|
||
|
|
||
|
ዓመት ንዓመትየ የስግረና !ክልተ ሽሕን ትሽዓተን ዓመተ-ጥዕናን ዓወትን ሰላምን ዓመተ-ሕውነትን ሓድነትን፡ ምትካል ሕዝባዊ መንግስትን ውድቀት ምልካዊ ስርዓትን እተበስር ዓመት ክትኮነልናን ሰናይ ትምኒተይ እገልጽ፡፡
ብፍቕሪ ሃገርኩም ተመሊእኩም ንክብሪ ሕዝብና ትቃለሱ ዘሎኹም ሕድሪ ስውኣትና ዘይጠለምኩም ናብ 2009 ብጽቡቕ የሳግርኩም
ትምኒትና ክሰምረልና ክግሃደልና ኣብ 2008 ዝዓንበበ ስራሓትና ኣብ 2009 ኣብ ፍረ ክበጽሓልና ሃየ ንስራሕ ኢደ ኢድካ ኢልና
ንተንኮል ምልካዊ ስርዓት በናጢስና ዝናር ሕግን ፍትሕን ሓቅን ተዓጢቕና ካብ ባርነት ሕጊ-ግደፍ ነናግፎ ንሕዝብና
ሓድነትና ኣትሪርና ኣስሚርና እንደገና ክድልድሉ ኣዕኑድ ሃገርና ሓቢርና ንቃለስ ተስፋ ከይቆረጽና
ዝኽርን ክብርን ንጀጋኑ ስውኣትና ጥርጥር የለን ናይ ግድን እዩ ዓወትና
ኣብራሃም ተኽለ 30.12.2008
|
||
|
DISCLAIMER: The author/s contributed for this article/opinion and is/are solely responsible for its contents
Contact Us at: webmaster@nharnet.com |
||
|
|