Nharnet Articles/Opinions

     

   

ጋዜጣዊ መግለጺ

 

ኤርትራውያን በርገሳውያን ማሕበራት፡ ጸግዓዊ መርገጽ ከኽትም ይጽውዓ!

 

እዘን ኣበየ ሃገሩ ተመስሪተን በርገሳዊ ስርሓተን ዘካይዳ ዘለዋ ኤርትራውያን ማሕበራት በቲ ኣብ ዘዘለውኦ ሃገራት ዝተሓንጸጸ ናይ ኣመሰራርታ ማሕበራት ሕጊ መሰረት እየን ክንቀሳቐሳ ዘለወን። እዚ ግን ነተን ዘዘለውኦ ሃገራት ዝምልከት ጉዳይ ኣብ ዘሰላስላሉ እዋን ጥራሕ እዩ ኪኸውን ዘልዎ። ብዛዕባ ኤርትራ ዝምልከት ጉዳይ ምስ ዝኸውን ግን ኣካይዳኤን ምስ ኩነታት ኤርትራ ከሳኒ ግድነት ይኸውን።

 

ኤርትራ ሎሚ ካብ 1991 ኣትሒዙ ባዕሉ ብዘይ ድልየት ተቐማጦ ኤርትራ ብኢደ ዋኒኑ ስልጣን ዝገበተ፡ ናቱ’ውን ይኹን ዝገዝኦ ሕጊ ዘይብሉ፡ ንኣህዛብ ሃገርና ኣብ ምምዝማዝን ምግፋዕን ሕሉፍ ሓሊፉ ህይወት ብዙሓት ኣሽሓት ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ ብዘይ ምቁራጽ ብኸንቱ ከሕልፍን ኣብ ምጽናት ኣህዛብ ተጸሚዱ ብዝርከብ መላኺ ጉጅለ እያ ትግዛኣ ዘላ። ኣብ ከም’ዚ ዝበለ ኩነታት፡ ዝኾነ ይኹን በርገሳዊ ማሕበር መርገጹ ምስቲ ስርዓት ወይ ምስ ተጻራሪኣኡ ክኸውን ግድነት እዩ። ኣብ ሰላማዊ እዋን’ውን እንተኾነ ምስ ህዝቢ’ምበር ምስ መንግስቲ ኰይኑ ኣይፈልጥን። ኣንጻርቲ ስርዓት ምዃን ማለት ከኣ እንጻር መጋበርያታቱ ደው ምባል ማለት ምዃኑ ርዱእ ነገር እዩ።

 

ኣብ ልዕሊ ኣህዛብ ኤርትራ ዝካየድ ዘሎ ምዝመዛ ግፍዒ ምጽናት ….ወዘተ ቀጥታ ብኢድ ኣቶ ኢሳያስ ዘይኮነስ ኣሕዋትና ይኹኑ’ምበር ንሱ መልሚሉ ብዝልእኮም ዓስከራት ምዃኑ ማንም ዝኽሕዶ ኣይኰነን። ኣብ ልዕሊ ገለ ብሔራትን ብዕቱብ ንዝጻረርዋ ኣህዛብ ናይ ገለ ኣውራጃታትን ብመርዚ ይኹን ብኻልእ ኣገባብ እናጽነተ እንከሎ፡ ኣእካሎም ብምዝማት ሲስተማቲካሊ ግዳይ ጥምየትን ሕማምን ሞትን እናገበረ እንከሎ፡ ብኻልእ ብበብዕትነቱ ኣገባባት ደም ህዝቢ እናውሓዘ እንከሎ፡ ሎምስ ኢድካ ኣጣሚርካ ዝርአ’ውን ኣይመስልን። ኣብ ማሙቕ ውሻጠ ኤውሮጳ ተደቂንካ ቅድሚ ውሑድን ብዙሕን ምዝራብ ነቲ ብመሪሕነት ጉጅለ ህግደፍን ንሱ ብዝልእኮም ዓስከራትን ወግሐ ጸብሐ ዝጠፍእ ዘሎ ዝጸንት ዘሎ እዚ ዘይብሃል በማኣኢታት ዝቑጸር ህይወት ኤርትራውያን መን ክከላኸለሉ ይግብኦ ብኸመይ ኣገባብከ ዝብል መሰረታዊ ሕቶ እተን በርገሳውያን ማሕበራት ኣብ ዘለዋ ሃልየን ክምልሳኦ ዘለወን፡ ፈቲና ጸሊእና ኣህዛብ ኤርትራ ዝጽበዩዎ ዘለዉ ኣዋናዊ ሕቶ ኣዩ።

