ዘመተ ሕማም ቲቢ

ኣብ  መዓስከራት ስደተኛታት ዓቡዳን ከብቢኡን

 

ቤት-ጽሕፈት ዜናን ባህልን

ተ.ሓ.ኤ ሰውራዊ ባይቶ

07.12.2007

 

 

 

ብሰንኪ ሕጽረት መግብን ሕክምናዊ ኣገልግሎትን 50% ናይቶም ኣብ መዓስከራት ስደተኛታት ዓቡዳ፡ እምግርጉርን ከባቢኡን ዝነብሩ ኤርትራውያን ብሕማም ቲቢ ተጠቂዖም ምህላዎም፡ ካብቲ ቦታ ዝበጽሓና ሓበሬታ የነጽር። ገለ ካብቶም ኣብቲ ቦታ እናተንቀሳቀሱ፡ ሕክማናዊ ኣገልግሎት ኣብ ምሃብ ዝነጥፉ ናይ ውልቂ ሓካይም ከም ዝሓበርዎ ከኣ፡ እቲ ሕማም ኣዝዩ ገኒኑን ከይተገትአ ብልዑል ናይ ምልባዕ ናህሪ ይጋልብ ምህላዉን የጠንቅቁ። ንሳቶም ብተወሳኺ፡ እቲ ዝወሃብ ዝነበረ ትኳቦ ረድኤት ምቊራጹን ዝሓርስዎ ዝነበሩ መሬታት ብደቀባት ምምንዝዑን እኹል ሕክምናዊ  ኣገልግሎት ብዘይምህላዉን ዝያዳ ኣበሳን ዕንወትን ከኸትል ከም ዝኽእል ዘለዎም ስግኣት ይገልጹ።

 

ማሕበረ-ሰብ ዓለም ብሓፈሻ ብፍላይ ከኣ፡ እቲ ተሓላቂ ስደተኛታት ዝኾነ ላዕለዋይ ኮሚሽነር ስደተኛታት ውድብ   ሕቡራት ሃገራት፡  ነዚ ንምቅላል ዳርጋ ዝወሰዶ ርኡይ ዝኾነ ስጉምታት የለን ክበሃል ይከኣል። ጉዳይ ኤርትራውያን ስደተኛታት ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ ካብ ዝኸፍአ ናብ ዝበኣሰ ዘምርሕ ዘሎ ነባርን እዋናውን ሕቶ እዩ። ማሕበረ-ሰብ ዓለምን ካልኦት ኣህጉራውያን ውድባትን፡ ንጉዳይ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብዕቱብ ንኽተሓሓዝኦ፡ ተ.ሓ.ኤ ሰውራዊ ባይቶ፡ ተደጋጋሚ ጻውዒታት ኣቕሪቡቡ ምንባሩን ጌና ውን ከይተሓለለ ይጽዕረሉ ምህላዉን ይፍለጥ።

 

   


Contact Us at:   webmaster@nharnet.com