እያ። ከምኡ እውን ነዚ ዘሎ ሓድሽን አረጊትን ትውልዲ፡ ምስ ዝሓለፈ ናይ 30 ዓመት ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ንምልላይን፡ አፍልጥኡ ክብ ከምዝብል ንምግባር፡ ምዕራፍ እናፈላለየ አብ „Asmarino.com“ ይጽሕፍ ነሩ። ብማዕሪኡ እውን፡ ስቃይ ህዝብና፡ አብ ትሕቲ እዚ ሰብ ምዃኑ ፈንፊኑ ናብ ተዅላ ዝተቀየረ ስርዓት ሕጊ አልቦ፡ ንሓንሳብን ንሓዋሩን መወዳእታ ክህልዎ ምእንቲ፡ አብ ዝተፈላለየ እዋናት፡ ግዜኡን ዓቅሙን ንዋቱን ከይበቐቐ፡ ፖለቲካዊ ትሕዝቶ ዘለዎ ጽሑፋት፡ አብ ዝተፈላለየ ናይ ዜና ማዕከናት እናዘርገሔ፡ ከይታሓለለ ብትብዓት፡ አንጻር መላኺ ስርዓት ሃገርና፡ ዝቃለስ ዝነበረን ዘሎን ኤርትራዊ እዩ።

 ሓው አንቶንዮ ተስፋይ፡ ከሳብ መጨረሻ ወርሒ 07. 2008፡ አባል መሪሕነት ተ.ሓ.ኤ - ሰ.ባ፤ ሕጂ እውን አባል መሪሕነት ሰልፊ ህዝቢ ኤርትራ (ሰ.ህ.ኤ/EPP)፡ አብ ናይ ተጠባባቂ ደረጃ፡ ኮይኑ፡ ምልካዊ ሰርዓት አልጊስካ፡ ዴሞክራሲያዊ አብ ኤርትራ ንምትካል፡ ዝቃለስ ዝነበረን ዘሎን ዜጋ እዩ፡፡ ሓው አንቶንዮ ተስፋይ፡ ንቀዳም ምሸት ዕለት 06. 09. 2008፡ ምስ ህዝቢ ክዛተየሉ መዲብዎ ዘሎ ነጥቢ፡ ብዛዕባ እቲ፡ ብአባላት ሰልፊ ህዝቢ ኤርትራ፡ አብ ትግራይ (ኢትዮጵያ) ዝተኻየደ፡ ናይ ሰላም ዕዶት እዩ። ሓው አንቶንዮ ተስፋይ ካአ፡ ሓደ ካብቶም አብዚ ናይ ሰላም ዕዶት፡ ብአካል ተኻፊሉ ዝነበረ ስለዝኾነ፡ ከም ናይ ዓይኒ ምስክር መጠን፡ ምኽንያት ምክያድ ናይዚ ናይ ሰላም ዕዶት እዝን ውጽኤቱን፡ ብቀረባ ክሕብረና ስለዝኾነ፡ ኩሉኹም/ኽን ደቂ ሃገር፡ ከምዚ ዝአመሰለ፡ ብጣዕሚ አገዳሲ ዝኾነ ዛዕባ፡ ምስ ሓው አቶ አንቶንዮ ተስፋይ፡ ከይሓልፈኩም/ክን፡ ተኻፈልቲ ናይዚ ፖለቲካዊ ዘተ እዚ ኮይንኩም/ክን ምሳና ክተምስዩ/ያ፡ ብኽብሪ ንዕድም።

ብዳሓን ምጽኡ ……!!

ካብ ኤርትራውያን፡ አባላት ናይ ዝተፋላለያ ውድባትን ማለት ሰልፍታትን፣ በርገሳዊ ማሕበራትን፣ ብውልቀ ተቓወምቲ፣ አብ መራኸቢ ብዙሓን ፓልቶክ (Paltalk)፡ ብዛዕባ ኩነታት ህዝብናን ሃገርናን፡ ከምኡ እውን ብአግባብ አቃላልሳና አቓውማናን፡ አንጻር ውልቀ መላኺ ሃገርና፡ እንማያየጥን እንዛተን ደቂ ሃገር። erfsauo@yahoo.com               


DISCLAIMER:  The author/s  contributed  for this article/opinion and is/are solely responsible for its contents


 

Contact Us at:   webmaster@nharnet.com