 

ኩነታት ኤርትራ እዚ ጥራሕ ኣይኰነን፡ „ግዝያዊ መንግስቲ ህዝባዊ ግንባር“ ብመራሒኡ ኣቶ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣቢሉ ኣንዳዕዲዑ „ደጊም ናይ ውድባት ሓሸውየ ኣይከነፍቅድን ኢና“ እናበለ ኣንጻር ኵሉ ንህዝባዊ ግንባር ዘይድግፍ ውልቀሰብን ውድባትን ዘበለ ውግእ ምእዋጁ ዝረስዖ ዘሎ ኣይህሉን። ንዕኡ ንምምካትን ንኤርትራ ካብ’ዚ መላኺ’ዚ ናጻ ንምውጻእን ዝወሰነ፡ ኢዱ ኣጣሚሩ ክርኢ ዘይከኣለ፡ ተጻራሪኡ ድማ ጎንጻዊ ቃልሲ ከካይድ ምርጫ ወሰደ። እቲ ደሓር ዝሰዓበ ከኣ እንታይ ማለቱ ምዃኑ ብዘይርዳእ ምኽንያት ነቲ ናይ ውግእ ኣዋጅ „ብሰላማዊ ኣገባብ ምፍታሕ“ ዝብል መርገጽ ወሰደ። ቅድም ቀዳድም ኣምበኣር በርገሳውያን ማሕበራት፡ ደገፍቱ ይንበሩ ኣይንበሩ ብዘየገድስ፡ ኣብ’ዚ ንኤርትራ ናብ ዓዘቅቲ ዝኸተተ ናይ ውግእ ኣዋጅ’ዚ መርገጾም ከነጽሩ ይግብኦም።

 

ንሕና ከም እንርእዮ ሓደ በርገሳዊ ማሕበር ንኹሎም ተሳተፍቲ ብመሰረቱ ውግእ ጠጠው ከብሉን ጉዳዮም ብሰላም ክፈትሑ ክውስኑ ምጽዋዕን ዝግባእ ስርሓት ምክያድን እዩ። ካባኡ ዝተረፈ ግን፡ ኣብ ሃገርና ናይ ውግእ ኩነታት ካብ ሃለወ እተን ጸግዕ’ቲ ገዛኢ ዘይኮና በርገሳውያን ማሕበራት ኤርትራ ክጣበቓሉ ዝግባኤን ነቲ መሳርያ ዘይብሉ ሰላማዊ ህዝቢ ንኸይጉዳእን ከይግፋዕን፡ ነቲ ናይ ውግእ እሱር ዝዀነ ድማ ብግቡእ ሰባዊ ኣተሓሕዛ ክተሓዝን እምበር፡ እቲ ኣብ ውግእ ተጸሚዱ ዝርከብ ሸነኻት፡ ዓለምለኻዊ ስምምዕ ውግእ ዘፍቅዶ ኣገባብ ክሳዕ ዘዘውተረ፡ በየናይ ኣገባብን ኣበይን መዓስን ከመይን ይቃለስ መምርሒ ብዝመስል ሓደ ምግናን ዝመልኦ ሓደ ሸነኻዊ ዝኾነ ጎናዊ ጸቕጢ ምዝውታር ክፍተን ኣይግባእን።

 

ንድሕነት ኤርትራን ኣህዛባን ቃልስና ቀጻሊ እዩ።

 

ኣባላት ነትዎርክ ኤርትራውያን በርገሳውያን ማሕበራት ኣብ ኤውሮጳ

 

ማሕበር ስኒት ሰላም ኣብ ፍራንክፎርት ሃገር ጀርመን 

ምንቅስቓስ ሕብረት ኤርትራውያን በርገሳዊ ማሕበር ኣብ ኖርወይ

መቓልሕ-ኤርትራ.ኦርግ


DISCLAIMER:  The author/s  contributed  for this article/opinion and is/are solely responsible for its contents


 

Contact Us at:   webmaster@nharnet.com