|
||
|
|
||
|
ታሪኻዊት ተ.ሓ.ኤ ሰውራዊ ባይቶ ኣደ ሰውራ ዓባይ ቢንቶ ዘርኢ ዓዋተ ጅግና ዝሰረቶ ኣሎኪ ታሪኽ ብዙሕ ዝዝንቶ ንሉዑላውነት ሃገር መን ድዩ ዝሞከቶ ንኢድ ኣእታውነት ዝበድሆ ዝዓገቶ ኣይጠፍእን ታሪኽ ንጽላእ ንፍቶ መኪትክዮ ንኹሉ በብሓደ ናይ ውሽጥን ደገን ዝተጻወደ ሓሊፍክዮ እቲ ዝኸበደ ኣይሳኣንን ገለ ዝዓበደ ሰላም ዘይፈቱ ውግእ ዝለምደ
ይቀመጥ መዝገብኪ ሰራቒ ከይረኽቦ መጻኢ ዎለዶ መታን ከንብቦ ሚስጢር ጉዑዞኺ ገዚፍ ዩ ጎቦ ጽንዓት ቃልስኺ ኣለዎ ሓቦ ቃልሲ ዉጹዓት ገሪኪሉ መዓልቦ ተዓዲሙ ኩሉ ንዘተ ኣላዝቦ ሓቢርካ ምስራሕ ዩ ዓወት ዝርከቦ መቓልሕ ጉዕዞኺ አንሆ ይነጉድ ዳስኪ ገፊሓ ንኹሉ ከተእንግድ ኣጉደኺ ፈሪሳ ምስ ኩሉ ክትነግድ መርሓባ ኢልክዮ በይኑ ዘኹድድ ውድበይ ዝበለ ለጊቡ ከም ቁርዲድ መዓልቲ ኣርኪባ ስምኪ ክተርፍ የለን ብስምኪ ዝጸሓፍ ዝልጠፍ ተመስሪታ ሰልፊ ንኹሉ ትሓቁፍ ተባዕ መርገጽ ኢዩ ዓወት ዘቃላጥፍ ብስራት ንህዝብና መርድእ ንህግደፍ ክዕወት ዩ ህዝብና ፍጹም ዘይተርፍ
ሰልፊ ህዝቢ አንሆ ተመሪቓ ሃገራዊት ሰልፊ ናይ ህዝቢ ጠበቓ መሰላት ትሑሉ ንኹሉ ኣጥቢቓ ብትግርኛን ዓረብን ተሕልፎ ጾሚቓ 9 ብህራት ዘንጸባርቕ መንደቓ መንግስትን ሃይማኖትን ትፈልዮ ኣርሒቓ ተወሊዳ ንኹሉ ተገልግል ጀብሃን ሻዕብያን ዘይትብል ንኹሉ ኤርትራዊ ተማእክል መንእሰያት ዝተሓወስዋ ሙሁራት ዝኸበቡዋ ሰልፊ ህዝቢ ኢለሙዋ ሰላም ዩ መርገጻ ቅሳነት ራህዋ ጀሚራቶ ናይ ሰላም መንገዲ መሪቓቶ ናይ ሓባር መኣዲ ክምለስ ዝነበረ ልምዲ ክነግስ ሰላም ኣብ ኩሉ ዓዲ ዕርቂ ምስ ጎረበት የድሊ ቐንዲ ሰላም ዩ ስንቆም ንኹሎም ወለዲ ይጥፋእ ሓዊ ህግደፍ ዝወለዖ ንኽልተ ጎረባቢቲ ዘብከዮ ዘንብዖ ይጠጥዕ ሕውነት ቀደም ዘጉነዖ መውስቦ ዝተሓውሶ ከመይ ኢሉ ይርሰዖ ሰላም ዩ ስልጣኔ አንጀራ ዝብለዖ ይመለስ ህዝብና ህግደፍ ዘጋፍዖ ብዘርኣይ ትርፈ ስያትል.. |
||
|
DISCLAIMER: The author/s contributed for this article/opinion and is/are solely responsible for its contents
Contact Us at: webmaster@nharnet.com |
||
|
|