|
||
|
|
||
|
ዕለት 06 ታሕሳስ 2008.
ዜና ኮንፈረንስ፡
ብዕለት 04 ታሕሳስ 2008 ብድምቀት ዝተጀመረ ኮንፈረንስ ኣባላት ሰደግኤ፡ ብዓወት ተዛዚሙ፡፡ ኮንፈረንስ ኣብ ናይ ሰለስተ መዓልቲ ቅንያቱ ኣብ ገምጋም ህልው ፖሎቲካዊ ኩነታትን ገምጋም ሓድነታዊ ተመኩሮናን ዝሓለፎ መስርሕን ሰፊሕን ዓሚቕን ገምጋም ብምክያድ፡ ኣገደስቲ ፖሎቲካዊ ውሳነታትን መደረኻዊ ዕማማትን ብምሕንጻጽ፡ ሎሚ ምሸት ሰዓት 8.00 ብዓወት ተዛዚሙ፡፡
ጽባሕ ዕለት 07 ታሕሳስ 2008፡ ኣባላት ኮንፈረንስን ዕዱማት ኣጋይሽን ኣብ ዝተረኸቡሉ፡ ብድሙቕ መዕጸዊ በዓል ክጠቓለል ምዃኑ፡ ሰክረታርያ ኮንፈረንስ ካብ ዝሃበትና ሓበሬታ ንምፍላጥ ተኻኢሉ ኣሎ፡፡ ኣብ መጠቓለሊ በዓል ኮንፈረንስ፡ መጻኢ ጉዕዞ ሰደግኤን ዘመሓላለፎም ፖሎቲካዊ ውሳነታትን ኣመልኪቱ ብደምዳሚ መግለጺ ክሕበር ምዃኑ ተሓቢሩ፡፡
|
||
|
DISCLAIMER: The author/s contributed for this article/opinion and is/are solely responsible for its contents
Contact Us at: webmaster@nharnet.com |
||
|
|